23 ኮማንዶ አባላት ሓይሊ ባሕሪ ናይ ሓ&
نشر من قبل omaal في 11:36 صباحا - 22 08 1432 هـ (23 07 2011 م)

Red sea afar 2011.jpg

23 ኮማንዶ አባላት ሓይሊ ባሕሪ ናይ ሓይሊ ባሕሪ መርከብ ወሲዶም ናብ ሱዑድያ ሃዲሞም

 


تفاصيل الخبر

 Red sea afar 2011.jpg

23 ኮማንዶ አባላት ሓይሊ ባሕሪ ናይ ሓይሊ ባሕሪ መርከብ ወሲዶም ናብ ሱዑድያ ሃዲሞም

ክፍሊ ዜና

ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

22 ሓምሌ 2011ዓም.ፈ

 እቲ ብሓያል ቁጠባ ሃገርን ብሓገዛት ብዙሓት ሃገራትን ዝተሃንጸ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ይፈርስ ከምዘሎ ዘመላኽት ተርእዮታት አብዚ እዋን›ዚ ይከታተሉ አለዉ፡፡ ብዕለት 21 ሓምሌ 2011ዓ.ም አብ ኢስራኤል ሰልጠና ዝቐሰሙ ፉሉያት አባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ 23 ዝኾኑ አባላት ኮማንዶ ዓባይ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ሓንቢቦም አብ ሞንጎ ጀዛንን የመንን  አብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ጉንፉዳ እትበሃለት ከተማ አትዮም፡፡ እዞም አባላት ኮማንዶ ሓይሊ ባሕሪ መብዛሕቶኦም ተወለድቲ ብሄረ ትግርኛ ኾይኖም፡ ካብ ኢራንን ካብ ራሻን ዝተወሃቡ ማኅደረ ስልጠናታት ሓይሊ ባሕሪ ንኽኸዱ ካብ ቤተ-ሰቦም ናይ ገንዘብ ትሕጃ ክሳብ 200 ሺሕ ናቕፋ ዝበጽሕ ሰለዝተሓተቱን ካልእ ጸጥታዊ ኩነታት ከይኮነ ከምዘይተርፍ ካብ ውሽጢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ብተመሳሳሊ ዜና ብዕለት 16 ሓምሌ 43 ዝኾኑ ደቂ አንስትዮ ዝርከበኦም ተወለድቲ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ካብ ከባቢ ቦርን ዳህላክን ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ናብ የመን ከምዝአተዉ ካብ የመን ዝበጻሓና ዜና የረድእ፡ እቶም ናብራ ስርዓት ሻዕብያ ዝሓሰሞም ብገዛ ዓዶምን ባሕሮምን ናብ ዳህላክን ከባቢኣን ከይንቀሳቐሱ ዝተአገዱ ተወለድቲ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ነቲ ስርዓት ራሕሪሖም አብ ቂድሚኦም ዝጸነሖም ጀላቡ አልዒሎም ናብ የመንን ካልኦት ከባቢታትን ዝሃድሙ ዘለው፡፡ ብኻልእ ወገን ካብ ጢዖን ዕድን ዓሰብን አባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝርከብዎ አስታት 60 ዝኾኑ ተወለድቲ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ብዕት 18-19-ሓምሌ 2011 ናብ የመን ከምዝአተዉ ካብቲ ቦታ ዝበጻሓና ዜና ሓቢሩ፡ አብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ጥራይ ብጠቕላላ ልዕሊ 170 ተወለድቲ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን አባላት ሓይሊ ባሕርን ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ናብ የመንን ሱዑድያን አትዮም አለው፡፡ ብጠቕላላ ልዕሊ 7 ዝኾና ፈጣናት ጀላቡን 1 መርከብን ካብ ትካል ሓይሊ ባሕሪ ጎዲለን ይርከባ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ዘርኢ ናይ ምጽናት ፖሊሲኡ ብሓያል ዓቕሙ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ዘመላኽት ኢዩ፡፡ በዚ አጋጣሚ አብ ውሽጥን አብ ደገን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ህዝቢ እንዳጽነተን ሃገር እንዳአዕነወን ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ትም ኢልካ ምርኣይ ናብ ዲቕ ዝበለ ጸላምን ሓደጋን ከእትወና ምኻኑን ሉኡላውነት ሃገርን ህዝቢ ናብ ምልክት ሕቶ ከሰጋግሮ ከምዝኽእል ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ የጠንቕቕ፡፡            

Red Sea Afar Democratic Organization, Info.&Comm.Office, Addis Ababa- Ethiopia

+251913075764 (telephone) +251912097006 (telephone), Email: rsado98@yahoo.com, Website: - www.dahlak.org