መደምደምታ መበል 20 ክፋል
نشر من قبل omaal في 05:48 صباحا - 25 06 1432 هـ (28 05 2011 م)

መደምደምታ መበል 20 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

BARHA OQBAZGE.jpg

 

 


تفاصيل الخبر

ክቅንጠጥዩ ቲ ጸልማት ክፍደ ቲ ሕነ

መደምደምታ መበል 20 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 BARHA OQBAZGE.jpg

(ግዝኣተ ሕጊ ይንገስ ስርዓት ሕጊ ኣልቦ ይደምሰስ)

ብዙሕ ዋጋ ዝተኸፈላ ነጻነት

ጻማ መስዋእትና ጽንብል ናይ 20 ዓመት

ኣብ ትሕቲ ዘይፍትሓዊያና ተባዒላ ታ ዕለት

እንቢ ንምልኪ እወ ንሕርነት

እንቢ ንባርነት ንምኪ ስዕረት

ህግደፍ ኣሊና ክነብር ብቅሳነት።

ህዝቢ ይፈልሖሎ ደሙ ግደፉ

ቀሺ ሸኽ አይትግፈፉ

አደብ ግበሩ ህዝቢ ከይመዝዝ ሰፉ

ብሓለንጊ ውጹዓት ከይትግረፉ።

ኣብ ውሽጢ ዚን 20 ዓመታት

ሓርነት ተሳኢኑ ነጊሱ ጊላነት

መግዛእቲ ሲዒርናስ ናብ ብርነት።

እዚ ድዩ ናይ 20 ዓመት ሓበን፡

ህግደፋዊያን ሕደጉና

ስድራ ስዉኣት ሓጊዝና ኣይትበሉና

እንቢ ንምልኪዩ ሓገዙ ህዝብና

ንደንበ ሸፋቱ ምስ ኣፍሪስና

ህዝባዊ መንግስቲ ምስ ተኸልና

ክንድብሶም ስድራ ሰማእታትና።

ብደገን ብውሽጥን)ብኢሰያስ ዝተመልመሉ ሃሱሳት መዝግቡ)

ኣስማት ሃሱሳት ይመዝገብ

ወረ ከቃባብሉ ዝብሉ ሸለብ ገለብ

ግብሮም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክንበብ።

ንዛተ ሞ እንዳባ

ምዝራብ  ጡዑም ዘረባ

ንስለ ህዝቢ ንግበር ኣኸባ

ስዉኣትና ክኸቦም ዕንበባ።

እወ)ወደባትዩ ዋና መረቱ

ያኣክል ምሕደራ ሸፋቱ

ንሓርነት ንፍትሒ ክተቱ

ሕጂ ጸረ ምልኪ መክቱ።

(ዑሱብ)ክፍደዩ ቲ ሕነ ዕረ እንዳ ጣዓመካ ክትውሕጦ)

መልሓስኩም ኣደብ ግበሩሉ

ክሳብ ህዝባዊ ፍርዲ ትቕበሉ

ሕድሪ ዝጠለሙ ናይ ውሽጥን ደገን ተዃሉ።

ገለ ስድራ ጸኒታ ብምል እታ

ሃገር ብዉሑዳት ተገቢታ

ዕስራ ዓመት መመላእታ

ቡኡኩባት ሰብ ብረት ተሳኢኑ ሩፍታ።

መስዋእቲ ዘይከፈለት ገዛ የላን እንዳ በልኩምና

ከመይ ደኣ ኮይኑ 65 ሽሕ ቁጽሪ ስዉኣትና

ዶ ህዝቢ ኤረትራ 65 ሽሕ እዩ ቁጽርና

ሰነዳት ሰማእታትና ንጠርንፎ ኣቐዲምና

ቃላት ገበነኛ ኢሰያስ ከይደገምና

65 ሽሕ እዮም ስውኣትና እናበልና።

20 ዓመት ሃገር ኣጸልሚቶም

ካብ ደገን ውሽጥን ዘሪፎም

ንናይ 20 ባርነት ሓበን ሰምዮም

ሕጂስ ንማራመረሎም

እንበር ዶ ናትና እዮም።

ሕጂስ)መንእሰይ ናይ አያታቱ ወሪሱ

እጅግኡ ሰብሲቡ ተበጊሱ

እንዳ በለ ሎሚዶ ጽባሕ ትፈርሱ

ኢድኩም ሃቡ ከይገበረኩም ቁርሱ።

ጽንብል መበል 20 ዓመት ናጽነት ንሙሉእ ህዝቢ ኤረትራ ዘይኮነስ ንውሕዳት።

 ስለዚ ንጭፍራ ኣሊና  መበል 21 ዓመት መላእ ህዝቢ ኤረትራ ዝሕጎሰላ

 ደሞክራስያዊት ኤረትራ ክትህነጽዩ ቃልስና)

ንልእላውነት ሃገርና ክንከላለል ሕድሪ ሰማእታት ኣሎና)

ብካልእ ኣርእስቲ ክሳብ ንራኸብ ሰላም ቀንዩ

ስርዓት ሕጊ ኣልቦ ክሳብ ዝሳዓሩ ግጥመይ ቀጻልዩ

ሕድሪ ሰማእታትና ብደሞክራስያ ክካእዩ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ) ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና)

 ኤረና ንለብዘበን እንበር ን ዓመታስ ሸዊት ለምለም)

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን