ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኸባ ንተቀማጦ ኣ&#472
نشر من قبل omaal في 05:07 صباحا - 22 08 1432 هـ (23 07 2011 م)

ENCD March 2011.jpg

 ተሓጋጋዚት ሽማግለ ኣትላንታ 

ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኸባ ንተቀማጦ ኣትላንታ

 


تفاصيل الخبر

   ተሓጋጋዚት ሽማግለ ኣትላንታ      

 ENCD March 2011.jpg

ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኸባ ንተቀማጦ ኣትላንታ

ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ 9 2011 ብዛዕባ ብሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝቐረበ ኣርባዕተ

ረቒቕ ዘካተተ ንድፊ ወረቓቕቲ ቀዳማይ ዙር ዘተ ከምዝተኻየደ ዝዝከርዩ። ኣብ ህዝባዊ ዘተ፡

ንድፊ  ወረቓቕቲ  ገለ ክፋሉ ተዛትይሉ ነቲ ዝተረፈ ኣብ ካላኣይ ዙር ንኽራኸብ ቀዳማይ ዙር ኣኼብኡ ብህድኡን ሰላማውን ልዝብ ዛዚሙ ተፈላልዩ።

ነቲ ዝሓለፈ ውሳኔ መሰረት ብምግባር ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ጨንፈር ኣትላንታ፡ ንኹሉ

ንለውጢ ዝቓለስ ኤርትራዊ ዘሳትፍ  ካላኣይ  ዙርን መቐጸልታን ዘተ ናይ ንድፊ ወረቓቕቲ

ከአንግድ ንኹሉ ግዱስ ኤርትራዊ ዕድመ የቕርብ።ኣብዚ ኣገዳሲ ዕለትዚ፡ ነቲ ኣርባዕተ ረቒቅ

(ንድፊ  ወረቓቕቲ ህዝቢ  ናይ  መወዳእታ ዙር ክመያየጠሉ ስለዝኾነ፡  ኩሉ  ኤርትራዊ

ብተገዳስነት ክሳተፍ ደጊምና ብኣኽብሮት ንዕድም።
ካላኣይ ዙር ምይይጥ ናይዞም ዚሰዕቡ ብኮሚሽን ዚተዳለዉ ዶኩመንታት (ንድፊ  ወረቓቕቲ) አዩ።

1, ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ

2. ንድፊ ሕገ ህንጻ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ

3. ናብ ደሞክራሲ ዚግበር ጕዕዞ ዘገልግል ኣብ ግብሪ እተመስረተ መምርሒ ካርታ

4. ሃገራዊ ፖሎቲካዊ ቻርተር ንመሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ

 ዕለት ንቀዳም ሓምለ 30 2011(July 30, 2011)  ሰዓት 1230 .

 ቦታ ዲካልብ ላይብረሪ ካቪንግቶን ሃይዋይ (Dekalb Library  3500 Covington HWY, Decatur, GA. 30032)

ተሌፎን፡ 770-363-5413    404-276-0336  404-218-2505

            ብደሓን ምጹ       

                               ተሓጋጋዚት ሽማግለ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣትላንታ

            ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!

ዓወት ሃገራዊ ጉባኤ!!