“መቓልሕ ህዝቢ ኤርትራ’ሞ ስምዕዎ” !!!
نشر من قبل omaal في 10:09 صباحا - 13 09 1432 هـ (12 08 2011 م)

“መቓልሕ ህዝቢ ኤርትራ’ሞ ስምዕዎ” !!!

ንእቶ ሱባኤ

 


تفاصيل الخبر

“መቓልሕ ህዝቢ ኤርትራ’ሞ ስምዕዎ” !!!

ንእቶ ሱባኤ

ንመድሕን ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝተዓጠቕና ኩልና

ውድባት ኪዳን ኮነ፡ ካብ ኪዳን ወጻኢ ዘሎና

ሲቪኩ ይኹን ህዝቡ ኩሉ ቀጸላታት ህዝብና

ኮታ ኩልና’ቶም ብጥርናፈ ኮምሽን ዋዕላ ንምእዘን

ንመድሕን ህዝብና ንቃለስ ብስቓይ ህዝብና ንሓዝን

ኩልና’ቶም “ድሌት ህዝቢ’ዩ ዝዕወት” ኢልና ንኣምን

ውራይ ይጽበየና’ሎ፡ መፍትሒ ሽግርና “ጉባኤ”

መሳርዕና ብጸላኢ ከይብሳዕ፡ ንጠንቀቕ ንረኣኤ

ደጊም ንኸይንጣለም፡ ንመሓሓል ንእቶ ሱባኤ።

እወ ንእቶ ሱባኤ !!!

ይሰርብ’ዩ ዘሎ ይተኣኻኸብ’ቲ ሰራም ደበና

ይኣይ ኩቦ ኮይኑስ ውሕጆም ክወስዶ ጉባኤና

ብውሽጥን ብደገን፡ ገና ኣይደቀሱን ጸላእትና።     

 ጸላእትና ብዙሓት’ዮም፡ ጉራማይለ’ዩ ሕብሮም

 ባሕሪን በረኻን’ዮም ዝሓርሱ፡ ገባር ተመሲሎም

 ሓውሲ ነፋሒቶ’ዮም እናሻዕ ዝቀያየር ሕብሮም።

እወ ንእቶ ሱባኤ !!!

ስለ’ዚ ከይንዕሹ ንጠንቀቕ፡ ከይንዋዘ ብህዝብና

ከይንግራህ ንጠንቀቕ፡ ብዙሓት’ዮም ዝዕዘቡና

ብፍላይ ህዝብና፡ ዓለም ውን ምስ ጎረባብትና

ጸላኢኹም ጸላኢ ማሕበረሰብ ዓለም’ዩ እናበላና

ሓንሳብ ክእግድኦም ሓንሳብ ክሕርና እናርኤና

ተኣኪብኩም ምጹና’ሞ ክንሰምዓኩም እና በላና

ካብዚ ዝምችእ ዕድል ደጊሙ ስለ ዘይርከብ

ከይንዕሹ ኢድ ንኢድ ንተሓሓዝ ንተኣኻኸብ

ይርሓሰና ንበሃሃል ጉባኤና ብዓወት ክኽብከብ።

ለባም ሰብ፡ ንቕድሚት’ዩ ዝጥምት፡ ንጽባሕ

ዝሓለፈ ይእከለና፡ ኣይንፍራሕ ኣይጎራራሕ

ስለ’ዚ፡ ትማሊ ረሲዕና ሎሚ ታሪኽ ንስራሕ

ራህዋን ዓወትን ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንህግደፍ ምስ ኮራኹሩ

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና።

ብሃይለ ፍረዝጊ-