Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
17/10/1445 (25 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ዛዕባ፡ ናይ ዕለት 25 መጋቢት ሰላማዊ &
أخبار

Youth 2011.jpg

Eritrean Embassy

96, White Lion Street

London

N1 9PF

ዕለት፡ 25 መጋቢት 2011

ዛዕባ፡ ናይ ዕለት 25 መጋቢት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ሎንደን

ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ኣርባዓ ዓመታት ዝኣክል፡ ምእንቲ ስትራተጅካዊን መሰረታውን ሃገራዊ ዕላማ ጽኑዕ ሓድነቱ ኣርእዩ እዩ። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ አብቲ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ዘካየዶ ሰለማዊ ቃልሱን፡ ከምኡውን ስዒቡ ኣብቲ ብ1961 ብስውእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተን ብጾቱን ዝፈለመ ብረታዊ ገድሊ ዘርአዩ ሓድነት ዓቢ ምስክር እዩ።  ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ቀንዲ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ብ24 ግንቦት 1991 ተዛዚሙ ኤርትራ ነጻ ሃገር ኾነት።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ናጽነት እዚ ከቢድ መስዋእቲ ክኸፍል እንኮሎ ግን ምእንቲ ዲምክራሲን፤ ብህንጻ-ሕጊ እትማሓደር፤ ማዕርነትን ፍትሕን ዝነገሳ፤ መሰል ደቂ ሰባት ዝኽበረላ፤  ሰላምን ራህዋን ዝዓሰላ ኤርትራ እዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ውፉይ ህዝብና ጣዕሚ ናጽነት ከይሰተማቐረ በቲ መግለጺ ዘይርከቦ ኣረሜናዊ ዝኾነ ስርዓት ኢሰያስን ጉጅለኡን  ተጨውዪ  ህዝብና እንደገና ኣብ ስቃይ ይርከብ።

ቁሩብ ከም አብነታት ንምጥቃስ፡

·        ን20 ዓመታት ዝኣክል ቤት ማእሰርትታት፡ ብፓለቲካውያን፡ መምሃራን፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ጋዜጠኛታት፡ ሰላማውያን ዘየጋታት ብዘይ ገለ ፍርዲ ኣዕለቐሊቖም ይርከቡ፡

·        ን20 ዓመታት ዝኣክል ብህዝቢ ዘይተመርጸ ስርዓት ብሓይሊ ሃገርን ህዝብን ይገዝእ ኣሎ፡

·        ን20 ዓመታት ዝኣክል ሃገር ብዘይ ቅዋም ትማሓደር ኣላ፡

·        ን20 ዓመታት ዝኣክል እስረት ኩሉ ዓይነት ነጻነት ኣብ ኤርትራ ይረኣ፡

·        ን20 ዓመታት ዝኣክል ዓሰርታት ኣሻሓት በጃ ዝተደፍእሉ ትርጉም ኣልቦ ዝኾነ ውግእ ምስ ጉሮባብቲ ሃገራት፡

·        ን20 ዓመታት ዝኣክል መጨረሽታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት (ምግልጋል ጀነራላት ህግደፍ)፡

·        ን20 ዓመታት ዝኣክል ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ውጹዓት ኣሓትና ብጀነራላት ህግደፍ፡

·        ን20 ዓመታት ዝኣክል መሬት ካብ ዋናታቱ ምምንዛዕ፡ ደቂባት ካብ ቦቶኦም ኣዘናቢሉ ሓዲሽ ቅርጻ-ክውንነት ምፍጣር፡

·        ን20 ዓመታት ዝኣክል መንእሰያትና ናብ ስደትን ሐደጋታት ሞት ምድረ-በዳን ቀላያትን ምምራሕ፡፡ በዚ ኣጋጣም፡ ነቶም ከቢድ ጸገማት ዘሕልፉ ዘለዉ ኣብ ልብያ ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ውጽኢት ናይዚ ስርዓት ጉጉይ ፓሊሲ ሙዃኑ ትንታኔ ዘየድልዮ ሓቂ እዩ፡፡

ኣውያት ህዝብና ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን።  በዚ ናይ ሉሚ 25 መጋቢት 2011 ሰላመዊ ሰልፊ ኣቢልና ድማ፡ ንሕና ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንአሰይ ንለውጢ፡ ስርዓት ኢሰያስን ጉጅለኡን ካብ ስልጣን ንኸልግሱ ሰላማዊ ቃልስና ንጅምር ኣለና።

ክብሪ ንስዋኣትና!

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ!

ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ

ዓባይ ብሪጣንያ

25/03/2011

Eym4change@yahoo.co.uk

UK

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,437,127 وقت التحميل: 0.46 ثانية