ዕጡቕ ኣሃዱታት ተ.ሓ.ኤ ስርሑ ጀሚሩ
نشر من قبل omaal في 01:03 مساء - 09 08 1432 هـ (10 07 2011 م)

ዕጡቕ ኣሃዱታት ተ.ሓ.ኤ ስርሑ ጀሚሩ

ዕምሪ ዲክታቶር ምስ ኮራኹሩ ክሕጽሩ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ዕጡቕ ኣሃዱታት ተ.ሓ.ኤ ስርሑ ጀሚሩ

ዕምሪ ዲክታቶር ምስ ኮራኹሩ ክሕጽሩ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(ናይ ሓርነት ደወል ተደዊሉ)

ወጋሕታ ዕለት 4.7 ኣሃዱ ተ.ሓ.ኤ ሰሚዔ

ሕነ ፈድዩ ኣብ ልዕሊ ቲ ንህዝቢ ደም ዘንበዔ

ንሳያ ፍርዱ ቲ ዓገብ ዘይሰምዔ

ቲ ከታሪ ህዝቢ ሃገራዊ ድሕነት ዝተጸወዔ።

ንናይ ስለያ ህግደፍ ኣፍሪሶሞ ዕርዱ

ነቲ ኣብ ጎቦታት ጋሽ ዝነበረ ዓሪዱ

እቲ ጸረ ህዝቢ ምስ ተቐበለ ፍርዱ

ስርዓት ኣስመራ ተጸሊሉ ዓቢዱ

ዘይተጸበዮ ሓደጋ ምስ ኣውረዱ

ጀጋኑ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኣሃዱ።

ኣሃዱ ተ.ሓ.ኤ ሰሚዕናዮ ዓወትኩም

ሽግ ሓርነት ኣብርሁ ኣጆኹም

ኣምላኹ ረቢ የሓግዝኩም

ንኣረማዊያን ኣላሽ ኣብልዎም

ኣብ ጎንኹም ኣሎ ህዝብኹም

ኣብ ጎንኹም ኣለዉ መንእስያትኩም

ዝተጸመምኩምዎ ያኣልለኩም

ሕጂ ፍደዩ ሕነ ህዝብኹም።

(ተቓወምቲ ውድባት)

ኣብ ልዕሊኡም ቅንጸላ እንዳ ተፈጸመ

ንስኒት ንዓመታት ዝተጸመመ

ዕጅብ ከይበሎም ጸለመ

ዝሓለፈ ረሲዖም ከይበሉ ተጠሊመ

ብሳዓብቲ ጭፍራ ጥልመት እንዳ ተዳጋገመ።

(ሕጂሞ)

ይትረፍ ምስ ጠለምቲ ሕድሪ ዘተ

ጭርሖና ይኹን ሎሚ ዘይከተተ

ይሕሸኒ ዝበለ ምስ ገበተ

 ሹዑ ይፈልጣ ብክድዓት ምስ ተሓተ።

ኣሃዱታት ኤዲኪ ስራሕ ካብ ጀመራ

ሓቢረን ዕምሪ ሸፋቱ ከሕጽራ

ሹዑ ኣብ ኣስመራ

ክትከል ደሞክራስያዊ ምሕድራ

ዋና መረቱ ክከውን ህዝቢ ኤረትራ።

መራሒ ጭፍራ ምስ ኮራኹሩ

ማዓንጥኦም ይሕረሩ

ገንዘብ ህዝቢ በሊዖም ዝሃጠሩ

ንህዝቢ ከጥፍኡ ዝተዋፈሩ

ብደም ዝጠልቀዩ ዝሰኸሩ

ኣእጋሮም ከይተሰብሩ

ህዝቢ ኣይነብርን ከቢሩ።

ኣብ ታባ ኩርባ

ብውሑዳት ዝተፈጸመ ዓወት ቶጎሩባ

ሰራዊት ሓርነት ንጸላእቱ ዘእተወ ኣብ ከበባ

ሕጂ ውን ይድገም ኣሎ ኣብ ታባ

ኣሃዱ ተ.ሓ.ኤ ንስለያ ኣእትዩ ኣብ ክባ

ምስ መላኺ ይሕሸኒ ዝበለ ኣብኣ ይረኽባ

ደጊም ከብቅዕዩ ቲ ጸበባ።

ኣእጋር ቶም ዑሱባት ይሰበራ

እተን ዝተረፋ የእጋር እንተ ተማህራ

ተረዲእወን ናብ ኤ.ዲ.ኪ ክጽንበራ

ለበዋ ንተቓወምቲ ውድባት

ናይ ሓባር ሰራዊት

ተስሪቱ ክሰምዕ ይጽበሎ ወደባት

ብዝቀልጠፈ ንህዝብና ኣስምዕዎ ብስራት

ህዝቢ ክጽንበረኩም ክትሓፍሱ ዓወታት

መደምደምትኡ ክከውን ፋሽሽታዊ ስራኣት

ኣብ ቦቱኡ ክፈርያ ብዝሓት ሰልፍታት

ኤረትራ ክትማሓዳደር ብደሞክራስዊ ስርዓት።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን