መራሒ ህግደፍ እንታይ ክብል’ዩ ጽባ&#46
نشر من قبل omaal في 01-01-2010

መራሒ ህግደፍ እንታይ ክብል’ዩ ጽባሕ?

 

መቸም ውልቀ መላኺ ዲክታተር ኢሰይያስ ዘይብሎን ዘይገብሮን የብሉን፡፡ ንሱ ድማ ንህዝቢ ሓሊዩ ወይ ካኣ ንህዝቢ ንምምብዕባልን ንምጥቃምን ዘይኮነስ እንታይ ድኣ ንስልጣኑ ንምድልዳልን ኣብ ስልጣን ንነዊሕ ንምጽናሕ ዝገብሮ ጻዕርን ምድንጋራትን እዩ፡፡

በዚ ኾይኑ በቲ ኣብቲ ቃለ መሕተት ዝህቦ ጽባሕ እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ናይቲ ዘረቡኡ ቃል ብቃል ተዘይፈለጥኩ እኳ ብሓፈሽኡ ግን ፍሉጥ እዩ፡፡ ንኣስታት 18 ዓመታት ቀጻልን ተደጋጋምን ናይ ምድንጋራትን ትምክሕነት ዘረባን ከም ዝዛረብ ግን ርግጸኛ እየ፡፡ ንሱ ድማ ድርቅናን ዓናዳን ዝመልኦ ዘረባ ምዃኑ ካብ ሕጂ ምእማቱ ዘጸግም አይኮነን ግደፍዶ ንተቃወምቲ ህግደፍሲ ዝድግፉኳ ግልጺ እዩ፡፡ 

 ብዛዕባ ውሳኔ ባጥቶ ጸጥታ ኻኣሞ ዓቲጥዎ ድዩ ሓላፍነት ከይተሰምዖ ናይ ህልኽን ነቲ ውሳኔ ዘግድድ ዘረባ ከም ዝዛረብ ዘጠራጥር ብፍጹም ኣይኮነን ከምቲ ዘይርሳዕ ገበን ዝገበሮ ብመልሓሱ... ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ እይትዓርብን’ያ ኢሉሞ ዝፈከሮ ነዞም ብኣሽሓት ዝቁጸሩ መንእሰያት ኣብ ሓዊ ብረት ዝጠበሶም፡፡ ስለዚ ሕጅ’ውን እንተኾነ  ካብ ኢሰይያስ ወልሓንቲ ሓድሽ ጽቡቅ ነገር ኣይንጽበይን ኢና እንትርፎ በንጻሩ ሓድሽ ሕማቅን ዘስካሕክሕን ዘስደምምን ተዘይኮኑ ?? ክልብም ዝብል ግምትውን የብለይን...... ካብ ጌግኡ ዝማሃር ሰብ ስለ ዘይኮነ እንደሓደረ እንዳፎኸሰ ዝኸይድ መራሒ ስነዝኾነ!!!! 

እስከ ድሕሪ ቃለ መሕትት ናይ መራሒ ህግደፍ የራኽበና ግምተይን ኣፍልጦይን ንናይ ህግደፍ ኣብ ቦቱኡ ዶ’ሎ?

በሉ ዘረባ ከየብዛሓልኩም ናብቲ ሃታፍ ውልቀ መላኺ ክገድፈኩም !!

 

በዚኣ ኢሜይል ካኣ ጸሓፉለይ

 

omyusra@yahoo.com

 

የቐንየለይ!