ተላዓል ኤረትራዊ ሰብኣይ ምስ ሰበ&#484
نشر من قبل omaal في 08:03 مساء - 26 05 1432 هـ (29 04 2011 م)

ተላዓል ኤረትራዊ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ

ንማዕበል ሓፋሽ የብሉን ዓጋቲ

ራባዓይ ክፋል

ብ ገብረሚካኤል ሃብተጽዮን፡ ቑሪጀ ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ተላዓል ኤረትራዊ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ

ንማዕበል ሓፋሽ የብሉን ዓጋቲ

ራባዓይ ክፋል

ብ ገብረሚካኤል ሃብተጽዮን፡ ቑሪጀ ጀርመን

ንስልጣን ህዝብና ዝሰረቁ ዝዓመጹ

ሓዎም ሓብቶም እንዳሞቱ ዘይድንግጹ

ንክትሰምዖ ዘገርምዩ ዘደንጹ

እቶም ገለ ካብ ስግር ዶብ ዝመጹ

ሓታቲ ዘይብሎም ዝቐትሉ ዝቆርጹ

ንብረት ህዝብና ዝዝርፉ ዝዕምጹ

ካብ ቤት ትምህርትታት ዝበዝሕ እስሪቤታት ሃኒጹ

ክሳብ ማዓስ ዮም ብህዝቢ ከላግጹ

ብ ኢሳያስዊ ተዋፊሮም ንደገ ዝወጹ

ንህግደፍ ከይትትንክፍዎ እንዳበሉ ዘድምጹ

ዘረብ ኦም ጨለታት ዝወርጸጹ

ሕልንኦም ዝሸጡ ተስፋ ዝቖረጹ

ምስ ህግደፍ ምሽራክ ዝመረጹ

ንድሕነት ህዝብና ዝዕንቅጹ

ንምልኪ ከንግሱ ንፍትሒ ክጉዕጽጹ

እቶም ኣጋፈርቶም ግን የድንግጹ

ከም ባዓል መስከረም ነት ትፍኦም ዘልምጹ

ብበዓል ዓሊ ዓብዱ ዝምወሉ ሕልንኦም ዝሸጡ።ክወግሕዩ ቲ መረት ኣታ ከዳዕ ጠላም

ድግዲጊት ተዓጥቕካ ንጹሃት ንምጽላም

ኣብ ክንዲ ንፍትሒ ትቃለስ ንሰላም

ስራሕ ገዛ ወሲድካዮ ሓሶታት ንምእላም

ተታሓሒዝካዮ ንሓሶት ከም ዕማም

ሓቂ ንምዝራብ ካብ ኮነካ ሓራም

ኢደ በይዛዶ ክብለካ ከዳዕ ጠላም

ዓቢ ገበን እዩ ንህዝብኻ ምጥላም

ቀሪቡዩ ክቅንጠጥ ቲ ጸላም።

ህዝቢ ካሓተኩምዩ ክጻባጸብ

ይስንድዩ ዘሎ ሓሶታትኩም ኣብ መዝገብ

ኣታ ሕድሪ ስዉኣትካ ጠሊምካ ብህግደፍ ትዕሰብ

ንዓ ግደፍ ተናሳሕ ምስ ህዝብኻ ተላዘብ

ይኣክል የብቅዕ ሸለብ ገለብ

ህዝቢ ተላዒሉዩ እንሆ ይሻባሸብ

ቃልስና ቀጻሊዩ ዋላ ምድረ ሰማይ ክንዲ ዕንቁ ትጽበብ።

እቶም ንህዝቢ ረጊጾም ዝሓስቡ ክመርሑ

ብህዝቢ ዘይምእዘዙ  ዘይግርሑ

በገግ ኢሉ እንሆ ወጊሑ

ጸሓይና በሪቓ እንሆ ጸቢሑ

ክፍታሕ እዩ እሱር ካብ መቁሑ

ንህዝብኹም ዝበደልኩም ተናስሑ

ንዑ ደኣ ወጊድ በልዎ ምስ ህዝብኹም ስርሑ

ወለዲ ጸሞም ይውዕሉ ኣለዉ ከይተመስሑ

ሃገር በረውረው ኢሉ ተሪፋ ጥርሑ

ኣደታት ማድየን መልክዔን ተጀሊሑ

ንህዝብና ኣርዕዶም ስልጣኖም ከናውሑ

ባይቶ ዓደቦና ኣፍሪሶም ባይትኦም ክሰርሑ።

       ይቅጽል

ፍቅርን ስንትን ንህዝብና

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍን ዑሱባቱን