ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ&#46
نشر من قبل omaal في 06:14 صباحا - 29 05 1432 هـ (02 05 2011 م)

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

መበል 14 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡ እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

መበል 14 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡ እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ሓርበኛታት ተቓለስቲ ታኣኪቦም ንመጀመርያግዝየ ንመርዛም ገበል ስእሊ ኢሰያስ ሓዊ  ምስ ኣንደዱ፡ ሹዑ ሰንቢዱ ዓሊ ዓብዱ፡ ናብ ወናኒ መስከረም ጭር ኣቢሉ ጉድ ተረኺቡ ስእሊ ኢሱ እንበር ነዲዱ እንዳበለ ናብ ቲ ዑሱብ ኣለም ቢኢዱ፡ ንውድባት ንከጸልመን ስልኪ ደዊሉ ዕብድብድ ኣትይዎ ናይ ሓሶት ሚንስተር ኣብል ስርዓት ማፍያ  ዓሊ ዓብዲ። ወዮ ዑሱብ ትቕብል ኣቢሉ ናይ ወያነ ዶ ብጀነራል ኣማረ ዝ እዘዙ ዶ ምባል ጀሚሩ ከላእ ንዲግዳ ሃሎውሎው ኣይትበሊ፡ ክፍደዩ ቲ ሕነ ስእልኹም ዘይኮነ ቢሂወትኩም ሓዊ ክትነዱ፡ ውረዱ ውረዱ ብህዝባዊ ባርዕ ከይትልብለቡ፡፡ሕጂ ኢድኩም ሃቡ።

ካብ ኖርወይ እሽታባንገር  ትማሊ

ጡዑም ወረ ሰሚዔ ደስ ኢሉኒ

መንእሰይ ጸረ ህግደፍ ተላዒሉ ብዕሊ

ኢሉ ኣብ ለውጢ እጃሙ ከበርክት ኣሎኒ ።

ደጀን ህግደፍ ኣብ ኖርወይ ተደፊሩ

ኣብ ሽታባንገር መንእሰይ ነዲሩ

ህግደፍ ደጊም ቀሪቡ ቀብሩ

መንእሰያት ምቅዋም ካብ ጀመሩ።

ኣዊያት መንእሰያት ኣጽሚምዎ

ንዓሳ ነባሪ እኳ ኣስደሚምዎ

ኢሉ ንስርዓት ሸፋቱ ማሓዉዎ

ማሓዉዎ ንህዝብኹም ክርህዎ።

ክድሕን ካብ ሳሃራ ውቅያኖስ ባሓሪ

ኣብ ሃገረይ ክነብር ብኽብሪ

ክኸውን ሕድሪ ኣያታተይ ኣተግባሪ

ደስ ኢሉኒ ክኸውን ተማሃሪ

ተማሂረ ክኸውን ኣስተምሃሪ።

ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ

እንተዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ

ህዝቢ ይብል ኣሎ ኣድሑኑኒ

ህግደፍ ምስ ፈረሱዩ ዝጥዕመኒ።

ብላዕ ዘይበልዎስ ጽብሑለይ በለ

ካብ ዝተበጀወስ ሓሶት ዘቃባበለ

ህዝቢ ዘይመረጾ ፕረስደንት ካብ ተባህለ

ንባርነት ምዕባለ እንተተባህለ ቲ ዝቐለለ።

ንናይ 20 ዓመት ባርነት ክብዕሉ ዞኽዞኽ

መቃባበልቲ ወረ ዝብሉ ከም ትኪ ቦኾኽ

እቶም ወገሔጸብሔ ናዓዲ ዝብሉ ሎኽሎኽ

ንፋሽሽታዊ ኢሰያስ ከሕጉሱ ዝብሉ ወደኽደኽ።

 ተቃወምቲ እንታይ ዘይገበርና

ውድባት ሰልፊ ሲቪክ ኩሉና

ንህግደፍ ንቃወም ንሓና

ህግደፍ ሉኡኻቱ ይሰደልና

ንሕጎስ ኣሕዋት ረኺብና ኢልና

እንተ ንሶም ግና

ተልእኾኦም ክዘርጉና

ህዝቢ የማርር ናዓና

እንታይ ዘይገበርና።

ፖሎቲከኛታት ታኣሲሮም ኢልና

ሰላማዊ ሰልፊ ንገብር ንሓና

መንእሰያት ጥሒሎም ቢልና

ከይተሓለልና  ምስ ኣእወና

ኩሉ ብድቅሱ ይዋራዘ ባኣና

ዘረባ ገዲፍኩም ሳዓቡና

ሓሕ ክንብሎም ንሰብ ደምና

ሰላም ቅሳነት ክሰፍኖ ሃገርና።

እንተ ንሕና ግና

ከምቲ ቱኑዝያዊ ዝበሎ ሰይብና

ሕድሪ ጀጋኑ ከይንጠልም ቢልና

ኣብ ቃልሲ ኣሪግና

ካብቶም ንቃለስ ጉልባብና ቀሊዕና

ናይ መልሓስ ተቓለስቲ ትበዝሑና

ኣብ ግብሪ ግና

ናብ ሰላማዊ ሰልፊ ምስ ዓደምና

ትብሉ ስራሕ ኣሎና መገሻ ኣሎና

ወይ ተቓለሱ ወይ ኣፍኩም ሓዙልና።

ንታሓጋገዝ ምውርዛይ ይትረፍ

ኣይንታዓዘብ ኤረትራዊ ክቅዘፍ

ጸረ ፋሽሽታዊ ኢሰያስ ንንጠፍ።

ይቅጽል

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን