ሰማእታትና ብጉቡእ ክኸብሩ
نشر من قبل omaal في 06:05 صباحا - 21 07 1432 هـ (22 06 2011 م)

ሰማእታትና ብጉቡእ ክኸብሩ

መራሕ ጭፍራ ምስ ኮራኹሩ ይባረሩ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ጅግንነት ኤረትራዊያን ክንገልጾ


تفاصيل الخبر

ሰማእታትና ብጉቡእ ክኸብሩ

መራሕ ጭፍራ ምስ ኮራኹሩ ይባረሩ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ጅግንነት ኤረትራዊያን ክንገልጾ

ካብ ህግደፍ ይፍጠረልና ኣዋጽኦ፡

ኣብ ቴቢ ኤረ ተኻታቲልኩምዶ ሎምቅነ

ገሪሙኒ ብዙሕ ሓዚነ፡

ሓንሳብ ተንስእ እንዶ ኣብራሃም ተኽለ

ሓደ ካብቶም ጀጋኑ ሰማእታትና ወዲ ዓንደለ

ሕነ ህዝቡ ዝፈዲ ተመልከተለይ እንዳ በለ።

ክብረት ኣይረኸበትን ዓድኻ ዓዋተ

ህዝቢ ረዳኢ ሲኢኑ እንዳ ተጸነተ

ዓድኻ ኮይና ግዝኣት ሓደ ክልተ

ሰማእታትና ዶ መቃብ ሕጂ ምተኳዕተ።

ኣበይ ጸኒሖም ክሳብ ሎሚ

ዝሰምዖ ዘለኹ ሓቂዶ ሕልሚ፡

ኣስከረን ሰማእታትና ሕጂ ይእረሎ

ካብዚ ዝዓቢ ንዕቅርት እንታይ ኣሎ

ስዉኣትና ዘየኽበረ ዶ መንግስቲ ትብሎ

ነዚ ጠላም ካሕዳይ ንንቀሎ ንንቀሎ።

ድሕሪ 20 ዓመት ኣስከረን ሰማእታና

ይብሉ ኣለዉ ንእክቦ ኣሎና

እዚኦም ድዮም ትብልዎም መንግስትና

ኣብ ሳሕል ሕጂ ክእከብ ኣስከረን ጀጋኑና

ሕጂኸ እንታይዮም ከመኽንዩልና

ከም ኣመሎም ድዮም ክብሉና

ወያነ እዮም ዓንቂፎምና

20 ዓመት ስዉኣትና ዘየልዓልና

ኒዒቖሞ ድዮም ንህዝብና

ያዕ ንበሎም ኢደይ ኢድካ ኢልና

መቓብሮም ክቀስን ሰማእታትና።

ውሽጡ ሑሩር

ሕድሪ ሰማእታትና ክክበር

ሕጂ ይግባኣና ክንሓብር

ንዲክታቶር ክነባርር

ቲ ጸልማት ናብ ብርሃን ክቅየር

ህዝቢ ተመሲሑ ክድረር።

ቲ ጅግና ንነጻነት በረኻ ዝሓደረ

ምስታ ዋዕሮ ብሓባር እዳተባራረ

ጾሞም  እንዳ ሓደሩ ጀጋኑ ደቂ ኤረ

ጓሎም ዎዶም ጀጋኑ ብማዕረ

ብመስዋእቶም ንመግዛእቲ ተሳዕረ

ስርዓት ህግደፍ ምስ ተባረረ

ክንተክለሎም ኢና ሓወልቲ ንደቂ ኤረ

ንሰማይ ዘንቃዕረረ።

ኤ.ዲ.ኪ ኣሃዱታትኩም ኣሕብሩ

ስለቶም ጓህሪ ዝሰገሩ

ብስውኣትና ሚሒልኩም ሕበሩ

ንሕድሮም ዝጠለሙ ክተባርሩ

ሹዑ ሰማእታትና ከቢሮም ዝዝከሩ።

ትዝክሩዶ ቲ ሎክመኛ ዝበሎ ሰሙን ሰሙን ዲና በጊዕ ክንሓርደሎም እንዳበለ ኣብልዕሊ ስድራበት ሰማእታትና ከሽካዕልል ኮሎ። ሰማእታትና ክቀስን መቓብሮም ምስ ጭፍሩኡ ንንቀሎ።

እንታይዩ ትርጉማ 20 ሰነ ደቂ ኤረ

ሕድሮም እንተዘይ ኣተግበረ

ብስዉኣት ዝመድረ እንተመደረ

ስድርኦም ዘይጠወረ

ጡዑም ኣይወጾ መልሓሱ ዕረ

ተሳማሚዕና ንግበሮ ነበረያ ነበረ።

ኣልዕል ኣበሉ ዘየሎ ዘውሪ

ንእለዮ ነቲ ዘይፈልጥ ነውሪ

ሰማእታትና ክረኽቡ ክብሪ

ክንተክለሎም ሓወልቲ ነባሪ።

ኣደ ሰማእታትና ክትነብር ዝግብኣ

ኢድ ክነስኡ ዝግብኦም ኣብ ትሕቲኣ

ተዓጢቓ ንደቃ ጠዊራ ደቃ ኣሰዊኣ

ኣብ ገዛኣ ክትሕብሓብ ምተገባኣ

ኮሪዓ ክትወስድ ምተገባኣ ማሃያኣ

ብኣንጻሩ ኮነ ደኣ

ከም ለማኒት ተመስግን ተደፊኣ

ብሂወታ ኮላ ክትፍደ ጻማኣ

ሕጂ ይፈደ ቲ ሕነ ኣብ ቅድሚኣ

ኣብ ሓወልቲ ሰማእታትና ክተንብር ዕንባባኣ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብ ዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጃጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን