Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
10/10/1445 (18 أبريل 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ
أخبار

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

ሻሙናይ ክፍሊ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ንስድራቤታት ሙዉታት ጽንዓት ያሃብኩም ጠሊ ይግደፍልኩም ኣምላኽ ይቀበልም እቶም እዚኣ ዝኾነት ጽሕፍቶኹም ።

ኣውያት ደቂ ሃገረይ ብከምዚ ክገልጾ ተገዲደ መን እዩ ታሓታቲ ክብል ብርዔይ ኣልዒለ?

ንሕና ንዛረብ ባሕሪ ደም የሕዋትና ይጎስዕ

ወዲ ዓሻ ክልተ ግዝየ ይውቃዕ

ህዝብና ብህግደፍ ይግፋዕ

ሓይሊ ኮሎና ንህግደፍ ዘድምዕ

ሰራዊትና ሓናፊጽና ህግደፍ ዘይንወቅዕ

ክንድምሰስ ኢሰያስ ብደም ዝበለ ቆምጣዕጣዕ

ምስ ጀነራላቱ ዝለመደ ሰብ ሸይጡ ምብላዕ።

ይሕተት እቲ ነሕዋቱ ንጥፍኣት ዝጽውዕ

ኣሕዋቱ ከሕልፍ ንህግደፍ ዶላራት ዘብልዕ

ታሓታቲ ንህግደፍ ዝጣበቕ ንደምና ዝጣላዕ

ነቲ ንኤረትራዊያን ዘየጽነተ ይቑጣዕ

ክትኣትዉዋ ኢኹም ምሱኡ ታቑራዕ።

ዘረባ ገዲፍና ንባዓል ደምና ነጽድፎ

ንድሕነት ህዝቢ ፍልልያትና ንወንዝፎ

ንዋሃሃድ ሕጂ ውን የሎን ማይ ዝሓለፎ

ብደገን ብውሽጥን ንጠርነፍ ክነቃላትፎ

ሽምዓ ምውላዕ ሳልስቲ ምቑዛም ንግደፎ።

ኣየ ህግደፋዊያን  ቁቡጻት

ንሰብ ገበን ዝድግፉ ንዓመታት

ዘንጊዖም ማዕበል ህዝቢ ከም ዝዕወት

ንዲክታቶራዊያን ዓመቶም ዘይኮነት

2011 ዓመት ናይ ህዝብታት ሕርነት

ዓመት ደሞክራሲ ዓመት ቅሳነት

ዘራጋገጸት ናይ ምልካዊያን ስዕረት።

መንእሰያት ክድሕኑ ካብ ምብትታን

ንህግድፋዊያን ነብሎም ፋሕ ብትን

ዘይንወርስ ካብ ቱኑዝያን ምስርን

ህግደፍ ደምሰስና ህዝቢ ክቀስን።

ወልደፍደፍ ጀሚሮም ህግደፍ

ፈሪሖም ሕልሞም ከይኹለፍ

ህዝቢ ሐሲምዎ ስለ በልዑ ጣፍ

ክንጸርጎም የድሊ ምቅልጣፍ።

እንድሕር ሓሊፉለይ ኣሸበሸብ

ኣነስ ኣይሰምዕንየ ዘረባ ሰብ

ኣሎኒዶ ምሰብ ደም ዝላዘብ

ሳዓቢ  ህግደፍ ሕጂ ሕሰብ።

ኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ ምስ ታኣሰረ

ኡሱር ተፈቲሑ ምስ ተሳራሰረ

ሕልሚ ኤረትራዊያን ምስ ሰመረ

ዓዱ ምስ ተመልሰ ኣቡኡ ዘይቀበረ

ክዳን ይድርብ እቲ ብለያቡ ዝቖረረ

ስርዓት ዓዋሉ ይኸውን ነበርያ ነበረ።

ውልዕ ጥፍእ ከም ሓዊ ለይቶ

ሕብሩ ዝለዋውጥ ከም ነፋሒቶ

ዝውድስ ብደም ሑጹባት ክፍቶ

ታሓባእ ያኣክል ሕቶ ርኢቶ

መፍረሲ ኡኩብ ከም ዘራጊቶ

ዘይታሪካ ምዝንታው ዩ ኮንቶ።

ንዑሩባት ሕልና ኩሉሻዕ ጸገም

ጭሩ ብዓቕማ ትሕጎም

ብዱቁስካ ዶ ይርከብ ሰላም

ዓቕምኻ ግበር ካብ ምርጋም።

ኤረትራዊ እንታይ ሽግርካ

ተባህለ ትብል ኣብዘይ ናትካ

ናትካ ገዲፍካ ብንዳማትካ

ብዱቁስካ ትጽበ ክሰርሑልካ

በለካ ገዲፍካ ግበር እጃምካ።

ወጊሑ ዶ ገና

ክንምለስ ናዓድና

ጃንዳ ህግደፍ ጸሪግና

ደሞክራሲ ተኺልና

ክንሕጎስ ምስ ህዝብና።

ይበዝሕ ይበዝሕ ጮው ይነዝሕ

ዘይወግሕ መሲሉካ ዘረባ ተብዝሕ

ኣይበዝሔን ዶ ንኺድ ጥራሕ

ልቢ ዓድግ ከይከውን ቀባሕባሕ

መንገዲ ሓቢሩሎ ኮኾብ ጽባሕ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 43,249,616 وقت التحميل: 0.21 ثانية