11 መንእስያት ዓፋር ካብ ደሴት ዳህላ&#
نشر من قبل omaal في 05:02 صباحا - 16 08 1432 هـ (17 07 2011 م)

Red sea afar 2011.jpg

11 መንእስያት ዓፋር ካብ ደሴት ዳህላክ

ንወደብ ኣልሓያ ዝተባህለ የመን ምእታዎም ተረጋጊጹ።


تفاصيل الخبر

Red sea afar 2011.jpg

11 መንእስያት ዓፋር ካብ ደሴት ዳህላክ

 

ንወደብ ኣልሓያ ዝተባህለ የመን ምእታዎም ተረጋጊጹ።

 

ብዕለት 07 ሓምለ 2011 ዓሰርተ ሓደ ኣባላት ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና መንእስያት ዓፋር ካብቲ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ብምህዳም ካብ ከባቢ ዳህላክ ብምብጋስ ናብ ኣልሓያ ዝተባህለት ወደብ የመን ምእታዎም ተረጋጊጹ። ምንጭታትና ከም ዝሕብርዎ ምክንያት መህደሚ ናይዞም መንእሰያት እዚኣቶም ነቲ ኣብ ባሕሪ ዝተረኽበ ዕጭኡ ምርሻን ምዃኑ ዝተመሓላለፈ ኣረሜናዊ ውሳኔ ስርዓት ህግደፍ ብምንጻግ፡ ኣብ ከባቢ ዳህላክ ዓሳ ንምግፋፍ ምስ ወረዱ፡ ፋይቨር ዝዓይነታ ወተሃደራዊ ጀልባ ንምህዳኖም ምስ  ተጓየየት፡ ነብሶም ንምድሓን ኢዶም ንሰበ-ስልጣን ክህቦ ምግዳዶም ይሕብሩ። ዕድመ ናይዞም መንእሰያት እዚኣቶም ካብ 15-28 ከም ዝበጽሕ ብድሕሪ ምሕባር ከኣ፡ ኣስማቶም ከምዚ ዝስዕብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣረጋጊጾም።

1.         መሓመድ ኣሕመድ ፈርሰነ

2.         ዓብዱ ኣሕመድ ፈርሰነ

3.         ያሕያ ዓብደላ

4.         ሓሰን መሓመድ ሮሞዳን

5.         ሙኽታር ዓሊ

6.         መግቡል መሓመድ

7.         መሓመድ ዑስማን

8.         ዒሳ ሓሰን

9.         ዓሊ ሰዓድ

10.       መሓመድ ሓጅ

11.       ኣሕመድ ዓብደላ 

ግፍዓዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ዘካይዶ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊስታትን ተግባራትን ብፍላይ ከኣ ነቲ ዕለታዊ መነባብሮኡ ምስ ውጽኢት ባሕሪ ዝተኣሳሰረ ህዝቢ ዓፋር ንምብራስ ኣብ ባሕሪ ምውራድ ንምርሻን ዘብጽሕ ኣረሜናዊ ውሳኔ ብምውሳዱ፡ ነቲ ህዝቢ ንጥምየትን ዓጸቦን ክጋለጽን ከምኡውን ካብ መረበቱ ክፈናቐልን ይገብር ኣሎ።

በዚ ኣጋጣሚ ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ነዚ -ሰብኣዊ ፖሊስታትን ተግባራትን ብድሕሪ ምኹናን ንመላእ /ሰብ ዓለምን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንህዝቢ ዓፋር ንምድሓንን ሂወት ናይቶም መንእስያት ንምዕቋብን ሓላፍነታዊ ተርኦም ክጻወቱ ይጽውዕ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜና

ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

15/07/2011

 

Red Sea Afar Democratic Organization, Info.&Comm.Office, Addis Ababa- Ethiopia

+251913075764 (telephone) +251912097006 (telephone), Email: rsado98@yahoo.com, Website: - www.dahlak.org