እንታዎት እዮም እዞም ሰባት እባ ን&#47
نشر من قبل omaal في 13-09-2009

እንታዎት እዮም እዞም ሰባት

እባ ንበል ሓቢርና

ካብ ሕድሪ ስዋአቱ ዘይጠለመ

በርሀ ዑቁባዝጊ ጀርመን

ክጅምር ኣነ ክብል እታዎት ኢኹም

እንታዎት ኢኹም

ንገሩና በጃኹም

ካበየናይ ፒላነት መጺኹም

እንታይ እዩ ዕላማኹም

የሕዋትና ዲኹም ጓናት

መልእኽቲኹም ድዩ ዘይተወደኤ

ጁባኹም ድዩ ዘይመልኤ

ዶገና ኣለኹም ዘይጠፍኤ

ዶ ኣለኹም ዝተሓብኤ

መን ምዃንኩም ኣሎ ጠፊኡና

ፈሊጥና ኣሎና ከም ዝናዓቁሙና

ክልተ ግዝየ ምስ ነባዑና

ዕልል እንዳበልና ስለ ዝተቀበልና

መሲሉና ደቀኖና

ማዓስ መሲሉና ከምዚ ትፈድዩና

ማዓስ መሲሉና ጸላእትና

ሰብ መስሉ አዛብእ መጺኡኩሙና

በሉ ሎምስ ተበጊስና አሎና

አለሊናኩም ሙኳንኩም ጸላእትና

አማን ባአማን ብዲልኹሙና

ካብዚ ሓሊፍኩም እንታይ ትደግሙና            እንተ ዋሓደ ዓሰርተ ሚሊዮን ምበጻሕና

ንስኻትኩም እተዘይትኾኒ መራሕትና

ዓሰርተ ሾሞንተ ዓመት መሪሕኩሙና

አብ ክንዲ ንበዝሕ መሊስና ዊሒድና

የለዉን ዲዮም ብህዝቢ ዝሓሙ

የለዉን ዲዮም ሕድሪ ዝተሸከሙ

ኣብ ዓድና ወልዕ ሰባዓታት ተደጊሙ

ኣዝጊቦም ዝጸንሑ ከም ሕስኽሊ ድሙ

በእቶም ሕድሪ ስዋኣት ዝጠለሙ

አቱም ህዝቢ በጃኹም ንሕሰብ

ንህግድፍ ምልጋስ አሎዎ መኽሰብ

ካብ ገዛ ክትሰርሑ ትብሉ ዘብዘብ

ብዛዕባ ገዛስ ጽባሕ ንላዘብ

ሕልሚ አሎኒ ተጠርኒፍና አንጻር ህግደፍ ክነእዊ

ህዝቢ ኤረትራ ተመስገን ኢሉ ክረዊ

 

ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤረትራ

ክብሪን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዋአትና

ውድቀት ንጃንዳ ህግደፍ

ሰናይ ቅነ ይቅጽል

 

Berhe Ogbazghi