ዋዕላ ብራስለስን ድቡቕ
ፖለቲካዊ ኣንፈቱን ኣመኻኽትኡን
ብጊላይ ቃሉ /ወዲ-ቃሉ/
ቀዳማይ ክፋል
ደምበ-ታቓውሞ ኤርትራ ንሓደ ወርሒ ምሉእ ኣብ ሕድሕድ ፖለቲካዊ ኲናት ከፊቱ ክካታዕ፡ ክማጎት፡ ክነጻጸግ ጸኒሑን ይቕጽል ምህላውን ንኹሉ ህዝቢ ብሓፈሻ እቶም ናይ ኢንተርኔት መሳርሕን ኣገልግሎትን ዝረኸቡ ኣካላት ድማ ብፍላይ ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ።
ደምበ-ተቓዉሞ ክንዲ እምባ ዝኸውን ጸላኢ እናሃለዎ፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ክመናጨት ንጸላኢ ጽቡቕ ዕድል ክህቦ ኣድላዪድዩ ዝብል ኣተሓሳሳቢ ሕቶ ክልዓል ግድንን ኣድላይን እዩ ዝመስለኒ። ከመይሲ ንደምበ-ተቓውሞ ዝትንክፍን ዝብድህን ክዛረብ ዘገድድን ፖለቲካዊ ተርእዮ ስለዝተኸስተ። እቲ ፖለቲካዊ ተርእዮ ድማ ሕጂ ንደምበ-ተቓውሞ ኣብ ምዝራብን ከሰሓሓቡ ካብ ምግባርን ሓሊፉ ኣብ ናይ መጻኢ ዝምድንኦምን ኩነታት ሃገራዊ ሓድነትን ኣሉታዊ ኩነታት ክፍጠር ቅድመ ባይታ ዘንብርን ሓደገኛ ወጥን ስለዝሓዘን ዝኾነን እዩ። ነቲ ሓደጋ ብምልኣት ምርዳእ ዝከኣል ድማ ነቲ ፖለቲካዊ ውጥንን ዕላማ ወጠንትን፡ ፍሉያትን ብምስጢር ዝተዓደሙ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዕላምኦም ወይ ባህጎም ብደቂቕ ብምግምጋም ክፍለጥ ዝከኣል እዩ።
1.ዕላማ ዓደምትን ፍሉያት ተዓደምትን፡- ኣብዚ ነጥቢ እዚ ነቲ ዕድመ ዘበገሰ ኣየናይ ትካል በዓልመን ወዘተ ዝብል ናይ ምጽራይ ነጥቢ ምክያድ ብዙሕ ግዜ ከየህለኽና፡ ዋናታት ናይቲ ፖለቲካዊ ወጥንን ለኣኽትን ብዘይ ሽፍንፍን ኤውሮጳዊ ሕብረትን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ምዃኖም ኣርጊጽና ምብጋስ ዝከኣል እዩ። ምኽንያቱ እቶም ዝተላእኹ ሰባትን ሓለፍቲ ትካላትን፡ ብስዉር ዝተዓደሙ ኤርትራውያንን፡ ካልኦት ኣካላትን ኣብቲ ብዕለት 9-10/11/2009 መዛዘሚ ናይቲ ዋዕላ ዘውጽእዎ መግለጺታትን ለበዋታትን እንታይ ካልኦት ነጥብታት ተላዒሎምን ተዘሪብሎምን ብዘየገድስ፡ እቲ ማእከልን ቐንድን ውራይ ግን ኤውሮጳዊ ሕብረትን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን፡ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቓ ብሓፈሻ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኸኣ ብፍላይ ክሕዝኦን ክኽተልኦን ዝግባእ ፖሊሲ ዝሕግዝ ትሕዝቶን መንፈስን ዘጠቓለለ ስለ ዝኾነ፡ ዋዕላ ብራስለስ ካብ ክልቲኦም መንግስታት ወጻኢን ብኻልኦት ዝተወሰነን ዝተኻየደን ተገይሩ ክምኽነየሉ ብፍጹም ዘይከኣል ነገር እዩ።
እቶም እቲ ገዳይ ካብ ክልቲኦም መንግስታት ወጻኢ ብዘለዉ ጉዱሳት ዉልቀ-ሰባትን፡ ትካላትን ዝተበገሰን ብናይ ገዛእ ዓቕሙ ዝተመወለን እዩ ብምባል ክገልጽዎን፡ ክሽፍኖ ዘይክእል መሸፈኒ ከናድይሉ ክፍትኑ ዝጸንሑን፡ ገና ዝቕጽሉ ዘለውን ኤርትራውያን ኣሕዋት፡ ኣብ ባይታ ንዘየለ ነገር ክጣበቑ ምፍታኖም ኣካል ኣምሳል ናይቲ ውጥን ስለዝኾነ፡ ብኡ መጠን ፖለቲካዊ ረብሓ ኣለና ኢሎም ስለዝረኣዩን ጥራሕ እዮም። እቲ መሰረታዊ ሕቶ ኤውሮጳዊ ሕብረትን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ ዲሞክራስያውን መሰላት ኣመልኪተን ክኽተለኦ ዝድለ ፖሊሲ ንምቕራጽ ስለምንታይ ፍሉያትን ውሑዳትን ኤርትራውያን ክዕድማ መሪጸን እሞኸኣ ብምስጢር። ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ብሰላማውን ሰላማዊ ኣገባብን ጥራሕ ዝቃለሱ፡ ለውጢ ንምምጻእ ወተሃደራዊ ዓመጽ ዘይክተሉን ካብ ናይ ከባቢ መንግስታት ዘይምወሉን ክኾኑን መሪጸን። እቶም ፍሉያት ተዓደምቲ ኤርትራውያን ነዚ ዕድመዚ ስለምንታይ ተቐቢለሞ? ናይ ብሓቂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ኩነታትን ጨፍላቒ መንግስትን ብሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ክውገዱን፡ ሰላምን ደሞክራስን ክረጋገጽ ይከኣልዩ ዝብል እምነት ስለ ዘለዎም ድዩ ወይስ ካልእ ፖለቲካዊ ምስጢር ስለ ዝተሓንገጡዮም። እስከ ፈላሊና ንርኣዮ?
ሀ. ዓደምቲ ኣካላት፡- ኤውሮጳዊ ሕብረትን፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ሃገርና ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ንዓኣተን ዝተሰወረ ተርእዮ ኣይኮነን ኣጸቢቐን ዝፈልጣኦን ዝርደኣኦንዩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንጨፍላቒ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ዘካይዶ ዘሎ ግህሰት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ኣመልኪተን ብተደጋጋሚ ግዜ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ብምልዓል ክወቕሳን ክኹንናን ካብ ዝጅምራ ዓመታት ኣቑጺረን ዘለዋየን። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ንጨቋኒ መንግስቲ ህግደፍ ገለ ገለ ግዜ ከጠንቕቓኦን ከጓጥጣሉን ኣብ ካልእ ግዜ ድማ ብዝተለሳለሰ ዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ብምቕራብ ናብ ምእዙዝ መሓዛ ንምልዋጡ እናሰርሓ መጺአንየን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ገና መሊአን ዘየዋደቓኦ ዲፕሎማስያዊ ሜላአንዩ። እዘን ዝጥቀሳ ዘለዋ መንግስታት ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ተግባራት ናይቲ ኣዕናዊ መንግስትን ምሉእ ኣፍልጦ እንዳሃለወን እንከሎ ስለምንታይ ናይ መጽናዕትን ሓበሬታን ፍሉያት ኤርትራውያን ብምስጢራዊ ኣገባብ ዝመኽሩን ዝሕብሩን ኣካላት ኣድለይወን? እቲ ሓበሬታን ምምኽኻርንከ ስለምንታይ ንዝበዝሑ ኤርትራውያን ኣብ ግምት ከየእተወ ብምንፋግን ብምርሓቕን ክሰርሓ መሪጸን? ግህሰት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላትን ካልኦት ጸገማትን ብሰላማውን ሰላማዊ ኣገባብን ጥራሕ ክፍታሕ ስለ ዝኣምናን ብዝተግባር ስለ ዝሰርሓን ድየን ዝብል መሰረታዊ ሕቶታት ክንርኢ እንከለና፡ ኣብ ወጽዓን ግርጭታትን ኣብ ምፍታሕ ዘለወን ተግባራዊ እምነት ብምቕዳም ክንድህስስ እንከለና መልሱ ብቐሊል ክርከብ ዝከኣልዩ።
ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ሃገረ ዒራቕ ዝተኸተልዎ ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭት ኣብ ህዝቢ ዒራቕ ዝተራእየ ገና ዝቕጽል ዘሎን ደም ዋሕዝን ዘጋጠመ ኣካለ ስንክልናን ዝዓነወ ንብረትን ትካላትን ህያው ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎን፡ ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኣፍጋኒስታን ዝተፈጸመ ዓመጻዊ ግህሰት ሃገራውን ህዝባውን ልዑላውነትን፡ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎ ህልቂትን፡ ዕንወትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤምን ዘጋጥም ዘሎ ህልቂትን ዕንወትን ወገናዊ መርገጺአንን ከምኡውን ኣብ ልዕሊ መንግስትን ህዝብን ኢራን ዘዋጣውጣኦ ዘለዋ ፖለቲካዊ በትርን ወተሃደራዊ ምድላዋትን ..ወዘተ ብጥንቁቕ ክፍተሹ እንከለው ናይ ሰላማዊ እምነትን ሰላማዊ ኣገባብ ኣፈታትሓን ግርጭትን መግለጺ ዘይኮነስ፡ ናይ ዓመጽን ጎነጽን ኣገባብን ተግባራትን መግለጽን መረጋገጽን ጥራሕን ጥራሕንዩ። ተራ ናይዘን መንግስታት እዚኣተን ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ሃገርናን ቃልስናን ምልስ ኢልና እንተፈትሽና ድማ፡ ፍትሓውን ሕጋውን ሕቶ ህዝብና ብዋጋ እስትራተጂካዊ ጠቕመን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምሕላው ክብላ ጎስየንን ረጊጸንን ናብ ፈታዊአን ዝኾነ መስፈነ-ርእሰ ማላዊ ስርዓት ኢትዮጵያን ከም ዝቖረናኦ መረጋገጺ ዘይሓትት ኣሉታዊ ተርአንዩ።
ስለ ዝኾነ እዘን መንግስታት እዚአን ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ብሰላማውን ዘይዓመጻውን ኣገባብ ዝቃለሱ ኣባላት ብምስጢር ምምራጸን እምበኣር ኣብ ሰላምን ሰላማዊ ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭት ዘለወን እምነትን ስነ-ምግባርን ዘረጋግጽን ዝሕብርን ዘይኮነስ፡ ብኣንጻሩ ካልእ ሕቡእ ዕላማ ከም ዘለወን ዝሕበርዩ ክኸውን ዝኽእል። ንሱ ኸኣ እዘን መንግስታት እዚአተን ንጨፍላቒ ስርዓት ህግደፍ ብዝተለሳለሰ ዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ብምጥቃም ዘይመሰረታዊ ለውጢ /ጽገና/ ከተኣታቱ ምግባር ኣብ ረብሓአን ከውዕላኦ ባህጊ/ ጥሙሕ/ ከም ዘለወን ዘእምት ፖለቲካዊ ሜላዩ። ካብዚ ወጻኢ ኣህልቕ፡ ኣፍርስ፡ ጨቁን፡ ኣጋፍዕ፡ ቅተል ዝብል ስነ-ኣእምሮን ስነ-ምግባርን ዘካይድ ስርዓት ብሰላማዊ ኣገባብ ክለግስን ሰላም ምስፋን ከም ዘይከኣል እናፈለጣ ዝኽተለኦ ዘለዋ በዓል ክልተ መዕቀኒ ፖለቲካዊ ኣንፈትዩ። እዚ ድማ፡ ካብ ግሎባዊ ረብሓአን ምርግጋጽ ዘለወን ሓሳባት ብምብጋስ ከባቢና ኣብ ጽልዋን ጠቕምን ተወዳደርተን መንግስታት ከይወድቕ ንምክልኻል ዘንቀሳቕሰኦ ዘለዋ ፖለቲካዊ ውጥን ምበር ንሃገርናን ህዝብናን ካልኦት ጎረባብትናን ስለ ዝሓዘናን ዝሓለያን ኣይኮናን።
ፖለቲካዊ ውጥን ናይዘን ሓያላት ኣብ ዓለምና ዓቢ ኩለ-መዳያዊ ጽልዋ ዘለወን ንጠቕመንን ልዕልናአንን ዘቐድማ ንሃገራዊ ሓይልናን መጻኢ ሓድነትናን በሰላ ዝሓድግ ዘይቅኑዕ ተበግሶ ምንጥጣፈን ተሪር ወቐሳ ሂብካ ክቐርብን ኣብ ሃገራዊ ጉዳይና ዘርእየኦ ዘለዋ ዘይቅኑዕ ኣገንዝቦን ወስታታትን ከይቅጽላሉ ምግባር ቀጻልነት ዘለዎ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ክካየድ ዝሓትትዩ። በዚ ኣገባብዚ ድማ፡ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓለም ካብኣተን ይኹን ካብ ካልኦት ሃገራት ክርከብ ዝኽእል ዲፕሎማስያዊ ደገፋት ንምርግጋጽ ደምበ ተቓውሞና ብሓደሻ ኤ.ደ.ኪ. ከኣ ብፍላይ ኣዕሚቑ ክሓስበሉን ክነጥፈሉን ዝግባእ ኣገዳሲ መልክዕ ናይ ቃልሲዩ። ካብዚ ሓሊፉ በዚ ዝሓለፈ ኣገባብ ኣተዓዳድማአን ኣይግደሳልናንየን ካብ ዝብል ተርድኦ ብምብጋስ ኩሪያ ይኹን ምርሓቕ ምኽታል ምስ ዝህሉ ግን ጠቓሚ ስለ ዘይኮነ፡ ክምረጽ ዘይግበኦዩ። ንዝኾነ ከጋጥም ዝከኣል ዘይተገዳስነት፡ ከፋፋሊ ወስታ፡ ሰጋሪ ፈተነታት ወዘተ ኣብ ጽኑዕ ሃገራዊ ዕላማና ብምርጋጽ ውህደትን ድልዳለን ሃገራዊ ዓቕሚታትና ምርግጋጽን ንኹሉ ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ዘጋጥም ፈተነታትን ሓደጉኡ ብምምዛን ክንምክቶ ይግበኣና።
ለ. ተዓደምቲ ኣካላት /ኣባላት ስቪክ ማሕበራት ኢና በሃልትን ውልቀ ሰባትን፡ ተወከልቲ ውድባትን/
1.ኣባላት ስቪካዊ ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን፡- እዞም ባእታታት እዚኣቶም ብማሕበር ዝተወደቡ ድዮም ተኸፋፊሎም ብዘየገድስ ካብ ዘለዎም ማሕበራዊ ቦታ /ቀጸላ/ ተበጊሶም ኣብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ሃገራዊ ጉዳይ ተራ ክጻወቱ ከም ዝኽእሉ ነብሶም ዘዕገቡን ዘዳለውን ማሕበራዊ ባእታታት ከም ምዃኖም፡ ውጥን ናይተን ሃገራት ንክሳለጥ ቀዳምነት ተዋሂብዎም ከም ሓይሊ ዕማምን ውልቀ ባእታታትን ክሰርሑ ክምረጹ ባህሪያዊዩ። እዚ ማለት ግን ልሉይ ማሕበራዊ ቦታ ስለ ዘለዎም ንሳቶም ዝሰርሕዎ ይኹን ዝወፍርሉ ፖለቲካዊ ዕማም ይኹን ካልእ ቅኑዕን ንህዝብን ሃገርን ኩሉ ግዜ ዝጠቅምን ዘገልግልንዩ ማለት ኣይኮነን። ንሳቶም ዝሰርሕዎ ስራሕ ቅንዕንኡን ዘይቅንዕንኡን ብባህሪኡን ዕላምኡን ዝረአን ዝምዘንንዩ ዝኸውን። ስለ ዝኾነ እዞም ባእታታት እዚኣቶም ውጥን ዓደምቲ ኣካላት ንምስላጥ ገሊኦም ከም ሓይሊ ዕማም፡ ገሊኦም ድማ ኣባላት ብምዃን ብምስጢራዊ ኣገባብ ንነዊሕ ግዜ እናሰርሑ ናብቲ ዋዕላ ክካፈሉ ዘለዎም ኣካላት/ ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት/ ብምስጢር ተዓደምቲ ክኾኑ ከም ዘለዎም ተረኦም ብምጽዋት ካብ ዝበዝሐ ሓፋሽን ተቓወምቲ ውድባትን /ደምበ ተቓውሞና/ ተነጺሎም ዝሳስይዎ ዝጸንሑ ተራ ንሳቶም ንስራሖምን ቦታኦምን ረብሓኦምን ከመይ ይመዝንዎ ብዘየገድስ ደምበ ተቓውሞና ብኣሉታ ክጻላሎን ምትእምማን ክስእንን ኣብ ምግባር ቀሊል ዘይኮነ ታሪኻዊ ጌጋ ፈጺሞምዮም። እቲ ዝዓበየ ጌጋኦም ከኣ፡ እቲ ጌጋ ምስ ተፈጸመን ንኹሉ ኣባል ደምበ-ተቓውሞ ምስ ተንከፈን ዕረፍቲ ብዘይብሉ ኩነታት ምስ ኣዛረበንውን እንተኾነ ንዝፈጸምዎ ጌጋ ክቕበሉ ድልዋት ዘይምዃኖምውንዩ።
ብኣንጻሩ እቲ ዝተኸተልዎ ኣገባብን ዕማምን ንሃገርን ህዝብን ይጠቅምዩ ብምባል ከሰላስልዎ ከም ዝጸንሑ በዚ ኣቢሎም ዝሰፍሐ ሓይሊ ክሳተፈሉ ዝኽእል መድረኽ ንምድላው ይጽዕሩ ከም ዝጸንሑ ብድኹምን ምስምሳዊ መግለጽን ንጉድለታቶም ከፋኹሱን ክሸፋፍንዎ ይፍትኑ ምህላዎም ካብ ጌጋኦም ገና ዘይተማህሩን ክነጥፍሉ ዝኽእሉ ፖለቲካዊ ባይታ ክሳብ መሊኡ ዘይነጸፈን ዘይተዓጽወን ነቲ ዘይድገፍ ተበግስኦምን ተልእኾኦምን ክቕጽልሉ ምዃኖም ዝሕበር ኩነታትዩ ዝረአ ዘሎ። ብቐንዱ ኣብ ክልዚ ርእይቶን ምርጫንዚ ዝተወሰኑ ባእታታት ኣባላት እቲ ጉጅለ ብዝፈጸምዎ ጌጋ ኣብ ክንዲ ዝጠዓሱ ንተሳትፎኦም ብዕግበት ክገልጹ ዘይክእሉ ከም ዘልውውን ይፍለጥዩ። ይኹን ደኣምበር፡ ኣብ ዝሰርሕዎ ስራሕ ንጹር ገምጋም ብምግባር ነብሶም ክሳብ ዘይነቐፉን ርእይቶኦም ዘየመዓራረዩን ግን ብንጽህና ይኹን እርማት ክግለጹ ኣይካኣልንዩ። እዞም ተወከልቲ ኣባላት ዝተፈላለዩ ስቪካውያን ማሕበራትን ውልቀ-ሰባትን ኣብ ተታሓሒዞም ዝጸንሑን ዝቕጽልሉ ዘለው ግጉይ ፖለቲካዊ ስራሕ ክእርሙ ወይ ተሳዒሮም ኣእዳዎም ክእርንቡ ንምግባር ምበኣር ቀዳምነት ናይ ምእላዮምን ምርዳኦምን ሓጋዚ ዝኾነ ቃልሲ ክካየድ ይግባእ።
በዚ ኣገባብዚ ድማ፡ እንተተኻኢሉ ኩሎም ግቡእ ተረድኦ ብምሓዝ ኣብ ሃገራዊ ቃልስና ኣወንታዊ ተራ ክጻወቱ ክኽእሉ ብዘይ ምስልካይ ምጽዓር። ኣይተኻእለን ከኣ ብዘይ ዓሚቕ ፍልጠትን ተረድኦን ምድንጋርን ነቲ ዕማም ዝተሳተፍዎ ባእታታት ናብ ዕሩይ ቦትኦም ክምለሱ ንምግባር ሓጋዚ ቃልሲ ብምክያድ ምስቶም ውልቀ ጠቕሞም ይኹን ክብሮም ንምሕላው ክብሉ ዝደረቑ ባእታታት ድማ ንጹር ቃልሲ ምክያድን ኣብቲ መስርሕ ዓውዲ ህዝባዊ ቃልሲ ምስጋሮምንዩ እቲ ብሕታውን ናይ መወዳእታን ምርጫ። ኣንጻር እዞም ውልቀ ባእታታት ዝካየድ ቃልሲ ዓወት ክጭበጥ ዝከኣል ድማ ምስቶም ዓደምትን ሰብ ውጥንን ዝኾኑ ኣካላት መንግስታት ዝግበር ምርድዳእን ቃልስን ዝውስኖዩ ዝኸውን።
ካልኣይ ክፋሉ ይቕጽል
ዕለት 15.12.2009