Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
“ጠንቋላይ’ሲ እንተዘየእመነካ የጣ&#465
أخبار

“ጠንቋላይ’ሲ እንተዘየእመነካ የጣራጥረካ”

ኣብዚሓለፈ ሰሙን፡ብዛዕባ ኣብ በርሚንጋሃም ዝተገብረ ኣኼባ ኣመልኪተ ሓጺር መአረምታ ንማሓመድኑር ቡርካን ጺሒፈ ነይረ። ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ጽሑፈይ’ውን ካብኡ ዘይፍለ ንኣብ ኣልናህዳን ኣብ ካልኦት መረበባት ሓበሬታ ተዘርጊሑ ዘሎ ብሓው እስማዒል ገበይታ “ ናይ ዓይኒ ምስክር ኣብ ምምስራት ተሓጋጋዚት ሽማግለ ኣብ ዞባ ማእከል (ሚድላንድ)” ዝብል ኣርእስቲ ብዕለት 12/02/2011 ተጻሒፉ ዘሉ ተመሳሳሊ ንምእራም እዩ።

ቅድሚ ዝኣገረ ግን፡ እዚ ብዛዕባ በርሚንጋሃም ዝግበር ዘሎ ጸለመ ፡ ብገለ ገለ ዘርኢ ክርዳድን ተበለጽትን፡ መዓልትን ለይትን ኮነ ኢሎም ንህዝብና ክበታትንዎ ክሳብ ሕልናኦም ዝዓርብ ዝፈታትንዎ ዘለዉ ውዲታት እንተዘይኮይኑ፡ እዚ ኣስላም ክስታን ዝብል ምፍልላይ ጭራስ ከምዘየለ ንኹሉ ፈታው ሰላምን ደለይ ዲሞክራሲያዊ ለውጥን ህዝብና ክሕበር እፈቱ። ውጽኢት ናይቲ መርዛም ጽሑፋቶም ኣብ ግምት ከየእተዉ፡ ናይ ውልቂ ረብሓኦም ንምርዋይ ሞየኦም ኣብ ክንዲ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝጠቅም ምጽሓፍ፡ ኣብ ሓዊ ዘይቲ እንዳኻዓዉ ህዝብና ኣብ ነንሓድሕዱ ክባልዕዎ ዝምነዩ ዕሩባት ሕልና ዝኾኑ ባእታት ከነለልዮምን ክንፈልጦምን ይግባእ። 

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉ ካልኣዊ ፍልልያቱ ንድሕሪት ገዲፉ፡ ነቲ ንህዝብና ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብሰላም ከይነብር መሊሱ ናብ ስደት ክውሕዝ ጠንቂ ኮይንዎ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ስሩ ሚሕዩ ንሓዋሩ ፎእ ክብሎ፡ በሓባር ኣብ ዝቃለሰሉ ዘሉ እዋን፡ ብወገን፡ ሃይማኖት ፈላሊዩ ህዝብና ክበታትን ዝፍትን ድማ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ሙዃኑ ፈሊጥና ክንምርሽ ይግባእ።

ናብ ትሕዝቶይ ክምለስ፡እቲ ብሓው እስማዒል ተጻሒፉ ዘሎ ጸብጻብ ናይ ሓሶት ምስክር፡ ካብ ርእሱ ክሳብ እግሩ ሓሶትን መልሲ ዘይግባኦን እኳ እንተኾነ ፡ “ጠንቋላይ’ሲ እንተዘየእመነካ የጠራጥረካ” ከም ዝባሃል፡ ንገለ ለዋሃት ከጠራጥር ስለ ዝኽእል በዘን ዝስዕባ ሓሙሽተ ነጥብታት ኣቢለ ክእርሞ ሕልናይ የገድደኒ፦

·        ብመጀመሪያ እቶም 21 ዝቑጽሮም፡ ብወለንታ ዝተመዝገቡ ኣባለት ንኡስ ሽማግሌ፡ ከምቲ ጠቒስካዮ ዘለኻ ንውድቦምን ማሕበሮም ወኪሎም ዘይኮኑስ፡ ጎስጓስ ንኸካይዱ ተባሂሎም ብውልቃዊ ደረጃ ዝተመዝገቡ ኣባላት እዮም። ንሱ ጥራይ ከይኣክል፡ ንኣባላት ኮሚሽን እቲ ወድዓዊ ኩነታት ናይ ሚድላንድ ብልክዕ ኣይሓበርካዮምን። ብተወሳኺ፡ እቲ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ልሙድ ኣኼባ ዝግበረሉ ገዲፍካ ካልእ ቦታ ምምራጽ እንታይ’ዩ ምኽንያቱ?

·        ካልኣይ፡ እቲ ብዕለት 28/11/2010 ብዘይ ቅድመ-ሓበሬታ ዝተገብረ ምርጫ፡ ብዙሕ ዕቃቤታት ዝተራእየሉ ምርጫ እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ርእሲኡ፡ እቶም  ብዕለት ዝተመርጹ ኣሕዋት ንበርሚንጋሃም ወኪሎም ምስ ኣብ ለንደን ዝቖመት ሽማግሌ ታኣሳሲሮም ንኽስርሑ ዳኣምበር ንሚድላንድ ዝውክሉ ፈጸምቲ ሽማግሌ ኣይኮኑን። ኣበይታ ናይ ህዝቢ ስለዝሓየለ ድማ እቲ ምስ ለንደን ምትእስሳር ዝብል ተሪፉ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ምርጫ’ውን ውዱቕ ኮይኑ። ኣብዚ ከዘክረካ ዝደሊ፡ ንለንደን ኣይትምጻእ እንዳተባሃልካ ብኢደ-ወነነኻ ምስ ከድካ፡ እቲ ውጽኢቱ ድማ ባዕልኻ ትፈልጦ።

·        እቲ ናይ ዕለት 12/12/2010 ኣኼባ፡ ብኢብራሂምን ብኑሪን ዘይኮነስ ብኽልተና ዝተጸውዔ ኣኼባ እዩ ነይሩ፡፡ እቲ መደብ ድማ ነታ ሸውዓተ ኣባል ዝሓዘት ናይ ዞባ ማእክል (ሚድላን) ተሓጋጋዚ ሽማግለ ምርጫ  ቅድሚ ምክያድ፡ ኣብ መላእ ሚድላን ጎሰጓሳት ምግባርን ቁጽሪ ንኡስ ሽማግለ ምውሳኽን ዝብል ትሕዝቶ እዩ ነይሩ።  ኩሉ ምድላዋት ምስ ተገብረ ድማ፡ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት፡ ንኣኼባ ሓንቲ መዓልቲ ምስ ተረፎ ኣኼባ ክትስርዞ ፈቲንካ፡ ግን እቲ ኣኼባ ኣይተቋረጸን።  ኣብዚ ክጠቅሶ ዝደሊ ነገር እንተሃለወ፡ እቲ ኣኼባ ካብ ክሉ ክፍሊ ሕብረ-ተሰብና ከምዝነበሩ ጭብጥታት ኣለኒ፡ ንስኻ’ውን ኣጸኒቕካ ትፈልጥ ኢኻ። ወገናውን እስላማዊ ኣኼባ እዩ ነይሩ ኢልካ ናይ ሓሶት ምስክር ክትዛረብ ግን እንታይ እዩ ርብሓትካ?

·        ድሒሩ’ውን፡ ሓሙሽተ ዝቊጽሮም ሽማግሌ ተራኺብና ምርጫ ንኸነካይድ ንዕለት 15 ጥሪ 2011 ተቋጺርና ከነብቅዕ፡ ኣኼባ ምስ ኣተና፡ እቲ መደብ ካልእ ሙዃኑ ተሓቢርና ብዘይ ገለ ፍረ ድማ እቲ ኣኼባ ተበቲኑ።  እዚ’ውን ናትካ ውዲት ከም ዝነበረ፡ ክንዲ ኣድሪ’ውን ትኹን ጥርጣሬ የብለይን።

·        ስዒቡውን፡ ንናይ ዕለት 06/02/2011 ዝተገብረ ኣኼባ፡ ብዙሕ ምድላዋት እዩ ተገይርሉ። ፍታሕ ንምድላይ ብዙሕ ተበግሶታት እኳ እንተ-ተገብረ፡ እቶም ኣባላት ሽማግሌ፡ ነቲ ብህዝቢ ሚድላንድ ዝቐረበ ፍታሕ ኣይተቐበልዎን ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ብዘይ ዝኾነ ጭብጥታት መሰል ሰባት ክግህሱ ስለ ዝፈተኑ፡ እቲ ምርጫ ከይተኻየደ ተሪፉ። 

ኣብ መጨረሽታ ክብሎ ዝደሊ ፡ ባእታታት ብዘይዋዓልዎ ምኽሳስን ምጽላምን፡ ቃሕ ብዝበለካ ምጽሓፍን እንታይ እዩ ርብሓትካ?  ጠንቂ እዚ ኹሉ ጸገማት ንስኻ ሙዃንካ ረሲዕካ፡ እቲ ናይ ፍሽለት ሓላፍነት ንኻልእ ከተሰክሞ ምፍታንካ ድማ ሕሩር ወረቐት (ካርታ) ሒዝካ ኢኻ ትጣላዕ ዘለኻ፡ እሞ ካልእ ዘይሓረረ ወረቐት ድለ።

ዓወት ንፈታው ሰላምን  ደላይ ዲሞክራሲያዊ  ለውጥን ህዝብና

ውድቀት ንህግደፍን ተበለጽቲ ሰዓብቱን

ሙሳ በሺር

ዓባይ ብሪጣንያ

18/02/2011

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,917,497 وقت التحميل: 0.22 ثانية