Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
እንዳ ራኣና ንጸንት ኣሎና ብዝረቐ&#468
أخبار

እንዳ ራኣና ንጸንት ኣሎና ብዝረቐቐ

ውሒጅ እኳ እዩ ዝወስድ እንዳ ኣስሓቐ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

እንዳ ራኣና ንጸንት ኣሎና ብዝረቐቐ

ትም ኢልና ንዕዘብ ህዝቢ እዳ ሓቐቐ

ውሒጅ እኳ እዩ ዝወስድ እዳኣስሓቐ።

ውሽጡ ሑሩር ካሳብ ማዓስ እና ክቆርር

ሳአን ኣብ መንገዲ ባጽዕ ምባል ግትር

ክሳብ ማዓስ ኢና ኣሕ ክንብል ክነብር።

ሳኣን ከምቶም ጀጋኑ ስዉኣትና ከም ኣብራሃም ተኽለ ነፍሪ

ሕነ ህዝቡ ዝፈዲ ብለይቲ ብቀትሪ

ንሽፍትነት ህግደፍ ዝምክት ብግብሪ።

አብ ሃገራዊ ዋዕላ ከምዚ ዝብል መደረ ሰሚዔ ነረ

ህግደፍ ሓንቲ እግሩ ኣብ ተቓወምቲ ኣላ ኢሉ ዝነደረ

   ሓደ ካብቶም ንሓርበኛታት ወኪሉ ዝመደረ

ንተኻፋላይ ዋዕለ ዘስተምሃረ ክንርፍሪ ፍረ።

ኣያ ዝሳኣነ ህዝቢ ተቐቲሉ ይድርበ ከም ከልቢ

ዳሓን እቶ ኣለና ኣጋሊጽካዮም ፈሊጥናዮ እቲ ሓቂ

ተረዲኡና መን ምዃኑ ናይ ቃልስና ዕንቅፋት ጠንቂ

ሎምስ እቲ ሓቂ መስ መስ ኢሉ በሪሁ ከም በርቂ

መንሽሮ ንህዝቢና ንጃንዳ ህግደፍ ሕቡአት ወርቂ።

መርሃዊ ደንጕዩዎ ህዝቢ ብህግደፍ ሃገር ተሸቢራ

ህዝቢ ንምድሓን ፐሎቲካዊያን ውድባት ስመራ

ሲቪካዊያን ማሕበራት ህዝቢ ኣላዓዕላ ክንምርሽ ንስመራ

ሓደ ካብቶም ብዙሓት ንምልኪ ዝቃወሙ ይብል ሓደራ

ሕጂ እዩ እዋኑ ሓቢርክን ዲክተተር ክተባርራ።

ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተገሩ  

  ጉባኤ ኣብ ኣስመራ ክከውን ናይ ሓባር ጽላኢ ኣባርሩ

ህዝቢ ኤረትራ ሓሳብ ልቡ ክሰምረሉ ዘተ ጀምሩ።

ጭጉራፍ ወቒዓ ተእዊ

እቶም ካብ ኣፍንጫና ኣርሒቕና ዘይንጥምት ዝመስሎም ክባራበሩ

ህዝቢ ኤረትራ ክብ ክብል ሞራሉ ትምክሕተኛታት ካሓፍሩ።

እዛ ብውሽጢ እዩ ዝመጽእ ለውጢ ትጋነን ኣላ

ኣየነይቲ ውድብ እያ ናይ ውሽጢ ሓይሊ ኣየድልን ኢላ

ኣየነይቲ ውድብ ከ ብዘይ ናይ ውሽጢ ሓይሊ ንዕወት ኢላ

ንተቓወምትን ናይ ውሽጢ ህዝብን ክትፈላልዩ ኣይትሓልኑ።

ኣያ ዝሳኣነ ህዝቢ ተቐቲሉ ይድርበ ከም ከልቢ

ዋዓል ሓደር ዝባሃሎ ግዝየ ኣይኮናን ዘለና

ካብ ህግደፍ ዘጋላግሎ ይደሊ ኣሎ ህዝብና

ይብል ኣሎ ካብ ኢሰያስን ጭፍሩኡን ኣድሑኑና።

ንሕናስ ካብ ቀደም ኣትሒዝና ምስ በልና ዓገብ

ኣብ ርእሲ ከይወረደ ኣይርድኦን እዩ ወዲሰብ

ሕደግ እንዳ በልካዮ ምስ በላዒኡ ይዋሰብ

ዝሓለፈስ ሓሊፉ ገጋ ካብ ምድጋም ኑዑ ንላዘብ።

ኣብ ስደት መን ኣሎ ዜና ዓለም ዘይካታተል

ገለ ኣብ ሳህራ ይመውት ገለ ብዓመጽ ይቕተል

ገለ ካብ ስቅያት ህግደፍ ከምልጥ ኣብ ውቅያኖስ ኣጥሕል

ገለ ብራሻይዳ ገንዘቡ ተዘምቱ ከም ስጋ ይዝልዘል

ያኣኽል.2 .ካብ ሚኢቲ ኸፈልካ ንሸፋቱ ምግልጋል።            

እዚ እንዳ ሰማዕካ ክንዲ ህግደፍ ትማጓት

ናዓኻትኩም ዝኣመነ ክልተሻዕ ይመውት

ካብ ተሓታትነት ክትድሕኑ ሕጂ ግበሩ ሓሞት።

ከም ጭሮሖ ተስፋማርያም ወ-ጊዮርጊስ ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘበን  ሓዲኡሎ።

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ኣንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,908,215 وقت التحميل: 0.35 ثانية