ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ&#46
نشر من قبل omaal في 05:25 صباحا - 17 06 1432 هـ (20 05 2011 م)

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

መበል 17 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርምርን

 


تفاصيل الخبر

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

መበል 17 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርምርን

ያኣክል ቀሚሽ ኣደይ ሓንኵሉኒ፡

ኣብ ኣውሮጳ ዘለኻ ተቓዋማይ

ኣብ ዓዱ ሩፍታ ክረክብ መንእሰይ

ክድሕን ካብ ምድረበዳ ቀላይ

ወጽዓ ህዝብና ክንገልጽ ናዓናይ

ያኣክል ክንብሎ ንስርኣት ውሳይ።

እቶም ተቃወምቲ ኢና ትብሉ

ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ሕጂ ተኻፈሉ

ኣይሰማዕናን ተቐባልንተ ነይብሉ።

 ኤረትራዊት ኤረትራዊ

ኣይትኹን መማዕደዊ

ተቓውሞ ኣስምዕ ቁስልኻ ካሓዊ።

እንታይ ገርካ ተባሂልካ ከይትሕተተ

ህዝባዊ መጸዋዕታ ተቐቢልካ ክተተ

ምስ ሓርበኛታት መክት ሓቀኛ መኸተ።

ተቓዋማይየ ዝብል ሕጂ ደገ ይውጻእ

ተበገስ ንብሩሰል ኣይትበል ሰጋእ

ድምጽኻ ኣስምዕ ኣይትታሓባእ

ካብ ንሰብ ሓባን ኒሕን ምጽባእ።

 ንጽናዕ ኣይንበል ዘልሓጥሓጥ

ሕጂዩ እዋኑ ምስ ህግደፍ ምፍጣጥ

ከም ቀደምኩም ማዓንጣ ኣብሉዎ ገጥ

ስረ ብቑልፊ ታዓጢቓ ትበል ቀጥ።

ሰብ ናብ ሰቡ ዝብኢ ናብ ገረቡ

እንቢ ንምልኪ ክንብል ኑዑ ታኣከቡ

ኣብ ንብሩሰል ጥርዓን ክተቕርቡ

ደቅኹም ሓቝፍኩም ብዙሕ ኣይትዛረቡ። 

ድምጽና ክነስምዕ ንኺድ ንብራስለስ

ፋሽሽታዊ ስርዓት ህግደፍ ክሕመስ

ብደገ ንኽላኣዮ ፖሎቲካው ድቃስ

ሓሞቱ ክፈስስ ህዝቢ ኤረትራ ክሕጎስ።

ሰላማዊ ሰልፊ ተዳልዩሎ

ወጽዓ ህዝብና  ክንገልጽ ንዳሎ

ክነጋልጾ ነቲ መንእሰያትና ዝጽንት ዘሎ

ንፋሽሽታዊ ኢሰያስ ያኣክል ክንብሎ።

ክንጨርሕ ሓቀኛ ጭርሖ

ጭፍራ ህግደፍ ክሞሖ

ዑጹው ህድሞ ክሮሖ።

ሑቡኣን´´ ተቓወምቲ ተቓሉዑ

ተቓውሞ ክተስምዑ

ንብሩሰል ትጽዉዑ

ንህዝቢ ክንነግረሉ ወጽዑኡ።

ኣኺላ ናይ መጸዋዕታ ሳዓት

ክንጸር መንዩ ልሳን ዉጹዓት

ክጋለጹ ተቓወምቲ ናይ ጸልማት

ጽርጊያ እንተዘይ ወጽ ብትብዓት

ከይተቓለስካ ኣይምዝገብን ዓወት።

መንዩ ተቓዋማይ ሕጂ ይፈለጥ

ደገ ዉጹ ቲ ፍርሂ ይቀንጠጥ

ሕጂስ ያኣክል ቀበጥበጥ።

ናይ መልሓስ ተቓዋሚ

ኣይኮውንን ንህዝቢ ጠቕሚ

ብሃውሪ ኣይፍታሕን ሕልሚ

ግቡእካ ግበር ካብ ታሓሚ።

ኑዑናይ ነእዊየሉ ንህዝብና

ኣብ ንብሩሰል ነስምዕ ድምጽና

ንፍትሕን ሓርነትን ነስምሮ ቅልጽምና። 

ብዘረባ ዲክተተር ኣይብዳህን

ዓቕምና ንግበር ህዝቢ ክድሕን

ንብሩሰል ንኺድ ንህግደፍ ክንኩንን

ከይተቓለስካ ቅሳነት ኣይርከብን።

              ይቅጽል

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘንበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን