ኩሎም ሰብ ሞያ ኤርትራውያን
نشر من قبل omaal في 06:16 صباحا - 22 08 1432 هـ (23 07 2011 م)

ኩሎም ሰብ ሞያ ኤርትራውያን

ኣብ ምንዳፍ ኣርማ ሃገራዊ ጉባኤ ክሳተፍ ይዕደሙ

Attention Artists 00.jpg


تفاصيل الخبر

ENCD March 2011.jpg

ኩሎም ሰብ ሞያ ኤርትራውያን

ኣብ ምንዳፍ ኣርማ ሃገራዊ ጉባኤ ክሳተፍ ይዕደሙ

Attention Artists 00.jpg

 

እቲ ቅድሚ ምዝዛም 2011 ክጋባእ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ተሳትፎ መላእ ህዝብና ይኹን ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ዘረጋግጽ፡ ከምኡ’ውን ብዘይዝኾነ ፍልልይ ንኩሉ ብዙሕነት ሕ/ሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕ፡ ኤርትራውያን ብስልጡን ኣገባብ ሕድሕድ ዘተን ልዝባትን ዘካይድሉ፡ ዕውት መጋብኣያ ኮይኑ ክወጽእ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ብዋዕላ ብዝተነበረሉ ረዚን እምነት መሰረት ብሓልዮትን ሓገዝን ህዝብና ብርቱዕ ጻዕርታት ክገብር ጸኒሑን ኣሎን።

እቲ ዕማም ሓባራዊን ሃገራዊን ዋኒን ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ስብ ሞያ ኣርማ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ምድላው ክሳተፍ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብክብሪ ጻውዒቱ የቕርብ። እቲ ዝዳሎ ኣርማ ንዕላማታት ሃገራዊ ጉባኤን ሽቶኡን ዘንጸባርቕ ኮይኑ፡ ብዝተካእለ መጠን ብሰለስተ ቋንቋታት ማለት ትግርኛን ዓረብኛን እንግሊዘኛን ክቐርብ ብትሕትና እናሓተትና ነዚ ዝስዕብ ረቋሒታት ዘማልእ ክኸውን ይግባእ።

Ø  ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዘቓላጥፍ ወሳኒ መድረኽ ምዃኑ ዘንጸባርቕ፡-

Ø  ንምድልዳል ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓድነትን ብዙሕነት ሕ/ሰብናን ዘንጸባርቕ፡-

Ø  ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ተደላይነት ምምዕባል ሕድሕድ ሃናጺ ዘተን ልዝብን ዘንጸባርቕ፡-

Ø  ኣብ ኤርትራ ሰላምን ርግኣትን ምርግጋጽ ዘለዎ ተደላይነት ዘንጸባርቕ፡-

Ø  ኣብ ኤርትራ ልዕልነት ሕግን ፍትሕን ምህናጽ ዘለዎ ተደላይነት ዘንጸባርቕ፡-

 

እቲ ንድፊ ኣርማታት መወዳእታ ዝቐርበሉ ዕለት ን31/07/2011 ምዃኑ ተሓቢሩ ምንባሩ ብድሕሪ ምዝክኻር በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ን15/08/2011 ምንዉሑ እናሓበርና፡ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ኢ-መይል ነቲ ንድፊ ኣርማ ሃገራዊ ጉባኤ ENCDC2011@gmail.com ክትሰዱልና ብትሕትና ንምሕጸን። ተዓዋቲ ከኣ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይኑ ከም ዝዕደም ነረጋግጽ።

 

መተሓሳሰቢ

እቲ ብሰብ ሞያ ተዳልዩ ንኮምሽን ዝስደድ ንድፊ ኣርማታት ሕጋዊ ንብረት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይኸውን። ኮምሽን ኣድላይ ኮይኑ ምስ ዝረኽቦ ነቶም ረቋሒታት ወይ’ውን ኣገባብ ምድላው ኣርማ ሃገራዊ ጉባኤ  ናይ ምምሕያሽን ምቅያርን ምሉእ መሰል ከም ዘለዎ ንሕብር

 

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ኤሳይያስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!

 

 ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

19 ሓምለ 2011

www.encdc.com