ኣብ ሽመልባ 23 ኣባላት ዝሓቆፈ ተሓጋ&#
نشر من قبل omaal في 09:52 صباحا - 28 06 1432 هـ (31 05 2011 م)

ENCD March 2011.jpg

ኣብ ሽመልባ 23 ኣባላት ዝሓቆፈ ተሓጋጋዚ ህዝባዊ ሽማግለ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ተመዚዙ

 


تفاصيل الخبر

ENCD March 2011.jpg

ኣብ ሽመልባ 23 ኣባላት ዝሓቆፈ ተሓጋጋዚ ህዝባዊ ሽማግለ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ተመዚዙ

ENC ADISABABA May 2011.jpg

ብ18 ግንቦት 2011 ኣብ መደበር ስደተኛታት ኤርትራውያን ሽመልባ፡ ብልኡኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን  ንካልኣይ ጊዜ ህዝባዊ ኣኼባ ምስልሳሉ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ሓቢሩ። ኣብዚ ህዝባዊ ኣኼባ’ዚ ከባቢ 200 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብድሕሪ ምርካብ፡ ብዛዕባ ውጽኢት ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ዝተመሓላለፉ ፖሎቲካዊ ውሳኔታትን ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡ። ብተወሳኺ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክጋባእ ዝተወሰነ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት፡ ተጀሚሩ ዘሎ ሰፊሕ ቅድመ ምድላው ብዝርዝር ተሓቢሩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሽመልባ፡ ከም ቀንዲ ግዳይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳይያስ መጠን፡ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ምዕዋትን ብኡ ኣቢልና፡ ብዝተወሃሃደ ዓቕሚ ህዝብን ሓይልታት ተቓውሞን፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምውጋድ፡ ኣብ ሃገርና ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ተጋድሎ እጃሞም ከበርክቱ ከም ዝግባእ ተሓቢሩ። ድሕሪ’ዚ መብርሂ’ዚ ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረቡ ሕቶታት ግቡእ መልሲ ተዋሃበ።

ኣብ መደምደምታ፡ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዝተሓጋገዝ፡ ኣብ መደበር ስደተኛታት ኤርትራውያን ሽመልባ፡ ህዝቢ ኣብ ምብርባርን ኣበርክቶኡ ንምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዛዝን፡ መደብ ምምራጽ ህዝባዊ ሽማግለ ብግቡእ ብምስልሳል 23 ኣባላት ዝሓቆፈ ተሓጋጋዚ ሽማግለን ሓደ ተጣባባቕን ብምምራጽ፡ ኣኼባ ህዝቢ ብዓወት ተዛዘሙ። ልኡኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን፡ ነቶም ብህዝቢ ዝተመረጹ ኣባላት ህዝባዊ ሽማግለ ኣኼባ ብምክያድ፡ ስርሖምን ሓላፍነቶም ብግቡእ ክርድኡ ድሕሪ ምግባር፡ ካብ ውሽጦም ብምስጢራውን ደሞክራስያውን ኣገባብ፡ ሸውዓተ ኣባላት ኣወሃሃዲ ኮሚቴን ኣርባዕተ ሽማግለታት ክምረጹ ብድሕሪ ምግባር ዕማሙ ዛዚሙ።

ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!

ዓወት ሃገራዊ ጉባኤ!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት  ስርዓት ኤሳይያስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን-  ዞባ ኣፍሪቓ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

25 ግንቦት 2011

www.encdc.com