Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ቃል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን &#475
أخبار

Alaince 00[1].jpg

ቃል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንዓመታዊ ፌስቲቫል መልቦርን 2011

 

ክቡራት ዜጋታት!

ውፉያት ተቓለስቲ!

ክቡራት ተቓለስቲ ኣንጻር ፌስቲቫል ህ.ግ.ደ.ፍ ደው ብምባል፡ ምእንቲ ነጻነት፡ ፍትሕን ምርግጋእን ኣብ ኤርትራ ንክሰፍን ብሓባር ትጽዕሩ ዘለኩም ዜጋታትና ዝዓዘዘ ሰላምታና ተቐበሉ። ኣብ ቃልሲ ህዝብና ኣንጻር እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ መከራ ናብ ሓሳረ መከራ ዘውርድ ዘሎ፡ ንሰላምን ጸጥታን ንጎረባብቲ ሃገራትን ዞባን ዝዘርግ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ፡ ብጽንዓት ተዋፋይነትን ተካይድዎ ዘለኹም ቃልስታት ክቡር ምስጋና ነቕርብ።

          

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን:

ዓመታዊ ፌስቲቫልኩም ምእንቲ ዕዘትን ክብርን ህዝብና ብህግደፍ ዝበጽሕ ዘሎ ወጽዓታት ይወገድ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዝተፈላለየ ኣካዋውና ሕ/ሰብ ኤርትራን ሓይልታት ተቓውሞን በርጌሳዊ ማሕበራትን ቅልጽሞም ብሓባር ጠሚሮም ብሓደ ንምህራም፡ ኣብ ውሽጢ'ዚ ዓመት'ዚ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራሳያዊ ለውጢ ብምስልሳል፡ ንጉዕዞ ዕማም ተቓውሞ ናብ ዓቢ ግብራዊ ዝላ ንምስግጋር፡ ኣብ ንዳለውሉ ዘለና መድረኽ ይካየድ ምህላዉ ንህዝብና ዓቢ ትርጉም ኣለዎ።

ክቡራት ኣሓዋትን ኣሓትን፡

እዚ ፌስቲቫልኩም'ዚ ንኩሎም ብጉዳይ ኤርትራ ዝግደሱ ወገናት ኣገደስቲ መልእኽትታት ዘመሓላልፍ ኮይኑ፡ ልዕሊ ኩሉ ነቲ ንህዝብና ዝጭፍጭፍ ዘሎ  ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ከኣ፡

Ø  ርህራሄ ዘይብሉ ቅትለትን ምርሻንን ዓፈናዊ ተግባራት ህግደፍ ይወገድ።

Ø  ግፍዓዊ ማእሰርትን ኣስገዳዲ መጭወይትን ስለያዊ መሓውራት ስርዓት ህግደፍ ይወገድ።

Ø  ንህዝቢ ብሃይማኖት፡ ብባህልን ብሄርን……ወዘተ ምፍልልይ ይወገድ።

Ø  ምምንዛዕ መሬትን ንብረትን ህዝቢ፡ ዲሞክራፍያዊ ለውጥን ንታሪኽን ሓቅን ምቕያር ይወገድ።

Ø  ድንቑርና፡ ድሕረትን ሕማምን ምምዝማዝ ኣረግቶትን ዓቕሚ ኣዳም ዘይበጽሑ ህጻናትን ይወገድ።

Ø   ዕመጽን ውልቐ ምልክነትን ይወገድ ሽሕ ግዜ ይወገድ።

 

ብካልኣይ ደረጃ ዓመታዊ ፌስቲቫልኩም ንዞባውን ንማሕበረ ሰብ ዓለምን ዘመሓላልፈሉ መልእኽቲ

Ø  ኣብ ኤርትራ ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንዝወርድ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ዕንወትን ብርሰትን ስቕ ምባልን ምሽፋንን ይኣክል።

Ø  ነቲ ንውጽዓን ንምልክን ብምቕዋም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ዝሰደድ ዘሎ ህዝብና ዘጋጥሞ ዘሎ ማእሰርትን ኣስገዳድ ናብ ሃገሩ ምምላስን ይኣክል።

Ø  ንሰላምን ጸጥታን ዞባ ዝህድድ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጎረባብቲ ሃገራት ክግበር ዝጸንሐን ዘሎን ህንዱድ ኢድ ምትእትታው ስርዓት ህግደፍ ይኣክል።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፡

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ንዝኽሰቱ ዝተፈላለዩ ግርጭታትን ምፍልላይን ክንሰገር፡ ሓባራዊ ስርሓትን ሓድነት ከነስጥምን ሓይሊ ተቓውሞ ከነዕዝዝን ሓደ ቅልጽም ክንኽውንን ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን መስርዕ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ዝለዓለ ሃገራዊ ሞቆምያታት ንምጥርናፍ፡ ጻዕርታቱ ቀጻሊ ኮይኑ፡ ብቀዳማይ ደረጃ ዝዋስኣሉ ዘሎ ልዕሊ ኩሉ ንዕላማታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንምምዕባልን ንምክልኻልን'ዩ። ሃገራዊ ክብርታት ንምዕቓብን ንምክልኻልን ንምርግጋጹ ዝሰርሓሉ ዘሎ ንኣብነት፡

Ø  ፖሎቲካውን ሰልፋውን ብዙሕነት ንምርግጋጽ ይሰርሕ።

Ø  ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕ/ሰብና ተኸባቢሮም ብሰላም ንምንባር ይሰርሕ፡

Ø  ርእይቶ ካልኦት ንምክባርን ብነጻ ክገልጽዎ መስሎም ንምሕላውን ይሰርሕ ምህላው ምጥቓስ ይኣክል።

ውፉያትን ጽኑዓትን ዜጋታትና፡

ኣብ መደምደምታ በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ከኣ ምእንቲ እታ ንፈትዋን ብጀካኣ ካልእ ዘይብልናን ክብርቲ ሃገርና ንምድሓን፡ ከተካይድዎ ዝጸናሕኩምን ዘለኹምን ተባዕ ቃልስታታት ልዑል ምስጋናና እናኣቕረብና፡ ፌስቲቫልኩም ዕውት ክኽውን ልባዊ ትምኒትና ንገልጽ። ከምኡ'ውን ኣብቲ ዝመጽእ ዓመት ኩሉ ጸባባ ህዝብና ተወጊዱ፡ ማይ ኣብ ሞስንኡ ተመሊሱ፡ ኩሎም ባህግታት ህዝብና ጋህዲ ክኾኑ ብሰላምን ራህዋን ክነብር ንምነ።

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ዓወት ንዓመታዊ ፌስቲቫልኩም

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ውድቀትን ሞትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ

 

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ጥሪ 2011

   

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,297,762 وقت التحميل: 0.22 ثانية