ጸብጻብ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሎ&#47
نشر من قبل omaal في 08:24 صباحا - 20 06 1432 هـ (23 05 2011 م)

ERITREAN YOUTH MOVEMENT.jpg

ER youth Movement London 2011 B.jpg

ብሓልዮት ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ዝተዳለወ ብቀዳም 21 ግንቦት ሰፊሕ ሰለማዊ

 ሰልፊ ኣብ ከተማ ሎንደን ተኻይዱ። እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ሳዓት 1፡00  ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ

 ካብ  Kings Cross Station ክሳብ ኣፍደገ ኤምባሲ ስርዓት ኤርትራ ን45 ደቓይቕ ብናይ እግሪ

ግዕዞ ድሕሪ ምምራሽ ክሳብ ሳዓት ሓሙሽተ ቀጺሉ ኣምሲዩ።

 


تفاصيل الخبر

ERITREAN YOUTH MOVEMENT.jpg

ጸብጻብ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሎንደን

ER youth Movement London 2011 A.jpg

ብሓልዮት ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ዝተዳለወ ብቀዳም 21 ግንቦት ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሎንደን ተኻይዱ። እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ሳዓት 1፡00  ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ካብ  Kings Cross Station ክሳብ ኣፍደገ ኤምባሲ ስርዓት ኤርትራ ን45 ደቓይቕ ብናይ እግሪ ግዕዞ ድሕሪ ምምራሽ ክሳብ ሳዓት ሓሙሽተ ቀጺሉ ኣምሲዩ።

ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ጨቋኒ ስርዓት ዝዓለመ ምእንቲ ብሩህ መጻኢ ዕድል ህዝብና ኮይኑ፡ ሕቶኡ ድማ “ ድልየት ህዘቢ ስርዓት ንምእላይ “እዩ ነይሩ። ቀጺሉ እቲ ብምኽንያት ሰለማዊ ሰልፊ ዝተዳለወ፡ ኣብዚ ውሽጢ ዕስራ ዓመት ዘሕልፎ ዘሎ ስርዓት ኤርትራ ዝጠንቁ፡ ፓለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን መከራ ዝገልጽ ጽሑፍ ( Memo ) ብክልቲኡ ቋንቋታት ኣብቲ ሰለማዊ ሰልፊ ድሕሪ ምንባቡ ንስርዓት ኤምባሲ ኤርትራ ተላኢኹ።

ብድሕሪኡ፡ ዝተፈላለየ መደረ ካብ ዝተፈላለዩ ኣባላት ፓለቲካውያን ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብጭሮሖ ተሰንዩ ብሓደ ድምጺ “ ይኣክል ንዕስራ ዓመት ጭቆና” ዝብል እዩ ነይሩ።  ኣብ መጨርሽታ፡ እቲ ሰለማዊ ሰልፊ ከምቲ ተመዲቡሉ ዝነበረ ሳዓት 17፡00 ብዓወት ተዛዚሙ።

ER youth Movement London 2011 B.jpg

ER youth Movement London 2011 C1.jpg

ዓወት ንፈታው ሰላምን ደላይ ለውጢ ዲሞክራስን

ውድቀት ንስርዓት ኤርትራ

22.05.2011