ኣብ መደበር ስደተኛታት ኤርትራው&#4843
نشر من قبل omaal في 07:13 صباحا - 10 07 1432 هـ (11 06 2011 م)

ENCD March 2011.jpg

ኣብ መደበር ስደተኛታት ኤርትራውያን ዓዲ ሓርሽ 15

 ኣባላት ዝሓቆፈ ተሓጋጋዚ ህዝባዊ ሽማግለ ተመዚዙ

 


تفاصيل الخبر

ENCD March 2011.jpg 

ኣብ መደበር ስደተኛታት ኤርትራውያን ዓዲ ሓርሽ 15

 ኣባላት ዝሓቆፈ ተሓጋጋዚ ህዝባዊ ሽማግለ ተመዚዙ

 ER REF AXUM University.jpg

ኣብ መደበር ስደተኛታት ኤርትራውያን ዓዲ-ሓርሽ፡ ብ05 ሰነ 2011 ናይ ህዝቢ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብ’ዚ ንካልኣይ ጊዜ ዝተኻየደ ኣኼባ ህዝቢ፡ ከም ቀንዲ መደብ ዝተታሓዘ፡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ መዓስከር ዓዲ-ሓርሽ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምዕዋት ሰፊሕን ንቑሕ ተሳትፎ ከረጋግጹ ኣብ ምብቃዕ፡ ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዝተሓባበር ናይ ህዝቢ ሽማግለ ንምምራጽ ዝዓለመ ምንባሩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን፡ ኣብ መእተዊ  ኣኼባ፡ ካብ 31-ሓምለ ክሳብ 09-ነሓሰ 2010 ዝተሰላስለ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዘመሓላለፎም ታሪኻዊ ውሳኔታትን፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምግባእ ተጀሚሩ ዘሎ ቅድመ ምድላውን ጽሟቕ መብርሂ ምቕራቦም ተፈሊጡ። ኣባላት ሃገራዊ ኮምሽን መግለጺኦም ብምቕጻል፡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዓዲ-ሓርሽ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ምዕዋት እጃሞም ከበርክቱ ከምዝግበኦም ብምዝኽኻር፡ ካብ ውሽጦም ንሃገራዊ ኮምሽን ዝተሓባበሩ ኣባላት ናይ ህዝቢ ሽማግለ፡ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ክመርጹ መዘኻኸሪ ኣቕረቡ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ድማ መብርሂ ዝደልዩሎም ዝተፈላለዩ ሕቶታት ድሕሪ ምቕራቦም ብኣባላት ሃገራዊ ኮምሽን ድማ መብርሂታት ከምዝተዋሃቦም ካብ’ቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ዜና ኣመልኪቱ ። ብምቕጻል ናይ ህዝቢ ሽማግለ ዝኾኑ ኣባላት 21 ሰባት ብምሕጻይ፡ ካብ’ቶም ብሕጸ ዝቐረቡ ብዝለዓለ ድምጺ 15 ሰባት ከምዝተመረጹ ተፈሊጡ። ኣብ መደምደምታ ኣባላት ሃገራዊ ኮምሽን፡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዓዲ ሓርሽ ንሽማግለ ህዝቢ ኩሉ መዳያዊ ምትሕብባር ክገብሩላን፡ ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ እጃሞም ከበርክቱ መዘኻኸሪ ከምዘቕረቡሎም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን፡ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ምስ ኣጠቓለሉ፡ ምስ’ቶም ብህዝቢ ዝተመረጹ ኣባላት ሽማግለ ኮፍ ብምባል፡ ስራሕን ሓላፍነትን ናይ ህዝቢ ሽማግለ ብምንጻር፡ ካብ ውሽጦም ብምስጢራውን ደሞክራስያውን ኣገባብ ሸውዓተ ኣባላት ዝሓዘ ፈጻሚት ክመርጹ ብምዝኽኻር፡ መስርሕ መረጻ ኣባላት ፈጻሚት ብዓወት ከምዝተዛዘመ ካብ’ቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ዜና ኣረጋጊጹ።  

 

ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ኤሳይያስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

 

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን - ዞባ ኣፍሪቓ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

07 ሰነ 2011

www.encdc.com