ዝተረፉ እንተ ኣድሓና
نشر من قبل omaal في 08:13 صباحا - 20 06 1432 هـ (23 05 2011 م)

ጻዊዒት ንስላማዊ ሰልፊ

ሓንቲ ማዓልቲ ሓቦ ታሪኽዩ ተራፊ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ጻዊዒት ንስላማዊ ሰልፊ

ሓንቲ ማዓልቲ ሓቦ ታሪኽዩ ተራፊ

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ከምቲ ስነጥበባዊ ነፍሲሄር ዮኑስ ኢብራሂም በቲ ጥዑም ድምጹ ዝዘየሞ)ኑዑ ታኣከቡ ንፋስ ዘእቱ ቀዳድኩም ለግቡ፡ ኣታ  ኤረትራዊየ ትብል እዚ እንተኾይኑ ትሕዝቶኻ ፈሺልካ ኣኺሉካ ክብል ዘይሙ፡ ታሪኽ ገዲፉ ሓሊፉ። እንባኣር ካብዚ ብምብጋስ ኣነ ውን ንህግደፍ ክንምክት ብግጥሚ መጸዋዕታ ንሰላማዊ ሰልፊ ስለቶም መንእሰያት ኣብ ሳሃራን ውቅያኖስን ዝሃልቁ ዘለዉ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ክንካፈል እላቦ።

 

                  (ድሕነት ህዝብን ሃገርን ነቐድም)

ሓው ሓፍቲ ተኻፈሉ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ

ሓንቲ ማዓልቲ ሓቦ ታሪኽ ዩ ተራፊ።

ኤረትራዊየትብል ግበር ጉቡእካ

ተቓለስ ንሓርነትካ

ጸረ ምልኪ ኣስምዕ ድምጽኻ

ሓንቲ ማዓልቲ ዕረፍቲ ሓቲትካ

እዚ እንተ ዘይገበርካ

ተቓዋማየ ምባል ይትረፍካ።

(መን ዩ )

ዘረባ ገዲፉ ዝኸውን ግብራዊ

ጸረ ህግደፍ ዝምክት ኤረትራዊ

ዓገብ ክንብል ተዳሎ ተዳለዊ

ክነጋልጾ ንኢሰያስ ተጃሃሩ ሓሳዊ

ድሉው ኩን ኣይኹን መማዕደዊ።

ኤረትራውነት ኩቡር ዋጋ ዝተኸፈሎ

20 ዓመት ባርነት ያኣክል ክንብሎ

ኣዊያት መንእሰያት ክንነስምዕ ንዳሎ።

ንኺድ ንብሩሰል ንህዝብና ክንኮኖ ግንዖ

ስለምንታይ ዝውሕዝ ዘሎ ደም ህዝብና ንዝንግዖ

ወጽዓ ህዝብና ንዓለም ዘይነስምዖ

ድምጽና ሰሚዑ መንእሰይ በውሽጢ ክንዖ።

ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ

ጸላኢ የባርሩ

ንኢሰያስ ምስ ጭፍርኡ ያኣስሩ። 

ኣይሰማዕናን ከይትብሉ

ደጋጊምና ንዕድም ክትነቕሉ

ጻዊዒትና ተቐበሉ።

ንሓንቲ ማኣልቲ

ንኹን ክንዲ ህዝቢ ተማጎቲ

ክንብል ናይዚ ህልቀት ህግደፍዩ ታሓታቲ

እንቢ ንምልኪ ንበል ንታኣከብ ካብቲ ካብቲ።

ካብ ሙሉእ ኣውሮጳ ተኣኻኪብና

ኣብ ብሩሰል ይኹን ቆጸራና

ክንገልጽ ወጽዓ መንእሰያትና

ዝተረፉ እንተ ኣድሓና

ተስፋ እንተ ገበሩ ኣሓትና

ምስ ወግሔ ከይሓቱና

ተቓውሞ ክነስምዕ ይግባኣና

ኣብ ዓዶም ቀሲኖም ክነብሩ መንእሰያትና።

ኣብ ክንዲ መዝግቡና

ትብሉ ስራሕ ኣሎና

ጸኒሕኩም ኣይክውሕዱ ትብሉና

ድቅስ ሓዲርኩም ትዋራዘዩ ባኣና

 ወይ ኑዑናይ ምሳና

ወይ ኣፍኩም ሓዙልና።

ንሓንቲ ማኣልቲ ሓቦ

ጽርጊያ ክንመልኦ ንያት ክኾኖ ንዓደቦ

ድምጽና ሰሚዑ መንእሰይ ክወርድ ካብ ጎቦ

ከም እሳተጎሞሮ ንስለያ ክልብልቦ።

ትኽስ ኣይትበሉ ክፍደዩ ቲ ሕነ

ንበል ኢሰያስ ወካሊ ህዝብና ነይኮነ

ንስርዓት ህግደፍ ኣፍሪስና ብሕጊ ክንዳነ።

(ዑሉም ዘሮጋ)

እዛ ሃገር ሓራ ዝኾነት ብደቃ

ያዕ ንበሎ ንሸፋቱ ቀርኒ ኣፍሪቃ

ናይ 20 ዓመት ባርነት ያኣክል በቃ

ኣብ መበል 21 ዓመታ ዳግማይ ክትህነጽ ኣጸቢቓ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን