Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ሰልፊህዝቢእዚንፖለቲካዊመኽሰብ&
أخبار

 ሰልፊህዝቢእዚንፖለቲካዊመኽሰብድ`ዩስ

ብመደብዝተግብረወንጀል?

 

ኣብ’ዚ ሰሙናት`ዚ ዝወጸ ብስም ዝተኣረመ ጸብጻባት ዋዕላ  ዝብል ዝርዝር ጸብጻባት ናይ ሰባትን ጸለመታትን ዝሓዘ እዩ ። እዚ ዘቃልዖ ነገራት እንተሃልዩ ንተኻፈልቲ ዋዕላ ዘይኮነስ ንኣካይዳ ሰልፊ ህዝቢ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ደረጃ በጺሑ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ። ብኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ዝምራሕ ሰልፊ ህዝቢ ኣብ ዕላዊ መርበቦም ’ሓርነት’ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሱር ጸብጻባት ክጽሕፍ እንታይ ኣገደዶ? ዝብል ሕቶታት ክምለሽ ይግባእ። እቲ ዝደፋፍኦም ዘሎ ወጥርታት እኳ እንተ ዘይፈልጥናዮ ግምታትና ግን ከነስፍር ንግደድ ኢና። ሓደ ካብ’ቲ ግምታትና ከኣ፡ ዝገበርና እንተገበርና ዝምልሰልና ሓይሊ የለን ካብ ዝብል ንዕቀት ዝነቀለ ምኳኑ እናበርሀልና ከይዱ ኣሎ።

እዚ ሕጂ ሳዕሪሩ ዝርአ ዘሎ ናይ’ዚ ሰልፊ’ዚ ግጉይ ኣካይዳ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ገይሩ ምህላዉ ኩላህና ዝተኸታተልናዮ ጉዳይ ኢዩ። ገለ ተሓባበርቲ ናይ’ዚ ሰልፊ እዚ ኢና በሃልቲ መርበባት ኢንተርነት፡ እዚ’ዩ ዘይበሃል ናይ ጸለመ ዘመተ ኣብ ልዕሊ ተኻፈልቲ ዋዕላ ክገብራ ከለዋ ዝተዋህበን መልሲ ግን ስቕታ ጥራይ ብምንባሩ እዩ። ስቕ ኢልና ስራሕና ጥራይ ንግበር ዝብል መትከል፡ ብሰልፊ ህዝቢ ከም ድኽመት ጌሩ ምቱርጓሙ በሪሁልና ኣሎ።

እዚ ንዕቀት’ዚ ሳዕሪሩ ናብ`ዚ ሎሚ ፈጺሞሞ ዘልው ወንጀላት ኣብጺሕዎም ከም ዘሎ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ።

እዚ ውድብ`ዚ ቃልሱን ዕላማኡን ብዓቢኡ ኣንጻር እቲ ንሃገርና ኤርትራ ጅሆ ሒዙ ዝገዝእ ዘሎ ምልካዊ ስርዕት ክኸውን ምተገብአ፡፡ እዚ እንተ ከበዶም ከኣ ካልኦት መዘናታቶም ፖለቲካዊያን ውድባት ስለ ዘለዋ፡ ደልዮም ይበቕዑና እዮም ዝብልዎም ውድባት እንተተረኽቡ ምስኣቶም ክቃናቐኑ ምተገብአ።

ብኣንጻሩ ግን ቃልሶምን ተጻይ ስራሕሙን ኣብ’ቶም ተኻፈልቲ ዋዕላ ዝነበሩ ውልቀሰባት ኣድሂቡ ኣሎ፡፡ ብፍላይ ከኣ ተኻፈልቲ ዋዕላ ዝኾና ደቂኣንስትዮ ቀዳሞት ግዳያቶም ኮይነን ከሪመን ኣለዋ። ዘሕምቆ ኣለኒ በትርይ ሃቡኒ  ዝብል ምስላ ምስ’ዚ ጠባይ ሰልፊ ህዝቢ ዝሳነ ይመስል። ምስ መወዳድርቶም ዝኮና ፖለቲካውያን ውድባት፡ ዝኮነ ይኹን ምስሕሓብን ዘይምርድዳእ ክህልዎም ውሁብ ኮይኑ፡ ምስኣታተን ብጽሑፍ ይኹን ብካልእ ማዕከናት ክወዳደሩ ውን ባህርያዊ ጌርና ስለ እንወስዶን፡ ኩላትና ከኣ ናይ ቃልሲ ጕዕዞ ብጾት ስለ ዝኮንና፡ ንሕና ኣብ መንጎ ውድባት ዝርከብ ዘይምርድዳኣት ይኹን ፍልልያት፡ ነዚ ሸነኽ’ዚ ይኹን ነቲ ካልኣይ ሸንኽ ክንድግፍ ይኹን ወይ ክንነቅፍ ብርዕና ኣልዒልና ክንምልስ ኣይምተግደድናን።

ይኹን እምበር ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሰልፊ ህዝቢ  ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ደቂ-ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣይከሳትፍን እዩ  ብምባል ተጣባቓይ መሰላት ደቂ-ኣንስትዮን መንእሰያትን ኮይኑ ከም ዝሓገየ ዝተኸታተልናዮ ጉዳይ ኢዩ። ድሕሪ ዋዕላ ዝተራእየ ፍጻሜታት ግን በንጻሩ ኮይኑ ረኺብናዮ፡፡ እቲ ትንቢቶም ስለ ዘይሰመረ፡ ቀንዲ ጸላእቶም እቶም ኣብ’ቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ዜጋታት ኮይኖም ተረኺቦም። ኣብ ዋዕላ ዝተሳተፋ ደቂ-ኣንስትዮ ከኣ ግዳያት ካብ ዝኾና ኣዋርሕ ኣቍጺሩ ኣሎ፡፡

መጀመርያ ብገለ ወይጦታቶም፡ ኣብ ገለ ደቂ-ኣንስትዮ ክሲ መሳሊን ናይ ሓሶት ጸብጻባት ፡ብስእለን ውን ከይተረፈ ተሰንዩ ቀሪቡ፡፡ እዚ ስርሒት እዚ ውን ሕጋዊ መስርሑ ሒዙ ይጕዓዝ ስለ ዘሎ ፡ኣብ ማዕከናት ዜና መልሲ ክውሃቦም ስለ ዘይተኻእለ፡ እሞ ከም ድላይና ክንገብር ንኽእል ኢና ኣብ ዝብል ገምጋማት ሃውቲቶም።

ኣስማትን ኣድራሻን፡ ቁጽሪ-ስልኪ፡ ቁጽሪ ፓስፕርትን ዝሓዘ ዝርዝር ሰነዳት ኣብ  ሓርነት. ኦርግ  ዝበሃል ዕላዊ መሐበሪ መርበብ ናይ ውድቦም ኣውጺኦም፡፡ ብቕጽበት ከኣ መሳርሕቶም ዝኮና መስከረም ነትን ግንባር ቶሮንቶን፡ ነዚ ዘይረኣየን ዘይሰምዐ ኤርትራዊ ከይተርፍ ብሉጽ ምትሕብባሮም ኣወፍዮምሎም ኣለው።

እዘን ኣብ ኢንተርነት ዝርዝር መንነተንን ኣድራሻአንን ተዘርጊሑ ዝቐነያ ኤርትራውያን ዝገበርኦ ዝኮነ ይኩን ወንጀል የብለንን፡፡ ንሰልፊ ህዝቢ ዘቖጠዐት እንኮ ዝገበርኣ እንተ ሃልዩ፡ ኣብ ሓደ ኤርትራዊ ዋዕላ ምስታፈን ጥራይ እዩ። ዝኮነ ውልቀ-ሰብ ኣብ ዝደለዮ ኣኼባታትን ጥርናፈታታን ክሳተፍ፡ ኣብ ዝኮነ ይኩን ዝመስሎ እምነት ክኣምን፡ ናይ ኣተሕሳስባን እምነታትን ነጻነት ክህልዎ ዘይገህስ ሰብኣዊ መሰል እዩ፡፡

እዞም መሰላት እዚኣቶም ብዝኾነ ይኩን ሓይልታት ክገሃሱ ኣይግባእን፡፡ ብሕልፊ ከኣ ብተቓለስቲ ኢና በህልቲ ውደባትክፍጸም ከሎ ዝገርም ተርእዮ እዩ፡፡ እዞም መሰላት’ዚኣቶም ክገሃሱ ዘይግባኦም ኣምራት ምዃኖም ኣባላት ሰልፊ ህዝቢ ከይተረፉ ክጣበቑ ይግበኦም ክንሱ ስቕ ምባሎም ከይገረመንና ኣይተረፈን።

ኣብ ውሱን ኩነታት፡ ዋዕላ፡ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣየውሕስን እዩ እና በለ ዝጨደረ ሰልፊ ህዝቢ፡ ሰብኣዊ መሰለን ተጠቒመን፡ እዚ ጉዳይ ጉዳይና እዩ ካብ ዝብል መትከላዊ ዕግበት ኣብ ኤርትራዊ ዋዕላ ዝተሳተፋ ተባዓት ኤርትራውያን ደቂ-ንስትዮ ከም ቀዳሞት ጸላእቶም ጌሮም ምርኣይ’ን ኣብ ልዕሊአን መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ምፍታኖም ኣዚዩ ዘሕዝን ጉዳይ ኢዩ።

ሰልፊ ህዝቢ ፈጺሙዎ ዘሎ ጉዳይ ብምግሃስ መሰል ዕቃበ መንነት ደቂ ሰባት ዘሕትት እዩ። ኩለን ዲሞክራሳውያን ሃገራት ነዚ ሕግታት ምዕቃብ መንነት ውልቀ-ሰባት ንከኽብራ ግዱዳት እየን፡፡ ኣብ’ተን እንነብረለን ዘሎና ደሞክራስያውያን ሃገራትን ዝተሓገገ ሕግታት ስለ ዘሎ፡ እዚ ጉዳይ እዚ እምበኣር ብምፍራስ ሕጊ ስለ ዘኽስስ፡ ብቐጻሊ ኣበይ ከም ዝበጽሕ ንሰብ ሕጊ ንግደፎ፡ ውጽኢቱ ከኣ ጽባሕ ሓቢርና ንርእዮ ይኸውን።

ኣዚ ተግባር እዚ ብማሕበራውን ብፖለቲካዊ ሸነኻቱ እንተኮነ ውን ዘገርም ተርእዮታት ዝሓዘለ እዩ። ካብ ካናዳ ኣስታት 16 ውልቀሰባት ኣብ ዋዕላ ተሳቲፎም፡ ካብዞም16 ተሳተፍቲ ዋዕላ ሰለምንታይ መንነት ናይ ሽዱሽተ ደቂ-ኣንስትዮ ጥራይ ኣብ ኢንተርነት ክዝርጋሕ ተምሪጹ?

     እዚ ሕቶ’ዚ መልሲ እንተተረኽቦ፡ እቲ መልሲ እዘን ደቂ-ኣንስትዮ እዚአን ቡራኼ ናይ ሰልፊህዝቢ ስለ ዘይሓተታ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል፡፡

ካብ`ዚ ዝገደደ መልሲ ውን ክግመት ይኽእል ንሱ ኸኣ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኤርትራ ተራ ክህልወን ዘይምድላይ እዩ፡፡ ዕጫ ደቂ- ኣንስትዮ ኣብ ማሕበራት ጥራይ ተጠርኒፈን ነቶም ብሉጻት ፖለቲካውያንን ክኢላታትን ምሕብሕባ ጥራይ እዩ ፡፡ እዚ ኣረኣእያታት እዚ ከኣ ሓደ ካብቲ ኣሻቓሊ ኣረኣእያታት እዩ።

ሰልፊ ህዝቢ ዝረስዕዎ ነገራት ኣሎ’ሞ ከነዘኻኽሮም ከኣ ንፈቱ፡፡ እዚ ከኣ ቃልሲ ኤርትራውያን ደቂ- ኣንስትዮ እዩ፡፡ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ናይ ማንም ምብርትታዕ ይኩን ቡራኼ ከይ ሓተታ ኣብ ሰውራ ኤርትራ፡ ጎኒ ንጎኒ ተቓለስቲ ብጾተን ደመንን ርሃጸንን ብምኽፋል፡ እዛ ሎሚ ብዲክታቶር ትሕመስ ዘላ ሃገረ ኤርትራ ክውንቲ ዘግበራ እየን፡፡

እሞ ትምህርቲ ክኮነኩም ዝኮነ ይኹን ምንቅስቃሳትን ነጻ ጥርናፈ ደቂ-ኣንስትዮን ንድሌታትን ወለንታን ሰልፊ ህዝቢ ከማል ዝሕንጸጽ ከም ዘይኮነ ከንብርሃልኩም ንፈቱ፡፡

ሓበሬታ መንነትን ገለ ደቂ-ኣንስትዮ ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣብ ኢንተርነት ዘርጊሕካ፡ ነዚ ነቒሉ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ካብ ተሳትፎ ጉብኤን ቃልስን ንምግትኡ ዘይከኣል እዩ፡፡

ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ብፍርሒ ከምቲ ዝግብኦ ምእንቲ ከይከውን እንተ ኮይኑ ዕላማኹም፡ እዚ ተግባርዚ ነተን ቕድሚ ሕጂ ግንባረን ቀሊዐን ንስርዓት ህግደፍ ዝቃለሳ ዘለዋን ዝነበራን፡ ሎሚ ኣደዳ ጸለመኹም ኮይነን ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኮነስ ፡ ቅድሚ ሕጂ ተሳትፎ ክገብራ ዘይጸንሓ ብግብርኹም ዝተቖጥዓ ብዙሓት ደቂ-ኣንስትዮ ኣናበዝሓ ይኸዳ ከም ዘለዋ ክንሕብረኩም ንፈቱ፡፡

መሰላት ደቂ-ኣንስትዮ በዚ ዓይነት ግብሪ ክግሃስ ከሎ ኩሎም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ-መሰላትን፡ ህዝባውያን ማሕበራት ኣብ ጎንና ጠጠው ኢሎም ሕጅስ ይኣክል ክብላ ንሓትት።

ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ዝሓዘ ውድብ ኣብ ስልጣን እንተ መጺኡ፡ ካብዚ ሎሚ ንህዝብና ዓፊኑ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ዝተፈልየ፡ ብግብሪ ዓይነታዊ ለውጢ መምጸአ ደኾን?’’ ዝብል ሓሳባት ግን ንኣእምሮና ይዅሕክሖ ኣሎ።

ብዝኮነ ንሕና ካብቲ እንኣምነሉ፡ ብታህዲድን ጽሑፋት ኢንትርኔትን ጠጠውከም ዘይንብል ብሩህ ከይገበርናዮ ክንሓልፍ ኣይንደልን፡፡ ኣብ’ዚ ሰልፊ ዘለኾም ሃገራውያን ድማ ነዚ ብሰልፍኹም ኣንጻር ኤርትራውያ ተቓለስቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝካየድ ዘሎ ወፈራ፡ ዓው ኢልኩም ዓገብ ክትብሉ ንጽውዕ።

ዓወት ንቓልሲን ጥርናፈን ደቀ-ኣንስትዮ!

ዓውት ንሃገራዊ ጉባኤ ንድሞክራስያዊ ለውጢ!

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንውህደት ኣብ ስቶኮልም፡፡

2011/01/30

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,903,786 وقت التحميل: 0.19 ثانية