ተጋዳላይ በሺር ኢስሓቕ ናይ ወጻኢ &#48
نشر من قبل omaal في 06:35 صباحا - 13 08 1432 هـ (14 07 2011 م)

Alaince 1.jpg

ተጋዳላይ በሺር ኢስሓቕ ናይ ወጻኢ ዑደቱ ብምቅጻል

 ንሽውደን ኣትዩ።

 


تفاصيل الخبر

Alaince 1.jpg

 

 

ተጋዳላይ በሺር ኢስሓቕ ናይ ወጻኢ ዑደቱ ብምቅጻል

 ንሽውደን ኣትዩ።

ተጋዳላይ በሺር ኢስሓቕ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ድሕርቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ናይ ወጻኢ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ናይ ክፊሊ ኣፍራካ ዘካየዶ ርኽኽባት ቀጺሉ ንሽወደን ብምኻድ ብዕለት 7 ሓምለ 2011 ምስ ዝምልክቶም ዝተፋላለዩ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ብዛዕባ ዑደቱ ኣመልኪቱ ከምዝተዘራረባን ከምዝወደብን ካብቲ ቦታ ዝመጸና ዜና ይሕብር።

ንህልዊ ኩነታት ሃገርናን፡ ጉዳይ ማዕቀብን ትኹረት ዘድልዩም እዋናዊ ጉዳያት ብምልዓል ከምእውን ንኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት’ዚ ክጋባእ ተመዲቡ ዘሎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢን ውጺእታቱን ብምሕባር ዘሎዎም ኣራእያታትን መርገጻትን ንምፍላጥን: ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን መላእ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ኤርትራዊያን ኣብ ክሊ ሓደ ጽላል ተጠርኒፎም መተካእታ ጨፍላቂ ስርዓት ህግደፍ ንምዃን ብደገን ብውሽጥን ንዝገበር ተጋድሎ ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣርን ኣብ ሃገርና ሰላምን ደሞክራስን ንምርግጋጽ ሓገዛቶም ንምሕታት ሞዃኑ እቲ ዝመጸና ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።

 

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

ክፍሊ ዜና