179 ስደተኛታት
ኤርትራውያን ናብ ሕ.መ.ኣሜሪካ ተፋኒዮም
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ
ዝርከባ መደብር ስደተኛታት ተዓቚቦም ካብ ዘለው ኤርትራውያን ብ3 ታሕሳስ 2010, 179 ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከም
ዝተፋነው ነቲ ናይ ኣፈናንዋ ስነ-ስርዓት ዝተኸታተሉ ጋዜጠኛታት ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ሓቢሮም። ነዞም ኤርትራውያን
ስደተኛታት ዘፋነው ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ሓላፊ ፕሮትክሽንን ሕግን ኣቶ እስቲፋኖስ
ገብረመድህን ኣብቲ ኣጋጣሚ ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ መስርሕ ካብ ዝጅመር ካብ 2006 ንነጀው 5,822 ኤርትራውያን ናብ ዝተፈላለያ
ሃገራት ከም ዝኸዱ ሓቢሮም። ንሶም ምስዚ ኣተሓሒዞም ኣብ ዓመተ 2010, 3100 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት
ናይ ምልኣኽ መደብ ከም ዝነበረን ክሳብ ሕጂ ድማ 2,786 ከም ዝተላእኩን እዚ ናይቲ ተታሒዙ ዝነበረ ትልሚ 90% ምዃኑ
ገሊጾም።
ኣቶ እስቲፋኖስ
ገብረመድህን ከም ዝገለጽዎ ብዘይካቲ ኣብቲ መደበር ስደተኛታት ዝግበረሎም ሕውነታውን ሰብኣውን ኣቀባላ ኣብዚ እዋንዚ 294
ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርሲታት ኢትዮጵያ ይመሃሩ ከም ዘለውን ኣብ ሳማራ ዩኒቨርሲቲ ተወስኸቲ 62 ስደተኛታት ተመሃሮ
ናይ ምስትምሃር መደብ ወጺኡ ከም ዘሎን ገሊጾም። ኣብ መወዳእታ ኣቶ እስቲፋኖስ ከም ዝጠቐስዎ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ
ዝርከባ 5 መደበራት ስደተኛታት 53, 767 ኤርትራውያን ተዓቊቦም ኣለዉ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መዓልቲ ካብኣቶም 40% ወተሃደራት
ዝኾኑ 2,000 ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ምህላዎም’ውን እቶም ሓላፊ ፕሮተክሽንን ሕግን ኣተሓሒዞም ሓቢሮም።
ቤት
ጽሕፈት ዜናን ፕሮፖጋንዳን
ኤርትራዊ
ዲሞክራሲያዊ ኪዳን
|