መግለጺ ሓዘን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮ&#463
نشر من قبل omaal في 07:15 صباحا - 14 06 1432 هـ (17 05 2011 م)

ENCD March 2011.jpg

መግለጺ ሓዘን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

 


تفاصيل الخبر

ENCD March 2011.jpg

መግለጺ ሓዘን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብምስዋኣቲ ክቡር ሓርበኛ ተጋዳላይ ዓብደላ እድሪስ ማሐመድ ዚትስሞዖ ከቢድ ሓዘን እናገልጸ፡ ንኩቡር ገዲም ተጋዳላይ  ዓብደላ እድሪስ መንግስተ ሰማይ ክወርስ እናተመነየ፡  ንስድራ ቤቱን የዕርክቱን ብጾቱን፡ ህዝብን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል። 

ክቡር ሓርበኛ ተጋዳላይ ዓብደላ እድሪስ መሓመድ ነጻነት ጋህዲ ብድሕሪ ምግባር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ኮሪዑ፡ ኩሉ ሰብኣዊ ይኹን ደሞክራስያዊ መሰሉን ማዕርነቱን ተኸቢርሉ ብሕድሕድ ምፍቅቓድን ምፍቅቓርን ንክነብር፡ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ፡ ዝበዝሕ ዕድሚኡ ኣብ ቃልሲ’ዩ ኣሕሊፍዎ። ነቲ ቅድሚ 45 ዓመት ዝተጸንበሮ ህዝባዊ ቃልስን ዕላማን ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ንጸረ ሰላምን ደሞክራስን ዚኮነ ስርዓት ህግደፍ ብምእላይ፡ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ  ንምትካል ኣብ መስርሕ ቃልሲ ከሎ’ዩ ብስንኪ ዝሓደሮ ሕማም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

እቶም ቅርሲ ሃገር ዝኾኑ ገዳይም ሓርበኛታት ተጋደልቲ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት መድረኽ ነጻነት እንታይ ረኺቦም ኢልና ምስ ንሓትት፡ ብስንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝተኸተሎ ብሓትን ኣግላልን ፖሊስታት ኣሽንኳይ’ዶ ኣብታ ዝተቓለሱላ ኤርትራ ጥዑም ኣየር ነጻነት ክስተንፍሱ፡ ካብዚ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልዩ ኣብ ሃገሮም ክቕበሩ ዝተኸልኸልሉ ኩነታት ምህላው ብጣዕሚ ዘጉሂ ተግባር’ዩ። ገለ ካብኣቶም’ውን ብዘይብቁዕ ምክንያት ኣብቲ ሕሱም ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ተሓይሮም ኣብ ነጻ ቤት ፍርዲ ዝቐርብሉ ዕድል ተሓሪሞም ዝተሰወርሉን ዝሓቕሉን ክውንነት’ዩ ዘሎ። ተጋዳላይ ዓብደላ እድሪስ’ውን ምስቲ ምሉእ ሂወቱን ዕድሚኡን ንነጻነት ኤርትራ ምሃቡን ምቅላሱን ከም ክቡር ሓርበኛ ኣብ ሃገሩ ሓመድ ኣዳም ክለብስ ዕድል ምስኣኑ ኣዝዩ ዘሕንክ’ዩ።

ኩላትና ደለይቲ ፍትሒን፡ ዲሞክራሲን፡ ቅርሲ ሃገርና ዚክኑ ሓርበኛታትን ጉቡእ ክብሮም ንኪርክቡን፡  ነቲ ድልይተን ባሓጊን ሱዋኣትና ኣብ መፍጸምቱ ከነብጽሖ፡ ንቲ ራእይን ሓረርታን ሱዋኣትና ኩዉን ንምግባር ድርብ ጻዓርታት ክንካይድ፡ ዳግም ቃልና ከንሕድስ እዋኑ ዚጥልቦ ምካኑ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ያኣምን፡፡  ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢይ ምስ ንእሽቶ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ፡ ኹሎም ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ፡  ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ ናይ ሓባር ዓውደ ቃልሲ፣ ነዚ ተበጊሱ ዘሎ ናይ ለውጢ መስርሕ ንምቅልጣፍ ዝግበር ዘሎ ሃገራዊ ጻውዒት ሰሚዕኩም፡  በብዓቕምኹምን ሞያኹምን  ንሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ፡ ኣብ ሃገርና ፍትሓውን ቅዋማውን ስርዓት ንምህናጽን ዘይሕለል ድልውነትን ተወፋይነትን ከነርእዩ ይጥለቡ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ደጊሙ ብመስዋእቲ ዓብደላ እድሪስን ምስቲ ኩሉ ሓርበኛዊ ታሪኹ ኣብ ሃገሩ ክቅበር መሰል ምንፋጉን ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንሱ መንግሰተ ሰማይ ክወርስ፡ ንምሉኣት ስድራ ቤቱን ብጾትን ፈተውቱን ህዝብን ከኣ ጽንዓት ክህቦም ትምኒቱ ይገልጽ።

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ዝኽርን ክብርን ንስውኣትና!!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

07 ግንቦት 2011

www.encdc.com