Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
15/10/1445 (23 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
20 መጋቢት
أخبار

20 መጋቢት

ቅድሚ 62 ዓመት

 ኣብ 1949 

ዝተገብረ ብሸፋቱ ቅትለት

ሃገር    ከይሓልፍላ

ከይተንበልብል  ባንዴራ

ምስ ኩሉም ኣሕዋቱ ዝሓይሽ ምኺሩ

ጉዳይ ናጽነትና ንጓናጸፍሉ

ናብ ሕቡራት መንግሰታት ንምኻድ ኣብ ዝተበገሰሉ

ምልእኽቱ ከየብጽሕ ክፍኣት ሓሰብሉ

ብዕለት  18  መጋቢት  ጥይት  ተኮስሉ

ብ 20  መጋቢት መስዋእቱ ተነጊሩ

ጀግና ኣቦና ኪቢረ ኩሉ ሓዚንሉ

ጅግና ተስዊኡ ምእንቲ ሃገሩ

ሓደ ዓመት ከይማሃሩ

ምሉእ መዋእሎም ዝድንቅሩ

ብፍቅሪ  ሃገር   ባዶ ዝስፈሩ

እከይ    ተግባራት   ዝገብሩ

ቅድሚ 62 ዓመት ናዓኻ ዝቀተሉ

ኣንጻር  ሓድነት ፍላለይቲ

ተንኮል ዝኣልሙ መሉእ ለይቲ

ንምትዕንቃፍ  ዝነበረ  መልእኽቲ

ፈጸሙ ኣብ ልዕሊ ኣቦና ከቢረ ምቅተልቲ

ናጽነትና  ከይእወጅ  ከይንኽውን ሓራ

ንጀግና ቀቲሎም ኣብ ማእከል ኣስመራ

ሃገር ጕዕጺጾማ ኣብ መግዛእቲ ኣምሓራ

ኣቦ    ስውኣት     ሓበን    ኤርትራና

እንተ    ዘይቅትሉኻ   ጽላእቲ   ሃገርና

ምስላጠ     ነይሩ    ጉዳይ    ናጽነትና

ኣይ ምፍሰስን ነይሩ ደም ኣሻሓት ስዋኣትና

ከቢረ    እወ   ከቢረ  ሽምካ ዝመስከረ

ከም ሽምካ  ከቢረ  ስለ    ዝኾንካ ከቢረ

መሲልዎም  ዝኾለፉ ዕላማ  ከቢረ

ሳላ እቲ ክቡር ደምካ ምፍሳስ ምስ ጀመረ

ቀጺሉሞ    ጀጋኑ  ኣነ ኤርትራ   ክቢረ

ወትሩ ኣብ ልብና ኢኻ

ሸፋቱ እንተ ጸቀጥዎ ጅግንነት ታሪኽካ

ኣለውና ጀጋኑ ጻሓፍቲ

ንኹሉ  በብሓንቲ

ብዘይ ኣፍላላይ ንሓቂ ዋሃብቲ

ናይ ታሪኽ  ተንተንቲ

ተጻሒፉ ኢዩ ታሪኽካ ምስትን ከዋኽብቲ

ሓደ ዓመት ከይማሃሩ

ምሉእ መዋእሎም ዝድንቅሩ

ብፍቅሪ ሃገር  ባዶ ዝስፈሩ

እከይ ተግባራት  ዝገብሩ

ቅድሚ 62 ዓመት ናዓኻ ዝቀተሉ

ኣርሒቆም እንተ ዝጥምቱ እቲ ፈለማ

እንተ ዝብሉ ሃገርና ክጥዕማ

ናጽነት ወይ ሞት እንተዝብሉ ከምዚ ናትካ

ኣብቲ   ሽዑ  ዝነበረ  ቃልሲ   ፖለቲካ

ክምቲ ጽኑዕን  ሓቀኛ   መርገጽካ

ወገነይ   ብሄረይ  ፈጺምካ  ኣርሒቅካ

ዓሌት ወገን ኣውራጃ እንከይፍላለኻ

ዘልኣለም ዘይትርሳዕ ጭርሖ ዕላማኻ

ናጽነት ወይ ሞት ሓበን ንዓድኻ

እስኻ ዶ ኣይትዝከርን ሸፋቱ ክጠልሙኻ

ታሪኽካ ቀቢሮም

ሂወትካ ቀቲሎም

ኣየ እዚ ድንቁርንኦም

ኣብ   ጎንኾም ምስ ምሳኾም እንተዝኾኑ

ኣይምተኽፍለን እዚ ኹሉ  ደም ጀጋኑ

ሃገር ምረኽበት ናጽነታ ብእዋኑ

 ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ዓወት  ነቲ  ደም  ዝነብዕ  ዘሎ  ህዝብና

ዓወት ንመጻኢ ሃገራዊ ጉባኤና

ንስልጣኖም ክብሉ ዝጭቑኑ

ዝደኽሙ"ውን ጥቅሞም ንምርባሕ

ኣይትደሊን ኢያ ኤርትራ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ናይ ጽባሕ

ውድቀት ንዲክታቱራዊ ስርዓት ህግደፍ

ኣማን ሰላም

ካብ

ማእከላይ ምብራቅ

 

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,383,796 وقت التحميل: 0.51 ثانية