ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ፍራንክፎ&#465
نشر من قبل omaal في 05:12 صباحا - 04 10 1432 هـ (02 09 2011 م)

ሰላማዊ ሰልፊ

ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት

Lyoner Str Frnkfort.jpg


تفاصيل الخبر

ሰላማዊ ሰልፊ

ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት

Lyoner Str Frnkfort.jpg

ንዓርቢ ዕለት 16 መስከረም 2011፡ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ህግደፍ፡ ኣብ ፍራንክፎርት ኒደራድ ኪካየድ ተመዲቡ ኣሎ።

ህዝብና፡ ካብ ዘለዎ ሕሰም ምእንቲ ኪናገፍ፡ ባዕሉ ብቕልጽሙን ሓድነቱን ይምክት ኣሎ።

ካብ‘ዚ ብምብጋስ ድማ እታ ስርዓት ህግደፍ ብመራሒኡ ኣቢሉ ዝኣወጃ ዕለት 18 መስከረም 2001፡

 ካባ ዲክታቶርነት ብዕሊ ዝለበሰላ መዓልቲ ስለ ዝዀነት፡ ኣብ ስደት እንርከብ ኩላህና ብሓበራ

1.          ቅትለትን ምህዳንን መንእሰያት ንኹንን

2.          ፍትሕን ሕግን ኪነግስ ህግደፍ ይተኣለ

3.          ናይ ፖለቲካ እሱራት ብዘይ ቅድመ ኵነት ይፈትሑ ……..

እናጨራሕና ኣብ‘ቲ ብኹለን ተቓወምቲ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ክፍጸም ተወሲኑ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ብሓባር ክንካፈል ንጽውዕ።

ንዕለት 16. 09. 2011 ቀዳም ሰዓት 10

ቅድሚ ናብ‘ቲ ቦታ ምብጻሕና እንራኸበሉ፡ ዋና መዕረፍ ባቡር ከተማ ፍራንክፎርት ኪኸውን ተወሲኑ

ኣብ መዕረፍ ባቡር ኒደራድ‘ውን ሰዓት ዓሰርተን ፈረቓን ከምትርከቡ ይኹን

ሰላማዊ ሰልፊ፡ ሰዓት 11 ቅ.ቀ. ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ቆንስል ህግደፍ

Lyoner Str. 34, - 60528 Frankfurt am Main ክከየድ እዩ።

ብብዝሕን ኣብ ሰዓቱ ክትርከቡን ተስፋና ደረት የብሉን

ቀጻሊ ሓበሬታ ምስ ዘድሊ ኣብ 015772599572

 ናይ ሓባር ኣዳላዊት ሽማግለ

ሰላማዊ ሰልፊ ፍራንክፈርት  

ዕለት 24.08.2011