Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
12/10/1445 (20 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ጻውዒት ዓለም ለኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ &#4
أخبار

             ጻውዒት ዓለም ለኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ

ንኹሉኹም ኣብ ስደት እትርከቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያት ኤርትራ፡

ንኹሉኹም ኣብ ስደት እትርከቡ ኣቦታትን ኣዴታትን ኤርትራ፡

ንኹለን ንሰብኣዊ መሰል ደቂ ሰባትን ንፍትሕን ዝጣበቓ ሲቪካውያን ማሕበራት፡

ንኹለን ደሞክራስያዊ ስርዓተ ንምትካል ዝቃለሳ ዘለዋ ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ፡

ንኹለን ድምጺ ውጹዓት ኮይነን ዘገልግላ ዘለዋ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታትን ሬድዮታትን፡

ኮታስ ንኹሉኹም ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ ኣፍሪቃን እትርከቡ ኤርትራውያን ብዘይ ኣፋላልይ ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ኣውራጃ፡ ዕድመን ጾታን፡

          ብመጀመርታ ልባውን ሃገራውን ሰላምታና ነቐድም። ኣብ ዘዘለኹሞ ቦታ ስደት ሰላምን ራህዋን ምሳኹም ክኸውን እንዳተመነና ስጋብ ናብራ ስደት ኣብቂዑ ብሰላም ናብ ዓድና ንኣትው፡ ነዛ ንሕና ተሓጋጊዝና ክንገብራ ኣዝያ ቀላል ቁም ነገራ ግና ከም ሓወልቲ ንዘንተ እለት ዝነብር ታሪኻዊት ዕለት ዕውቲ ንምግባር ሃገራውን ህዝባውን ጻዊዒትና ነቕርብ።

          ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ ጎረባብትና ነቶም ንዓመታት ዝጨቆንዎም ውልቀ መለኽቲ ሓግሒጎም ካብ ስልጣን ከውርድዎም ኣብ መዓልታዊ ዜና ከም ቁርሲ፡ ምሳሕን ድራርን ተደጋጊሙ ክንገር ዓይንና ይርእይ እዝንና ይሰምዕ ኣሎ። ህዝብና ካብዞም ንመራሕቶም ውረድ ስልጣንካ ንህዝቢ ኣረክብ ዝብሉ ዘለው ጎረባብትና ዝተዓጻጸፈ ሽግርን መከራን እንዳወረዶ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ኣይከኣለን። ቀንዲ ዘይመውሰዲኡ ምኽንያት ድማ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊኡ ኣድማ ንዘልዓሉ ተጋደልቲ፡ መሰልና ይተሓለወልና ዝበሉ ስንኩላት ኵናት፡ ኣካይዳና ነዕሪ ዝበሉ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ነበር ዝወሰዶ ጨካን ኣስካሕካሒ ስጉምቲ ንህዝብና ኣብ ራዕድን ፍርሕን ስለዘእተዎ እዩ ዝብል ጹኑዕ እምነት ኣለና። እሞ ህዝብና ነዚ ኣብ ዝባኑ ከም ሉጓም ኮይኑ ዘሳቕዮ ዘሎ ራዕዲ ካብ ዝባኑ ክንቅንጥጦ እንኽእል ንሕና ኣብ ስደት ዘለና ኤርትራውያን ኢና’ሞ ነዛ ዕድመ ምልኪ ከተሕጽር ዓቢ ተስፋ ዝተነብረላ ዕለት ንምዕዋታ ብስም እቶም ምእንታና በጃ ሓሊፎም ሕድሮም ተጠሊሙ ዘሎ ሰማእታትና ንምሕጸነካ።

         ንሕና ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዘለና ኤርትራውያን ኣብ ሞንጎና ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባ፡ ሃይማኖት፡ ትውልዲ፡ ቋንቋ ወዘተ ፍልልይና ንጎኒ ገዲፍና ኣንጻር ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቅን መጋበርያታቱን ብሓባር ኣብ ጎደናታት ዓለም እንድሕር መሪሽና እቲ ዝተረፈ ዕማም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ኣብ ሓጺር እዋን ከምዝዓሞ ብርእሰ ተኣማንነት ክግለጽ ይከኣል። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ኣንቱም ኣብ ስደት ዘለኹም ሓድነትኩም ኣረጋጉጹልና ጥራይ እምበር እቲ ናይ ሓባር ሃምን ድሌትን ጋህዲ ክኸውን ናይ መዓልታት ሕቶ እዩ ዝብለና ዘሎ ኮይኑ ይስምዓና። ብሰንኪ ሓደ ውልቀ ሰብ ህዝብና ንዓመታት ሃገራውን ሰብኣውን ክብሩ ተጋሂሱ ክኸይድ ደጊም ስለዘይነፍቅድ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ካብ ስልጣን ውረድ፡ ስልጣንካ ነቲ ዋና ናጽነቱን ሓርነቱን ክኸውን ዘለዎ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣረክብ ንበሎ።      

         እዛ ታሪኻዊት ናይ ሰላማዊ ሰልፊ ዕለት መታን ንህሉው ክውንነት ኤርትራ ከተንጸባርቕ ተባሂላ ኣብቲ ስርዓት ኢሰያስ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ዝሸባሸበላ ወርሒ ግንቦትን ንከነቃልዖ ስለዝተደለየ ብሓደ ወገን፡ ናብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንክገሹ ንዝደልዩ ኤርትራውያን ምስ ስርሖምን ትምህርቶምን ከተሳኒ ብኻልእ መዳይ ስለዝተደለየ ንዕለተ 27 ግንቦት 2011 ዓርቢ መዓልቲ ንኽትከውን መሪጽና ኣሎና። የግዳስ ኣብቲ ቅንያት መዓልቲ ናጽነት ማለት ካብ ድሮ ግንቦት 24 ጀሚርካ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፍታት ሸትኡ ክወቅዕ ስለ ዝኽእል ወደብቲ ሰልፊ በብዝጥዕሞም ኣገባብ ክውድብዎ ከምዝኽእሉ ነዘኻኽር። ነዛ ዕለት ዕውቲ ንምግባር ኩሉኹም ኤርትራውያን ካብ ሰሜን ንደቡብ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ኮታስ ካብ ጻት ናብ ጻት ዓለም እትርከቡ እዛ ክብርቲ ዕለት ንህዝብኹምን ሃገርኩምን ንኸተወፍይዋ የዕጽምትን ደምን ሰማእታትና ካብቲ ብሰላም ዓሪፉሉ ዘሎ ቦታታት የቃልሕ ኣሎ።

          ነዚ መደብ ንምዕዋት ምእኩል ዝኾነ ኣሰራርሓ ኣድማዕነቱ ስለዘይተራእየና በብዝጥዕመና ኣገባብን ኣካይዳን በብዘለናዮ ክፍለ ዓለምን ከተማን ተወዲብና ንኸነዕውቶ ብፍላይ መንእሰያት ኤርትራ መሪሕ ተራ ንኽጻወቱ ንምሕጸን። ንሕና ኣባላት ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ቤይ ኤርያ ካሊፎርንያ ድማ ነዚ መደብ እዚ ንምዕዋት ንነዊሕ ክንሰርሕ ከምዝጸናሕና ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ከተማ ሳን ፍራንሲስኮ ምስ ካልኦት መደባት ዝተወሃሃደ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝወደብና ድማ በዚ ኣጋጣሚ ንሕብር። እዚ ኣብ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ንኹለን ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ኣሜሪካ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ዝሓቖፈ ክኸውን ምድላዋትና ኣብ ምጽፋፍ ንርከብ። ሰላማዊ ሰልፊ ምዕራባዊ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ንከተማታት ኦክላንድ፡ ሳንፍራንሲስኮ፡ ሳን ሆዘ፡    ሳንታ ሮዛ፡ ሳክራሜንቶ፡ ሎስ ኣንጀሎስ፡ ኦሬንጅ ካውንቲ፡ ሳን ዲያጎ፡ ላስ ቬጋስ(ኔቫዳ)፡ ሲያትል(ዋሽንግተን)፡ ፖርት ላንድ (ኦሪገን)፡ ህዩስተን፡ ዳላስ(ቴክሳስ)ን ካልኦት ከተማታትን ከጠቓልል እዩ። እዛ ታሪኻዊት ዕለት ድማ ታርኻዊ ግቡኣ ፈጺማ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ንዘንተ እለት ከምእትሰፍር ኣይንማታእን።

ንዝኾነ ይኹን ሓበሬታ eycbayarea@gmail.com ወይ ብቁ.ስ. 510 395 2043 ወይ 408 603 7040 ተውከሱና ማዕጾና ንምይይጥ ወትሩ ክፉት እዩ።

ዘለናዮ ጊዜ “ንቕሎ መንእሰይ ንሓመድ ድበ ምልኪ” እዩ።

ዓወትን ኣሳልጦን ንዓለምለኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ውልቀ ምልኪ!

ሰማእታትና ንዘንተ እለት ይዘከሩ!

ቦርድ ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ     

26 መጋቢት 2011 ዓ.ም.      

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,305,669 وقت التحميل: 0.07 ثانية