ንሕና ኣብ ስደት ንነብር ኤረትራዊ&#484
نشر من قبل omaal في 10:01 صباحا - 28 06 1432 هـ (31 05 2011 م)

ንሕና ኣብ ስደት ንነብር ኤረትራዊያን እወ ንሕና

ንሕና እዞም ውሑዳት ምስለነታት ናይ ህዝብና ኢና

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(ንሕና)

From Brhe Oqba may 2011 A.jpg

 


تفاصيل الخبر

ንሕና ኣብ ስደት ንነብር ኤረትራዊያን እወ ንሕና

ንሕና እዞም ውሑዳት ምስለነታት ናይ ህዝብና ኢና

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(ንሕና)

From Brhe Oqba may 2011 A.jpg

  From Brhe Oqba may 2011 B.jpg

From Brhe Oqba may 2011 C.jpg

ደቂ ኤረይ ህዝቢ ሰሚዕዎ ዳሃይኩም ተሓቢኑ ባኣኹም ወጽዓ ህዝብኹም ንዓለም ስለ ዘስማዓኩም።

እንተ እተን እቶም  ኣብ ኣስመራ ሽምና ዘጸለሙ ኣምለኽቲ

 ጃንዳ ህግደፍ ግን ጃጂዮም ኣብቲ ዝቕመጥሉ ሃገራት ምስ ስምዑ፡ 

ሓርበኛታት ወጺኦም ኣብ ጽርጊያ።

ደቂ ኤረይ ተቓወምቲ  ስለ ናይ ህዝቢ ክብሪ

ኣብ ቃልሲ ኣሪግና ስለቲ ናይ ስዉኣትና ሕድሪ

ኤረትራና ብደም ጀጋኑኺ ከቢርኪ ክትነብሪ

ወዲ ሰብ ሓላፋዩ ታሪኽ ግን ነባሪ።

ንሕና ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ስካንደናብያ

ኣብ ኣመሪካ ኣብ ካናዳ ኣውስትራልያ

(ኣብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ)

ንሕና

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ኣፍሪቃ

ካብዚ ኩሉ ኣሻሓት ህዝቢ ንሕና

እወ ንሓና እዞም ውሑዳት ንሓና

ኩሉሻዕ እንቢ ንምልኪ ምስ በልና

ንሕና ምስ መንእሰያትና

ምስለነታት ህዝብና ኢና

ሕድሪ ጀጋኑ ዘይጠለምና።

ንሕና

ጠበቓታት ናይ ህዝብና

ሰላም ክሰፍን ኣብ ሃገርና  

ንሕና ክንድሽሕ ኢና

ግዝኣተ ሕጊ ክነግስ እዩ ቃልስና።

ንሕና

ወጽዓ ህዝቢ ምስ ንገርና

መንእሰያት ጥሒሎም ኢልና

ጥዋፍ ምስ ኣብራህና

ካብ ጃንዳ ህግደፍ ፈሪህና

ኣይን ዓጽፍን ልሳና

ጸረ ዲክተተር ቀጻሊዩ ተቓውሞና

(ቃልስና ዩ ንፍትሒ ንደሞክራሲ)

ናይተን ንህግደፍ ዝድግፋ

ደቂ ንስትዮሞ ኣለዎ ሕይለፋ

ተን ንዲክተተር ዝድግፋ

ኣብ ኣስመራ ሰሚዕናየን ንሓርበኛታት ክዝልፋ።

ዘማራሳሓ ናይ ሓርበኛታት ዕላማ

ሓተላ ይብላ ቃል ቲ ሎኽሞኛ ይደጋግማ።

ንዲክተተር ከሕጉሳ

ከም መራሒኤን ሞጉስዕ ዝመልሳ

ትርጎም ቃልሲ ዘይፈልጣ እንስሳ።

እተን እቶም ሓሚሞም ዘለዉ

ክንዲ ህግደፍ ዝቑንዘዉ

ንሓርበኛታት ተቓወምቲ ዘናሽዉ

ውድቀቶም ቀሪቡ ጀሚሮም ከቕለዉ።

(ዝሓበጦ  ይቶኮስ)

ክቕንጠጥዩ ቲ ጸልማት

ተጨውዩ ኣይተርፍን ዕላማ ሰማእታት

ኣብ መጨረሻ ህዝባዊ ዕላማ ዩ ዝዕወት

ኣብ ኤረትራ ግዝኣተ ሕጊ ክነግስ ከብቅዕ ከርተት።

ኣቲ ዒሉ  ግዝየኺ  ኣኺሉ

ወዲ  ኤረይ  ክደልየኪ  ዊዒሉ

ሕጂ ውን ትሕልሙ ክትቅጽሉ

ሃለውሎው  ኣይትበሉ

ባልጃኹም ኣልዕሉ  

ንሕና ንስኻ ንስኻ ንሕና ቦታ ነይብሉ

ህዝባዊ ሱናሚ ተላዒሉ

ንጃንዳ ህግደፍ ናብ ባሕሪ ኣጥሒሉ

ህዝባዊ መንግስቲ ክተክል ባዕሉ።

(ኣበይ ኣለኻ ዘይበልዎስ ኣብዚ ኣለኹ በለ)

ተጃሃሪ እታ ባንደራስ ተሸኪምናያ ዊዒልና ኣብ ብሩሰል ወጽዓ ህዝቢ ከስምዕ 

 ዘይከምዚ ኸማኻ፡ እንተ ቲ ፈንጣሕጣሕ ኣብ ዝለመድካዮ ግበሮ ኣየዋጻጽካንዩ 

 ንሓርበኛታት ምፍርራህ።

መን ምዃንካ ፈሊጠ ግጥምኻ አብ መስከረም ተሰቒሉ ምስ ራአኽዎ። ኣብ ድሕሪ ባንደራ ተኸዊልካ ኣይተብዝሕ ጅህራ) ኣምሲልካ ክንዲ ጭፍራ ህግደፍ ኣይትታሓለቕ፡ ነቲ ጥምየት ኣይትስመዩ ጽጋብ ዓመት ዓመት ፡ትም ይሕሸካ ኣብ ኣፍ ሓርበኛታት ተዋሒጥካ ከይትተርፍ ምስ ፍትሓዊያን ይሕሸካ ጽባሕ ከይትሓፍር። ኢሰያስ ክሕጎሰልካ ብዙሕ ኣይትጃሃር፡ (ብርኪ ዶ ዳንጋ ዶ ኣይተብዛሓዮ ኣለዉና ብርኪ ልሎ) ካብ ምስ ፍትሓዊናንስ ምስ ዲክተተር ያሓይሽ ኢልካዮ፡ ግርም ሽም ኣሎካ (ዓንተራይ) ናይ ኢሰያስ ዋህዮ ኣብ ዓዲ እንግልዝ ዝተዋህቦ ናይ ገዛ ዕዮ፡ ንሓርነት ተቓለስ ነቲ ሎኽመኛ ኣይትስማዓዮ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ፡ ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና ኤረና ንለብዘበን እንበር ንዓመታስ ሸዊት ለምለም።   ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን።