ሃገረይ / ብ.ገብረሚካኤል ሃብተጽዮ&#47
نشر من قبل omaal في 06:59 صباحا - 15 10 1432 هـ (13 09 2011 م)

ሃገረይ

ብ.ገብረሚካኤል ሃብተጽዮን (ቆርጀ) ሃገር ጀርመን)

 


تفاصيل الخبر

ሃገረይ

ብ.ገብረሚካኤል ሃብተጽዮን (ቆርጀ) ሃገር ጀርመን)

ዓዲ ሕጊ ፍትሒ ዝነበርኪ ዓዲ ስርዓት

ዓዲ ወራዙት ዝነበርኪ ዓዲ ነውራማት

ዓዲ ለባማት ዝነበርኪ ዓዲ በሃማት

ዓዲ እሙናት ዝነበርኪ ዓዲ ጠላማት

ዓዲ ስጋይ ስጋኻ ዝነበርኪ ዓዲ ሱሱዓት

ዓዲ ምትእምማን ዝነበርክስ ዓዲ ካሕዳማት

ዓዲ ሕያዎት ዝነበርክስ ዓዲ ሕሱማት

ዓዲ ጀጋኑ ዝነበርክስ ዓዲ ጀራቋት

ዓዲ ጽንዓት ዝነበርክስ ዓዲ ምኡዙዛት

ዓዲ መስተውዓልቲ ዝነበርክስ ዓዲ ዙኑባት

ዓዲ ፍሪሃ እዝግኣብሄር ዝነበርክስ ዓዲ እከያት

ዓዲ ስኒት ፍቅሪ ዝነበርክስ ዓዲ ምቅይያማት

ዓዲ ብዙሓት ዝነበርክስ ዓዲ ውሱናት

ህግደፍ ከይሲ ዘሪእልኪ ሕማማት

ቅምጣታትኪ ገቢቱ ኣትሪፍልኪ ቀሪማት።

ነቶም ዓገብ ዝበልዎ ብኣፍ ሙዝ ኣርዒዱ

ነቶም ዘስግእዎ ኣሲሩ ቀፊዱ

ጸለመታት ነዚሑ ከም ልማዱ

እንዳበለ ንህዝቢ ንሃገር ዝካሓዱ

ዕድል ዝረኸበ ተሰዲዱ ካብ ዓዱ

ንድሕሪት ገዲፉ ንዘፍቅራ ዓዱ

እንከይተፋነዎም ንውለዱ

ዓዲ ብሕቶምዋ በዓል ሓጎስ ማንኪ በዓል ዓሊ ዓብዱ

ሕቶ ህዝቢ ከይምልሱ ዝሓንገዱ

ብዘይ ገበን ንሕልፈት ዝፈርዱ

11ልኡኻት ሳጥናኤል ብስልጣን ዝዓበዱ።

ሕጊ ኣልቦዘይብሉ ዳኛ

መን ከማይ በሃሊ ትምክሕተኛ

ንጹሃት ዝቅንጽል ገበነኛ

ክፍኣታት ዝኣልም ትንኮለኛ

ፈኸራ ዘብዝሕ ሓሳዊ ጃህረኛ

ወቂዑ ዘኤዊ ጉዳመኛ

ዓጻፊ መልሓሱ ውርደተኛ።

እቲ ንኣሕዋቱ ኣሓቱ ዘናኣእስ

ህዝቢ እንዳተሰቀየ ንውልቀ ዝምጉስ

ክንዲ ምክብባር ንነገራት ዝቅስቅስ

ሕንፍሽፍሽ ከእቱ ሓዊ ንከናክስ

ብሃይማኖት ኣውራጃ ክፈላሊ ዝጉስጉስ

ለውጢ ንከይመጽ ምልኪ ንክነግስ

ሕጂዶ ይሕሸካ ጉምብሕ ጉምብስ

ሓሳውን ስንቅን እንዳ ሓደረዩ ዝፈኩስ።

ንሳቶምስ ንረብሕኦም ስልጣኖም ከናውሑ

ሓሶት መደረኦም ፈኸራ ዘብዝሑ

መን ከማና እንዳበሉ ዝምክሑ

ብሕጊ ዘይቅየዱ ዘይግርሑ

ኣብ ሓፋሽ ዘይተኣማመኑ ዝርዕዱ ዝፈርሑ

ብካል ኦት ዝዋራዘዩ ደንቢኦም ብረስሑ

ዓገብ ንዝበልዎም ከም ከልቢ ዝነብሑ

ኢሳያስ ዝበለን ዝውዕሉ ከራብሑ

ነተን ነውራማት ቃላቱ ክደግሙ ክደጉሑ

ዓለም ኣርኪባቶም እንከይተናስሑ።

ዓወት ነቲ ዝሳቀ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ዝክርን ንሰማእታትና

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍን ጭንጋዓቱን