Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
19/09/1445 (28 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ምኽንያት ምምልላስ ወዲ ገራህቱ ን&#477
أخبار

ምኽንያት ምምልላስ ወዲ ገራህቱ ንከተማ ሸፊልድ እንታይ ኢዩ?

ካልኣይ ክፋል

 

ከመይ ትቕንዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ለውጢን ኣብ ኤርትራ ዝኾንኩም? ብመጀመርታ ብምኽንያት ስራሕን መገሻን ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ ብእዋኑ ኣብ ግዚኡ ብዘይምቕራበይ ይቕሬታ እናሓተትኩ ንትሕዝቶ ጽሑፈይ ክትከታተሉ ብኽብሪ ይዕድመኩም።

ንምዝኽኻር ዝኣክል ኣብ ቀዳማይ ክፋል ወዲ ገራህቱ ኣብ ፈለማ ኣኼብኡ ኣብ ሸፊልድ ከምቲ ዝሓሰቦ ኣይከደሉን። ዘይሓሰቦ ብድሆታት ኣጋጢምዎ ዕውንውን ክብል ዝተዓዘቡ ኰራኩር ህግደፍ ንሰዒድ ሮሞዳን ኣብ መድረኽ ወጺኡ ንወዲ ገራህቱ ክድግፍ ሳልሕ ጅኑቢ ናብ መድረኽ ወጺኡ ክዛረብ ትእዛዝ ሃቦ።ሽዑ ወዮ ሚስኪናይ ሰዒድ (ኰርኩር ህግደፍ) ከናፍሩ ብፍርሒ ቀጥቀጥ እናበላን ሰጋእ መጋእ እናበለ “ሎሚ ሓንቲ ናይ ህግደፍ ሽማግለ ክንመርጽ እንተኾይንና ኣነ ንደባስ፣ ኣርካን ፍስሃየ (ተስፋማርያም ወዲ ሸያቦ)፣ ኪዳነ፣ ኣኽሊሉ የማነ ኢሳቕን ብሃገር ዝግደሱ ሃገራውያን ስለዝኾኑ መሪጸዮም ኣለኹ” በለ። ነዚ ዝሰምዑ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ዋላ እኳ ንሰዒድ እንተከዓብዎ ብፍላይ ግን 3 የውሃት መጋበርያ ህግደፍ ዝኾኑ ንሕና ‘ውን ሃገራውያን ኢና ፍለጡልና ብዘስምዕ ናይ ምሕጽንታ ቃል ዝበልዎ ከነቕርበልኩም፣- ወዲ ሰለባ “ ካብዞም ኣባላት ኤምባሲ ዝዓብን ዝኸብርን ሰብ ስለዘየለ በጃኹም ኣባላት ሽማግለ ኮሚኒቲ ከተማ ሸፊልድ ዝኾንኩም ተሓባበርዎም” ምስ በለ ንዕኡ ተኸቲሉ ፍትዊ ከምዚ በለ “ ኣነ ብዙሕ ጽሑፋት ኢየ ዘንብብ ‘ሞ ጸላእቲ ኤርትራውያን ኣሜሪካ ዝበልካዮም ንሶም ጥራይ ዘይኮኑ፣ እቶም ቀንዲ እንግሊዝ ኢዮም። ይገርመኩም መንግስቲ እንግሊዝ ጭንቀት (stress) ብጭንቀት ገይሮምና ኣለዉ ዋላ ኣብ’ዚ ዓዲ” ምስ በለ እዚ ኩሉ ሰብ ብምግራም “እዞም ዓዲስ ክንዲ ዘኾሎሱስ ኢዶም ‘ዶ ይንከሱ” በለ። ነዚ ምእንቲ ብጸሊም ተሓቢኡ ክሰርሕ ክብል ባዕሉ ጽሉል ኢየ ዝበሎም ንመንግስቲ እንግሊዝ ‘ሞ ክራይ ገዝኡን ቀለቡን ብስሩዕ ዝህብዎ ኣሕሊፉ ምሃቡ ከይኣኽሎ ንኣሕዋቱን ኣዝማዱን ካብ ኤርትራ መንግስቲ እንግሊዝ ምእንቲ ከምጽእሉ ደቀይ ኢሉ ከም ዘመዝገቦም ይፍለጥ። ስለዚ ኣቐዲሙ ካብ ወዲ ገራህቱ ሕኸኸኒ ክሓከካ ኣብ ረብሓ ዝተሞርኮሰ፣ መብጽዓን ጥቕምን ምትላልን ዝመሰረቱ ርክብ ስለ ዝተፈጠረ ቅድሚ ኣኼባ ምጅማሩ ዝነበረ ቅንያት ከይተረፈ ፍትዊ ዓሻ እናተመሰለ “ መንግስትና መሓሪ ኢዩ፣ ኣነ ኣብ ሎንደን ናብ ኤምባሲ ምስ ከድኩ ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊአ ኣለኹ። መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ምሕረት ክዋሃበካ ኢዩ ኢሎምኒ፣ ኣብ ዝመጽእ ካብ ኤርትራ ደቀይ (ኣሕዋተይ) ከምጽኡለይ ኢዮም። ገንዘብ ምስ ገበርኩ ድማ ናብ ኤርትራ ከይደ ካብዘን ንኣሽቱ (teen agers) ጽቡቓት ደቂ ኣስመራ ተመርዕየ ከምጽእ ኢየ” እናበለ ንወዮ መብዛሕትና ኣማኢት ንጽል ዘይምርዕዋት ዝኾንና መንእሰያት ንምድንጋርን ንምስሓትን በብግዚኡ እናረኸበ ብኣካል ይኹን ብስልኪ ኣጽመመና። ብተወሳኺ ድማ እዚ ኩሉ ጥቕሚታት ንምርካብ ግቡእኩም ናይ 2%ን ናይ መኸተን ክፈሉ፣ ከምኡ ’ውን ናብ ኤርትራ ናይ ዝሕውሉልኩም ገንዘብ ኣስማቶም ሃቡኒ እናበለ የሸግረና ነበረ።

እቲ ሳልሳይ ዕሱብ በረኸት ተኸስት (መራሒ ታክሲ) ከምዚ በለ “ ኩላትኩም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘለኹም በዘይካ ባኒ ለኺኻ ምብላዕ እንታይ ከተርፈኩም ኢሉ፣ ስለዚ ወራር ኢትዮጵያ ንምምካት ሃየ ተላዓሉ፣ ክተቱ ነዚ ናይ መኸተ ጻውዒት ተቐበሉ” ድሕሪ ምባሉ “ ነዚ መንግስቲ እንግሊዝ ፈሪሕና ‘ምበር ነዘን ኢትዮጵያውያን ዋላ ካብዚ ዓዲ ጀሚርና ክንሃርመንን ክንምክተንን ኢና። እዞም ተኸተልቲ እምነታት ጅሆባን ጴንተክስታልን ድማ ንስኹም ናይ ሲ.ኣይ.ኤይ ልኡኻት ብምዃንኩም ንኣስላምናን ክርስትያንናን ክትፈላልዩና ትሓስቡ ዘለኹም ወይልኹም” በለ። ወዲ ገራህቱ ብናይ እዞም 3 ዓያሹ ዘረባ ሽዑ ተተባብዐ። ካብ ዝገርመኩም ዕሱብ በረኸት ተኸስት (መራሒ ታክሲ) ሽዑ ቅነ መሳድድቱ ዝኾነ ካብ ሆላንድ ኣትሒዙ ኤርትራዊ መንእሰይ ምስ ኰራኩር ህግደፍ እንኮሎ ሰኺሩ ብወናኒን ሰራሕተኛን ቤት መግቢ ኢትዮ-ኩባኖ ተሃሪሙ ስኑ ተሰይሩ ነበረ። ኣብቲ ቤት መግቢ ‘ውን ብዙሓት ህግደፋውያንን የውሃት “መን ከም ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ (ኣዋልድ) ኣለዋ እናበሉ ንዕአን ክቃጠቡ ይመጹን ይመላለሱ ጥራይ ዘይኮነ ተለቂሖም ልቕሖም ከይከፈሉ ከይተረፈ ይሰትይሉን ይበልዑሉን ስለ ዝነበሩ ገሌና ፈሪሕና “ጠፊኦም እዞም ኢትዮጵያውያን ኣሕዋት

ኣጥፍእዎም በዓል በረኸት ተኸስተ ህግደፋውያን” ኢልና ብምሕሳብ ግን ክገርመኩም ህግደፋውያን ከም ኣመሎም ታህዲድን ፈኸራን ’ምበር ክሳብ ሎሚ ናይ ስብእነት ስራሕ ኣይርኣናሎም።

ክቡራንን ክቡራትን ኣንበብቲ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎም ወልቀ-ሰባት ዝበልዎ ብተዘዋዋሪ ናይ ህግደፍ መልእኽቲ ኢዩ ተመሓላሊፉልና ብእኦም ኣቢሉ ንተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ እንተ ኣስተውዒልኩም ኮይንኩም።

ምስ ምክያድ እዚ ኣኼባ ምስ ተቐማጦ ሸፊልድ ኣዝዩ ሓያሎ ኣገደስቲ ምዕባሌታት ኣብ’ታ ከተማ ይርኣዩ ነይሮም። ነዞም ምዕባሌታት እስኪ ሓደ ብሓደ ንርአ።

ኩነታት ስራሕን ምቕማጥ ገንዘብን   

ኣብቲ እዋን እቲ ዳርጋ ካብ ልዕሊ 1000 ዝኾኑ ኤርትራውያን ተቐማጦ ሸፊልድ ብግምት 70% ወግዓዊ መንበሪ ፍቓድ ስለ ዘይነበሮም ዳርጋ ኩሎም ዋላ ‘ውን እቶም መብዛሕትኦም መንበሪ ፍቓድ ዝነበሮም ብጸሊም ብዘይሕጋዊ መንገዲ እናሰርሑ ብርክት ዝበለ ኣታዊታት ነበሮም። እንተኾነ ግን ማዕረ ማዕሪኡ ነቲ ዘዋህልልዎ ዝነበሩ ገንዘብ ካብ ክፍሊታትን ደሞዝን ናይ ስርሖም ከይህገሮም ብምፍራሕ ኣብ ባንክታት እንግሊዝ ከቐምጥዎ ኣይደልዩን ነበሩ።

ነዚ ጸገማቶም ብምምዝማዝ ኰራኩር ህግደፍ ከም ደባስ፣ ሰዒድ ሰርጌንቲ ሮመዳን፣ ኣኽሊሉ ኢሳቕን ኪዳነን ገለ የውሃት ደቂ ኣንስትዮን ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሎንደን ብምምኻር 2 ሓሳባት(እማመታት) ኣቕሪቦም፣ ንህዝቢ ሸፊልድ ኣናፈሱዎ።

1.        ካብ መንግስቲ እንግሊዝ ዝወርስዎ (ዝህግርዎ) ኣሽሓት ገንዘብና ብዘይሕጊ ሰሪሕና ዝኣከብናዮ ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሎንደን ይቀመጠልና። ደሓር ኣብ ዓድና ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ክዋሃበና ወይ ድማ መሬት ኣብ ኣስመራ ገዛ ከነስርሖ ክዋሃበና ኢዩ እናተባህለ ዘይሕለል ሓያል ጎስጓስ ብኹሉ ሸነኻት ተኻይዱ። ከም ውጽኢቱ ድማ ሓያሎ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም ግዳያት ናይዚ እከይ ተግባራት ብምዃን ተታሊሎም ጅሆ ተታሒዞም ኣለዉ ክሳብ ሕጂ።

2.        ምስ በሽባሽ ዝተባህለ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዘይነበሮ ሱዳናዊ ተቐማጣይ ከተማ ሸፊልድ ብሃሱሳት ህግደፍ ዝኾኑ ደባስ፣ ሰዒድ ሰርጌንቲ ሮመዳን፣ ኣኽሊሉ ኢሳቕን ኪዳነን እዚ ሱዳናዊ ዓቢ ነጋዳይ ኢዩ ብምባል ንሓያሎ ኤርትራውያን ኣፋለጡና። ሽዑ እዚ ሱዳናዊ ሕያዋይ ፈታው ኤርትራውያን ኢዩ ‘ሞ ካብ ገንዘብኩም መቐመጢ ትስእንሉን ትሽገሩሉን ንዕኡ ሰሙናዊ ካብ ደሞዝኩም ሃብዎ እሞ ንሱ ብግዲኡ ኣውፋሪ ስለዝኾነ ነቲ ገንዘብ ኣንቀሳቒሱ ሓረጣ (ወለድ) ክህበኩም ኢዩ እናበሉ። ኣብዚ ናይ ህደፋውያን መጻወድያ ዝወደቑ ዉሑዳት ኣይነበሩን። ይዝከረኒ 3 ዓመታት ኣሕሊፉ ይኸውን ሓደ ካብ ግዳያት እዚ ሱዳናዊ ዝኾነ ኤርትራዊ ጸዊዑ ከምዚ በለኒ   “መቸም ሰሚዕካ ትኸውን የሕዋትና ዝበልናዮም በዓል ደባስ፣ ሰዒድ ሰርጌንቲ ሮመዳን፣ ኣኽሊሉ ኢሳቕን ኪዳነን ክንሕግዘካ ብምባል ኣታሊሎም ኩሉ ኣሽሓት ገንዘብና ንሓያሎ ሰባት ኣሕሊፎም ንሓደ ሱዳናዊ ሂቦምና። ንስኻ ሱዳናውያን ትፈልጥን ቋንቋ ዓረብ ትዛረብን ብምዃንካ ንበሽባሽ ተዛረበለይ ገንዘበይ ክመልሰልይ ኣይኮነን ክቐትሎ ኢየ” በለኒ። ኣነ ብወገነይ ነገሩ ስለ ዝደንጸወንን ዝሓርበተንን መጀመርታ ክሃድእ ከም ዘለዎ ኣእመንክዎ፣ ብድሕሪኡ ናይ ሓይልን ቁጥዐን ስጉምቲ ክወስድ ክሓስብ ከምዘይብሉ ኣረዳእክዎ። ካብኡ ተታሓሒዝና ናብቲ ሱዳናዊ ከድና፣ ሽዑ ነቲ ሱዳናዊ እንታይ ኢዩ እቲ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ጸገም ኢለ ሓተትክዎ፣ ንሱ ብወገኑ ልክዕ ኢዩ ንሱን ሓያሎ ኤርትራውያን ደቂ ዓድኻን ነፍሲ ወከፎም ኣሽሓት ፓውንድ እስተርሊንግ ሂቦምኒ ኣለዉ፣ ኣነ ‘ውን ከም ዝሃቡኒ ኣይክሕዶን ኢየ። ግን ኣነ ናይ ሚልዮናት ወፍሪ ኢየ ገይረ ዘለኹ ውጽኢቱ ድሕሪ ነዊሕ ስለዝኾነ ተዓገሱኒ በለለይ ኢሉኒ። ሽዑ እቲ ግዳይ ዝኾነ ኤርትራዊ ብሕርቃን ከእስረካ ኢየ ዋላ እኳ እንተበሎ፣ እቲ ሱዳናዊ ኣጽኒዑን ሓሲቡን ዝገበሮ ብምትሕብባር ህግደፍ ናይ ምትላል ስራሕ ማፍያ ስለኾነ፣ ንዑናይ ናብ ፖሊስ ደይ ዓደይ ኢዮም ክመልሱኒ እንተኸፍአ ምናልባት ‘ውን ክትህቡኒ ከለኹም ብሕጊ ዝተሰነየ ሕጋዊ ስራሕ ስለዘይነበር ኣበይ ኣሎ እቲ ጭብጢ ክብልኹም ኢዮም በለና።

ቅድሚ ምዝዛም ናይ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ ክቡራት ኣንበብቲ ቀንዲ ዕላማ ወዲ ገራህቱን መሰልቱን ዝኾኑ ዕሱባት ህግደፍን መሻርኽቶምን እምበኣር ንኤርትራዊ ኣብ ዝሃለዎን ዝኾዶን ኬድካ ምድኻም፣ ቅሳነት ዘይምሃብ፣ ምድንቋር፣ ምፍርራሕ እንተተኻኢሉ ድማ ንዕኡን ስድርኡን ኣተሓሳስብኦምን ንብረቱን ገንዘቡን ምውናንን ምቁጽጻርን ምዃኑ ተገንዚብኩም ክትኮኑ ተስፋ ይገብር።

ካብ ግዱስ ደላይ ፍትሕን ዲሞክራስን ኤርትራዊ ተቐማጢ ከተማ ሸፊልድ 

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,909,379 وقت التحميل: 0.28 ثانية