Merhabaa Meskerem / Berhe Ogbazghi
نشر من قبل omaal في 13-09-2009

መርሓባ ባሕቲ መስከረም

ጀማሪት ብረታዊ ቃልስና

 

ካብ ሕድሪ ስዋኣቱ ዘይጠለመ

በርሀ ዑቁባዝጊ ጀርመን

መርሓባ 61 ባሕቲ መስከረም

ብ 61 ቀዳመይቲ ጢዪት ዝተኮሰ

ሓርበኛ ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ

መበል 48 ዓመት ኩንልና ለምለም

መግዛእቲ ከብቅዕ ብዘይ ቀልላዓለም

ሃገርና ክትከውን ለምለም

ጩራ  ንናጽነት ንስኺ

ጩራ ንሓርነት ንስኺ

ሕጂ ውን ቀጽሊ ቃልስኺ

ሓሕግዮ ንምልኪ

ህዝቢ ዪጽበሎ ነዓኺ

መንእሰይ ዘብዘብ ኢሉ ደዲሕረኺ

ንሂወቱ ኣወፊዩ ነዓኺ

ከበሳ ከይበለ መታሕት ደልዩኪ

ከይተሓለለ ጎዩ ደድሕረኺ

ተቃሊሱ ሓራ ኣውጺኡኪ

ግን ኣብ ኢድ ጠላማት ወዲቅኪ

ተጋዳላይ ነበረ ይቃለስ ኣሎ ንምልኪ

ካብ ናይ ሎሚ መናእሰይስ ተሪፍኪ

ካብ ቶም ጀጋኑስ በዚሖም በትኪ

ንህግደፍ ይኸፍሉ ክልተ ካብ ሚኢቲ

ህዝብና ኡፎይ ኢሉ ክዝክር ታሪኽኪ

 መስከረም በዲልክና ነኣመንቲኺ

መስከረም እንዳበልና ክንደሊ ነዓኺ

ንቃለስ ኣሎና ኣንጻር ምልኪ

መታን ኣብ ሃገርና ክነግስ ፍትሒ

ኣባይ ከይበልና ኣደይ

ሓወይ ከልበልና ሓፍተይ

ክኸዪድ ደልየ ከይበልና ንዓደይ

ከይፈራሕና ንግብሪ እከይ

መስከረም ሓዲኡ ግበሪ

ሕድሪ ስዋኣትኪ ኣኽብሪ

ወጽዓና ንዓለም ንገሪ

ህዝብና የጽብብ ኣሎ ዓቅሊ

ተሸጊርና ኣለኹ እባ በሊ

ኣደታት ኣለዋ ይምህለላ

መስከረም ክትገብር ከም ኣመላ

ህግድፍ ማስጣና ይውረዶ እናበላ

ክትምለስ ሰማያዊት ኣውሊ ኣብ ማእከላ

ሓርበኛታት ደቀባት ዝተሰዉኡላ

እወ ሓርበኛታት ደቀባት ዝተሰዉኡላ

መታን ሰላም ከዓስላ ህገርና ኤረትራ፡

 

ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤረትራ

ክብሪን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዋኣትና

ክንዕወት ኢና ንህግደፍ ኣሊና

ጻሙኦም ክረኽቡ ስዋኣትና

ሰናይ ቅነ ይቅጽል

Berhe Ogbazghi