Welcome to http://www.omaal.org g مرحباً بكم في أومال صوت جموع المناضلين من أجل الديمقراطية والسلام .. المقاومين للظلم والدكتاتورية الإنعزالية في بلادنا / صوت الذين لا صوت لهم
20/09/1445 (29 مارس 2024)
التصفح
· الرئيسية
· أريتريا في سطور
· الأخبار
· التحليل السياسي
· المقالات
· حوارات
· سجــل الخالدين
· قادة ومؤسسون
· مجموعة الأخبار
· جداول الجنود الهاربين من الخدمة العسكرية للنظام الديكتاتوري
· آداب وفنون
· دراسات ووثائق
· الاتصال بنا
· معرض الصور
· البحث
· دليل المواقع
· الذكرى 49 لإنطلاقة جبهة التحرير الإرترية
· ملفات PDF

Video streaming by Ustream
“ጽንዓት ይሃብኩም ስድራ-ቤት”
أخبار

“ጽንዓት ይሃብኩም ስድራ-ቤት”

ዎየ ኢለ’ዶ መልቀሰይ ክጅምሮ

ይቕዘፍ ኣሎ መንእሰይ ኣብ ባሕሪ፣መረሮ

ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ መንሽሮ

ባርነታዊ መግረፍቲ መን ክጸሮ

ምቾት ደልዮም’ዃ በለ እንዳሓነቐ ጎሮሮ

ግናይ ስርዓት መንደፍ ትበንቁሮ።

                    ኣንታ ዎየ እስከ ንበል ተዘሚትና

                    ተቖጽዮም ጠፊኦም ዕሸላት ደቅና

                    ተቐዚፎም ኣሓትና ኣሕዋትና

                    በብቑሩብ ይውዳእ ኣሎ ህዝብና

                    ኣብ ርእሲ ምውሓድናስ ተቖርሚምና

                    ትበርስ’ምበር ኣላ ኤርትራ ሃገርና።

ሃየ ንሕዘነሎም ንብከየሎም

ብዘይ ረዳት ኣብ ማእከላይ ባሐሪ ጢሕሎም

ክወጽእሉ ዘይከኣሉ ሓምቢሶም

ተወዲኦም ብሙሉኦም ኩሎም

ዋላ ሓደ መላስ ኣውያት ዘይብሎም

ኣብ ሰፊሕ ኣዳራሹ ኣምላክ ይቀበሎም’

                      ካብ ናይ ኩናት ሓዊ ክሃድሙስ ኣብ ባሕሪ

                      ተበሊዖም ተዋሒጦም ብዓሳ ነባሪ

                      ዘይረኸቡ’ዃ ስነ-ስርዓት ቀብሪ

                      ረሳታቶም ጠፊኡ ብዘይክብሪ

                      ታሪኾም ግን ዘለኣለም ነባሪ

                      ሃየ ንግበረሎም ናይ ሞት ዝኽሪ።

ክፉእ ትርኢት ዓለም ዘስደመመ

ከላእ ስማዕ ንእዝኒ ዘጽመመ

ኣዴታት ጸጉረን ክድርመመ

ኣቦታት ኣፎም ምስ ተሎጉመ

እንካብ ኮነ እንካብ ተፈጸመ

ንሕሰበሉ ዳሕራይ ከይድገመ።

                ነቦታትና ዘጥፈአት ዝለከመት ትሩቡሊ

                እንሆ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ

                ዓበይቲ ናእሽቱ ብዘይፈሊ

                ትቕጥቅጠና’ላ ከምቶም ኣድገ-በቕሊ

                ክተጥፍኣና ብዘይ ገለ ቡቕሊ

                ክሳብ መኣስ ኢና’ሞ ክንጽበ ብዓቕሊ።

ኣተንቢሆም እኮ ኢዮም ኣቦታትና

ኩነታት ዘርዚሮም ነጊሮምና

ብምስላ ደርፊ ኣስተምሂሮምና

ትሩቡሊ ጸላኢና እኺዶ ኢሎምና

       ይኹን’ምበር!

ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ጸላኢና

ከይፈተወ ኣትዩዋ ህዝብና።

                እወ ምርጫ ስኢኑ

                እና ሓርቀመ ስኑ

                ከየዝሓለ ረስኑ

                ንስርዓት ህግደፍ ኮኒኑ

                ዝመጸ ክምጽእ ጨኪኑ

                ትሩቡሊ ኣትይዋ ጠኒኑ።

ኣስተውዕል ጅግና ህዝቢ ኤርትራ

ነዚ ኩሉ ሓሳረ-መከራ

ናይ ዲክታቶር ኢሰያስ ዳንኬርራ

ብድዐ ኣሽካዕላል ፈኸራ

ምስ ግስሩጥ ምሕደራ

ሃየ ክንጉሕፎ ንተዓጠቕ ብሓበራ።

                    ክሳብ መኣስ’ከ ስቕ ኢልና ክንጸሮ

                    ጡዑይ’ዃ ዘይብሉ እንትርፊ ሓረሮ

                    ኩሉ ጊዜ ኩናት ኣምባጓሮ

                    ምሕረት ዘይብሉ ብዘይካ እሰሮ

                    ይመስክራ ብዓል ዒራ-ዒሮ

                    ይኣኽሎ ጸሪግና ነባርሮ።

ኤርትራዊ መሪሕነት ተቓውሞ ድምበ

ጊዜ ነዊሑና ንዓኹም ክንጽበ

ኮይኑና ወግሓ-ጸብሓ ሐመድ ድበ

ኣዒንትና ማይ ገዲፋ ደም እንዳተሐልበ

መነባብሮና ብኢሱ ጨርሱ ዝሰበበ

ብሰንኪ ጨካን ህግደፍ ደምና ሰትዩ ዘይጸገበ።

                    ዕንኪሊል ክትብሉ ጊዜ ኣይተሕልፉ

                    ኣኼባታት እንተብዛሕኩም እንታይ’ዩ’ሞ ትርፋ

                    ቁምነገር ዘይብሉ መብጽዓታት ተጸፍጺፉ

                    ኣካያይዳኹም ግዳ ቀይሩ ስራሕኩም ኣጽፍፋ

                    ስልጣን ናይ ህዝቢ’ዩ ስቕ አልኩም ኣይተህተህትፋ

                    ተሳማሚዕኩም ግዳ ንህግደፍ ዘይተጽድፋ።

ትጽቢት በዚሑና

ምውዳእ ኣብዩ ስቓይና

ነዊሑ ስደትና

ሎምስ ፈጺሙ መሪሩና

ተሳኢኑ ሐደ ጅግና

ንስርዓት ህግደፍ ዘጥፍኣልና።

                ካብዚ ዝኸፍእ’ሞ እንታይ ክመጸና

                ኣምላኽ ባዕሉ ምሕረቱ የውርደልና

                ንዲክታቶር ስርዓት ህግደፍ የጥፍኣልና

                ንመላእ ስድራ-ቤት መወቲ ጽንዓት ይሃበልና

                ንመወቲ ደቅና ኣሐት ኣሕዋትና

                መንግስተ ሰማያት የውርሰልና።

ክቕንጠጥ’ዩ እቲ ጸልማት

ክጠፍኡ ኢዮም’ቶም ጠላማት!!!

ፍትሕን ሰላምን ንህዝብና

ዓወት ንሐርነታዊ ቃልስና

ክብርን ዘለኣለማዊ ዝኽርን ንስዉኣትና።

ካብ ግርማይ ወዲ ፊተውራሪ

ሰሜን ኣመሪካ

ሚያዝያ 10/2011

أحدث المقالات
· البرنامج السياسي الم...
· لا استطيع ان انعى قا...
· بقلوب راضية بقضاء ال...
· في ذكرى الاستقلال : ...
· في ذكرى الرحيل المر ...
الدخول
الاسم

كلمة السر



نسيت أو فقدت كلمة السر؟
يمكنك الحصول على كلمة جديدة من هنا.
الزيارات غير المكررة: 42,915,575 وقت التحميل: 0.31 ثانية