Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
11/10/1445 (19 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ሓደስቲ ምዕባሌታት ዞባናን
أخبار

Shar Al Tahalf 2.JPG 

 

ሓደስቲ ምዕባሌታት ዞባናን

መልእኽቲ ደገፍ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን

 

ኣብዚ መጀመርያ ናይዚ ዓመት’ዚ ዞባናን ሰሜናዊ ምብራቕ ኣህጉር ኣፍሪቓን ሰንሰለታዊ ኣገዳሲ ምዕባሌታት ኣመዝጊቡ። እዚ ከኣ ምስቲ ኩሉ ክውንነቱ ንእዋናውን መጻእን ናቱ ጽልዋታት ዘለዎ ፍጻሜታት’ዩ። ብ09 ጥሪ 2011 ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ኒፋሻ 2005 ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳንን ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ብመንገዲ ረፈረንደም ኣቢሉ መሰል ርእሰ ውሳኔኡ ኣረጋጊጹ። ነዚ ረፈረንደም’ዚ ማ/ሰብ ዓለም ብተዓዘብቲ ዞባዊ ማሕበራትን ብርክት ዝበሉ ምስዚ ጉዳይ’ዚ ዝምድና ዘለዎም ማሕበራትን ትካላትን ኣካይድዎ።

ከምኡ’ውን ህዝቢ ቱኒዝያ ብተመሳሳሊ እዋን ንውሽጣዊ ጉዳያቱ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ጀሚሩ፡ ብውጽኢቱ ከኣ ብ14 ጥሪ 2011 ለውጢ ናይቲ ስርዓት ኣስዒቡ። ምርኢት ቱኒዝያ ከይተወድአ ከሎ፡ ብ25 ጥሪ 2011 ዝተበገሰ ህዝባዊ ናዕቢ ግብጺ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ከባቢናን ዓለምን ተመልከተ። እዚ ኣገዳሲ ተረኽቦታት ግብጺ’ዚ ንሓፈሻዊ ከባብያዊ ለውጥን ንኩነታት ሃገርናን ቀጥታዊ ጽልዋ ዘለዎ’ዩ። ነቲ ምዕባሌታት ብምኽትታል ከኣ መርገጽ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ከምዚ ዝስዕብ ነቐምጥ።

ቀዳማይ፡ ንምዕባሌታት ሱዳን ዝምልከት፡

·         ምስልሳል ረፈረንደም ደቡብ ሱዳንን ምዕዋቱን ኣዋጅ ውጽኢት ረፈረንደም ንረብሓ ደቡብ ሱዳን ምዝዛሙን መንግስቲ ሱዳን ነቲ ውጽኢት ብጸጋ ብምቕባሉን ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ዘላቒ ሰላም ንምውሓስ ኣገዳሲ እምነ ኩርናዕ’ዩ። በዚ መሰረት ከኣ ክልቲኡ ሸነኻት በቲ ስምምዕ ቃሎም ምፍጻሞም ንህዝቢ ሱዳንን ማ/ሰብ ዓለምን ኣረጋጊጾም ኣለዉ። 

·         እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ብሓፈሻ ንረብሓ ዞባናን ርግኣቱን ከም ኣውንታዊ ምዕባሌ ብምግንዛብ፡ ምስላሳል ረፈረንደምን ምቕባል ውጽኢቱን ንክልቲኡ ሸነኻት ተሻረኽቲ ሰላም ሱዳን ንዝፈላልዩ ጉዳያት ንምስጋር ዕድል ዝህብን ጥጡሕ ባይታ ዝምድምድን ምዃኑ ንርኢ። ኣብ መጻኢ’ውን ንሰናይ ጉርብትናን ሃናጺ ምትሕብባርን ሽርክነትን ዝፈጥር ኮይኑ፡ ብሓፈሻ ከኣ ንረብሓ ዞባና ዘገልግል ምዃኑ ንግንዘብ።

·         ብወገና ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ምርጭኡ ብምትግባሩ ዝተሰመዓና ሓጎስ እናገለጽና፡ ፖሎቲካዊ ሓይልታቱ ባህግታት ህዝቦም ንምርግጋጽን ሃገሮም ንምህናጽን ክምርሹ እታ ትምስረት ሃገር ድማ ንሰላምን ምርግጋእን ከባቢና ኣውንታዊ ተራ ክትጻወትን ተስፋ ንገብር። ህዝቢ ሰሜን ሱዳን ከኣ ንዝተረፍዎ ጸገማት ንርግኣቱን ልምዓቱን ብዘረጋግጽ መንገዲ ክፈትሕ ንምነየሉ።

ካልኣይ ንምዕባሌታት ቱንዝያ ዝምልከት፡

·         ኣብ ሃገርና ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ከም ተቓለስቲ ሓይልታት መጠን፡  ኣህዛብ ብመሰረት ነጻ ምርጫታቶም ሃገራዊ ልዕላውነቶም ክጭብጡ መሰል ከም ዘለዎም ብምእማን ህዝቢ ቱንዝያ ንዘመዝገቦ ለውጥ ዮሃናናን ደገፍናን ንገልጽ። መሪሕ  ሓይልታቱ ከኣ ሎሚ’ውን ብመሰረት ምርጫታት ህዝቢ ቱንዝያ ፍትሒ፡ ልዕላውነት ቅዋምን ሕግን ሰላማዊ ምቕብባል ስልጣንን ዝሰፈና ሃገር ክሃንጽን ንኩሎም ኣህዛብ ሰሜን ኣፍሪቓ ኣብነት ምዕባሌን ልምዓትን ክኸውን ንምነየሉ።

ሳላሳይ፡ ንምዕባሌታት ግብጺ ዝምልከት፡

·         ግብጺ ንነዊሕ ዘመናት ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መዳይ ኣገዳሲ ማእከል ኮይና ጸኒሓ። ኣብ ውሽጣ ዝርኣዩ ምዕባሌታትን ሓፈሻዊ ግዴኣን ንኩሎም ኣህዛብ ጎረባብቲ ብቀጥታን ተዘዋዋርን ምንጪ ምትብባዕ ነይራ። ቅድሚ ምፍራስ ምብራቓዊ ደምበ ኣብቲ ግዜ’ቲ ሰፊኑ ንዝነበረ ግርጭታት ሓይሊ ሚዛን ንምሕላው ኣብ ምምስራት ማሕበር ሻራ ዘይብለን ሃገራት ንጡፍ እጃም ተጻወተት። ከምኡ’ውን ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ሓዳስ ግብጺ ንምንቅስቓሳት ሃገራዊ ሓርነታት ዞባና፡ ኣፍሪቓን ስሉስ ዓለምን ኣገዳሲ ተራ ተጻዊታ’ያ። ብፍላይ ከኣ ኣብ እዋን ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ ግዜ ልሉይ ደገፍ ዝነበራ ሃገር ምዃና ዝዝኸር’ዩ። ስለዚ ብወገና ከም ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡

·         መንእሰያትን ህዝብን ግብጺ ብ25 ጥሪ 2011 ብዘበገስዎ ህዝባዊ ናዕብን ውጽኢቱን ንመልክዕ መጻኢት ግብጺ ንምስኣል ዘረጋገጾ ዓወት ልዑል ዮሃናና ነቕርብ።

·         ንመሰላትን ክብሪ ግብጻዊ ዜጋን ንምርግጋጽ፡ ብነጻ ድሌት ምርጫታቱ ንምጭባጥ ግብጽን ህዝባን ንዘገበርዎ ጻዕሪ ልዕል ደገፍና ንገልጽ። እታ ኣብነት ንኩሉ ኣህዛብ ከባቢና ዝነበረት ግብጺ ከም ቀደማ ኣብ ንቡር ቦትኣ ክትምለስን በቲ ዝነበራ ክብሪ ክትቅጽልን ንምነ።

·         እቲ መተካእታ ዝመጽእ መንግስቲ ግብጺ ነቲ ኣብ ልዕሊ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ዝትግበር ዝነበረ ኢ-ሰብኣዊ ፖሊስታት፡ ብፍላይ ከኣ ብኣሰገዳድ ናብቲ ግፍዓዊ ስርዓት ህግደፍ ምምላስ ዝነበረ መደብ፡ ዳግመ ርእይቶ ብምግባር መስሎም ክሕልወሎም ንላቦ። ከምኡ’ውን ጉዳይ ናይቶም ጥይት ሓለዋ ዶባትን ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን ግብጺ ሂወቶም ዝሓለፉን ዝሰንከሉን ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ከጻሪ ምሕጽንታና ነቕርብ።

ራብዓይ፡ መልእኽቲ ንመንእሰያትናን ሓፋሽ ህዝብናን፡                               

መንእሰይ ኤርትራ ኣብ መስርሕ ሰላማውን ብረታውን ሃገራዊ ተጋድሎ ዋልታ ህዝቡ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምስቲ መንእስያት ቱኒዝያን ግብጽን ዘርኣይዎ ምርኢት ሎሚ ሓቀኛ ዓቕምታቱ ከርኢ ይሕተት። እዞም መንእስያት’ዚኣቶም ኣንጻር ካብ ወጻኢ ዝመጹ ክልተ ስርዓታት ኣይኮኑን ተቓውሞ ዘርኣዩ። እቲ ኣብ ሃገርና ኣራጢጡ ዘሎ ግፍዓዊ ስርዓት ዝፈጽሞ ዘሎ ከኣ ካብኡ ዝኸፍአ እንተዘይኮይኑ፡ ምስዚ ክልቲኡ ስርዓታት ዝወዳደር’ውን ኣይኮነን። ምስ ካልኦት ብምውድዳር፡ ኣብ ሃገርና እቲ ዝተሓተ መሰላት ንረኽብ ኣለና’ዶ? ኩሉ’ቲ ዝኸኣል መልክዕን መሳርሕታትን ህዝባዊ ናዕቢ ንምልዕዓል ግዚኡ ኣይበጽሐን’ዶ? ብሓባር ድምጽና ነስምዓሉ ግዜ ኣኺሉ፡ ኣብ ኤርትራ ሰዓት ለውጢ ትሃርም ኣላ።

ኣብ መደምደምታ ከኣ ደጊምና ንኩሉ ህዝቢ ሰሜንን ደቡብን ሱዳን ንዝሓሸ ጉዕዞ ንምነየሉ፡ ሰላም ንህዝብን መንእስያትን ቱኒዝያ፡ ሰላም ንህዝብን መንእሰያትን ግብጺ፡ ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!

 

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

14 ለካቲት 2011

 

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,270,239 وقت التحميل: 0.31 ثانية