መርሓባ ንኣገዳሲ ናይ ምጽንባራዊ &#462
نشر من قبل omaal في 06:14 صباحا - 04 07 1432 هـ (05 06 2011 م)

DEMOCRATIC FRONT FOR ERITREAN UNITY1.jpg

መርሓባ ንኣገዳሲ ናይ ምጽንባራዊ ሓድነት ፖለቲካዊ መግለጺ

 


تفاصيل الخبر

DEMOCRATIC FRONT FOR ERITREAN UNITY1.jpg

USA BRANCH

መርሓባ ንኣገዳሲ ናይ ምጽንባራዊ ሓድነት ፖለቲካዊ መግለጺ

እቲ ኣብ 28-29 ግንቦት 2011 ብዓወት ዝተኻየደ ጉባኤ ዞባ ሕ/መ/ኣሜሪካ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ነቲ ብዕለት 23 ግንቦት 2011 ኣብ ትሕቲ “ኣገዳሲ ናይ ምጽንባራዊ ሓድነት ፖለቲካዊ መግለጺ” ዝብል ሓርበኛውን ደሞክራስያውን ተበግሶ ኣባላት “ለውጣዊ ምንቅስቓስ ደሞክራስያዊት ኤርትራ”  ኣሞጕሱ።

ኤርትራውያን መንእሰያት ናይ’ዚ ለውጣዊ ምንቅስቓስ’ዚ ስርዓት ህግድፍ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንመንእሰያት ኤርትራ ከኣ ብፍላይ ንምጽናት ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጃምላዊ ግፍዕን ጭቆናን ብሰንኪ እከይ ተግባራቱ  ዕድሚኡ ባዕሉ የሕጽሮ ምህላዉ ዘረጋግጽ፡ ኣንጻሩ ዝካየድ ተቓውሞ ብቐጻሊ እንዳገንፈለ ይኸይድ ምህላዉ ኢዩ ዘመስክር። መንእሰያት ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ኣባላት ለውጣዊ ምንቅስቓስ ደሞክራስያዊት ኤርትራ  ዝኽተልዎ ዘለዉ ሓርበኛውን ደሞክራስያውን ናይ ቃልሲ ኣቕጣጫ ጉባኤ ዞባ ሕ/መ/ኣሜሪካ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ዘለዎ ደገፍን ምትብባዕን መርሓባ እንዳበለ ይገልጽ። ንመንእሰያት ኣባላት ለውጣዊ ምንቅስቓስ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ዝወሰድዎ ተባዕን ቅኑዕን ዝኾነ ስጉምቲ ናይ ምስ ውድብና ተጸናቢርካ ምቅላስ ዝተሰምዖ ሓበንን መጎስን ይገልጸሎም። ንዝተረፉ ተቓለስቲ መንእሰያት ኤርትራውያን ከኣ ሰላምን ደሞክራስን ምዕባለን ዘለኣለማዊ ቅሳነትን ብዝህብ መንገዲ፡ ህዝባውን ደሞክራስያውን ዕላማታትን ኣገባብ ቃልስን እቲ እንኮን ቅኑዕን ምርጭኦም ገይሮም ብምውሳድ ኣሰሮም ክኽተሉ ብኣኽብሮት ንጽውዕ።

መንእሰያት ኣባላት ለውጣዊ ምንቅስቓስ ደሞክራስያዊት ኤርትራ እዚ ቅኑዕ ስጉምቲ’ዚ ዝወሰድዎ፡ኣቐዲሞም ከካይድዎ ብዝጸንሑ ናይ መኣዲ ዘተን ከምኡ’ውን ኣብቲ መስመሪ ጉባኤ ናይ ህደግኤን ሰደተኤን ከም ተዓዘብቲ ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣጋጣሚ ብዝዓገብሉ ናይ ዕላማን ኣሰራርሓን ትሕዝቶን ኣገባብን ብሕኑን ዝኾነ “ሓድነት ውድባትና መድሕን ህዝብና” ኢዩ ዝብል ጭርሖ ናይ ህዝብና ንምድሓን ዝሓተና ጠለብ ክሳብ ክንደይ ህጹጽን ዘየማትእን ምዃኑ ብምርዳእ ብደረጃ ናይ ኣዋጅ መግለጺ ምውሳኖም ጉዳይ ህዝቢ ወዓል ሕደር ዘይብሃሎ ምዃኑ ካብ ምርድኦም ዝብገስ ምዃኑ ብምስትብሃል ጉባኤና ደጊሙ መጎሱ ይገልጽ።

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ውድቀት ንጸረ-ህዝቢ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!

ዞባዊ ጉባኤ ሕ/መ/ኣሜሪካ

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

29 ግንቦት, 2011።