ናይ ሓባር ጻውዒት
نشر من قبل omaal في 06:54 صباحا - 22 10 1432 هـ (20 09 2011 م)

ናይ ሓባር ጻውዒት

ብኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢን (EYC)

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራን (EYGM)

ንእዋናውያን ሰበስልጣን ኤርትራ ብምኽንያት 18 መስከረም

ናብ ሚንስተራትን ኣማሓደርቲ ዞባታትን ካድራትን፡

ናብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡

ናብ ኣምባሳደራት፣ ቆንስላትን ሰራሕተኛታት ኤምባሲታትን ኤርትራ፡

ብመጀመርያ ኤርትራውን ሃገራውን ሰላምታና ነቕርበልኩም።


تفاصيل الخبر

ናይ ሓባር ጻውዒት

ብኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢን (EYC)

ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራን (EYGM)

ንእዋናውያን ሰበስልጣን ኤርትራ ብምኽንያት 18 መስከረም

ናብ ሚንስተራትን ኣማሓደርቲ ዞባታትን ካድራትን፡

ናብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡

ናብ ኣምባሳደራት፣ ቆንስላትን ሰራሕተኛታት ኤምባሲታትን ኤርትራ፡

ብመጀመርያ ኤርትራውን ሃገራውን ሰላምታና ነቕርበልኩም።

እታ ንስድሪ መሬት ክቡር ደምን ኣዕጽምትን ብዓብይኡ ድማ ኩቡር ህይወት ዝሓተተት ኤርትራና ወዲቓትሉ ዘላ ሓደገኛ ኩነታት ኣይትፈልጥዎን ኢኹም ክንብል ኣይንደፍርን። ህዝቢ ኤርትራ ቀያሕቲ ደቁ ከፊሉ ዝጨበጦ ናጽነት ንኸንቱ ወይ’ውን ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንኸጋይጸሉን ክዕንድረሉን ኣይነበረን። ጅግና ህዝብና ግና ሞሳ ዓስቡ ክረክብ ይትረፍ ካብቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝነበረ ሕማቕ ህይወት ናብ ዝኸፍአን ዝመረረን ኣደራዕ ጭቆና ወዲቑ ንረኽቦ። ህዝብና ትርጉም ናጽነት ጠፊእዎ ኣብ ገዛእ መሬቱ ብጩቕ ኢሉ ንኸይዛረብ ተኸልኪሉ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽና ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዒ ክወርዶ እንዳረኣናን እንዳሰማዕናን ብምስምስ ምእንቲ ሞጎጎ ትሕለፍ’ዛ ኣንጭዋ ዝዓይነቱ ፈሊጥ ደጊም የብቅዕ ንበል።

 ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዛዕባ ዝሓለፈ መስዋእትን ምስንካልን ሓርበኛታት ተጋደልትን ኣብ ስድራ ቤቶም ዘውረዶ ሓሳረ መከራን ንጎኒ ገዲፍና ብዝዕባ እዋናዊ ብርሰት ሃገርን ህዝብን እስከ ንደቓይቕ ንሕሰብ። ናይቶም ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ ጀሚርዎ ከብቅዕ ንህዝብና ኣደናጊሩ ተወሪረ ኢሉ ኣብ መጋርያ ሓዊ ናይ ዝጠበሶም እሞ ዝተሰውኡ መንእሰያት ህይወት ተሓታቲ መን እዩ? መንእሰያት ኤርትራ ባርነት ሃገራዊ ኣገልግሎት መሪርዎም ዓይኒ ብለይ ስኒ ብለይ መገሻ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሎም ናብ ፍቖዶ ህሮሩማን በረኻን ሓደገኛ ጉዕዞ ባሕርን ብኣሽሓት ይነፍጹ ኣለው። ኣብዚ ጉዕዞ ክንደይ መንእሰያት ብጽምኢ ማይ፣ ብማዕበል ባሕሪ፣ ብሸፋቱን ብኻልእ ሰበባትን ይሃልቁ ምህላዎም ኩልና ንሰማምዓሉ ጉዳይ እዩ። ናይቶም ኣብ ሓደ ህሞት ኣብ ቀላይ መዲተራንያን ዝሃለቑ ኣስታት 400 መንእሰያት  ከም ኣብነት ክጥቀስ ይከኣል።  እምበኣርከስ ናይዚ ዝጠፍእ ዘሎ ብኣሃዝ ክትቆጽሮ ዘሸግር ህይወት ንጹሃት ዜጋታት ብሓላፍነት ዝሕተት እቲ ውልቀ መላኺ ስለዝኾነ ካብ ስልጣን ንምውጋዱ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ እጃምኩም ከተበርክቱ ደላይ ሰላምን ራህዋን ህዝብኹም ሃንቀው ኢሉ ይጽበየኩም ኣሎ።

  ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ገባቲ ኩለመዳያዊ ወትሃደራዊ ስርዓት ተኺሉ፡ ጽሙእ ህዝቢ ናይ ምጽናት ሕልምታቱ ኣብ ምትግባር ይርከብ። እዚ ብኣኹም ዝመሓደር ዘሎ ጽፍሒ እኮ ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ ብዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ተታሒዙ ኔሩ እዩ። እቶም ልቢ ዘዕበዩ ሙኩራት ገሊኦም ስልጣንካ ኣይንደልን ኢሎም ራሕሪሖሞ ተሰዲዶም፣ ገሊኦም ኣካይዳና ንቐይር ስለዝበሉ ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ ተሰንድዮም፣ እቶም ገሊኦም’ውን ዳሕራይ ብዝበርህ ብዘይተፈልጠ ኩነታት ክቕተሉ ተጌሩን ጌና’ውን ይግበርን ኣሎ። እዚ ኣካይዳ ድማ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረን ስጋብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎን ስለዝኾነን ውዒሉ ሓዲሩ ከምዘረኻኽበልኩም ትዝንግዕዎ ኢኹም ኣይንብል። ካብዚ ኣረሜናዊ እከይ መጻወድያ ወጺኹም ህዝብኹም ተድሕኑሉ ደወል ሓርነት ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ብዝነብሩ መንእሰያት ክድወል እንዳረኣኹም ከተስቅጡ ኣይግባእን።

  ኣብ ስደት ዘሎ ዳርጋ ብሙሉኡ ኤርትራዊ ይኣክል ዝብል ጭርሖ ኣልዒሉ ንስርዓት ኢሰያስ ክኹንን ፍቖዶ ጎደናታትን ኤምባሲታትን ኤርትራ ይምርሽ ኣሎ። እቶም ብረብሓን ብድሕርናን ኣተኩሮኦም ዘጽበቡ ሰዓብቲ ህግደፍ ካብ ዝኾነ ይኹን ጊዜ ንላዕሊ ኣብ ሞራላውን ማሕበራውን ንድየት ወዲቖም ንረኽቦም። በንጻሩ እቲ እምቢ ንመሰለይ ዝበለ ዜጋ ደረት ኣፍ ልቡ ነፊሑ ሸናዕ ኢሉ ናይ ሓርነት ኣየር ከስተንፍስ ዝተረፎ ጊዜ ኣዝዩ ዝተቓረበ ይመስል። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ፈታንን ፈላልይን ሜላ መግዛእቲ ከም ቀደም ሕጂ’ውን ብደቂ ሃገር መራሕቱ እኳ ተበይንሉ እንተነበረ ብጽንዓትን ትብዓትን ኣፍሺሉ ናብ ድርኩኺት ሙሉእ ሓርነት ይምርሽ ኣሎ።

          ወርሒ መስከረም ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ክልተ ተጻራሪ ውድዓውነት ሒዛ ትርከብ። በቲ ሓደ ብረታዊ ቃልሲ ህዝብና ዝተጀመረሉ ማለት ናይ ፈለማ ጥይት ዝተቶኮሰትላ ወርሒ እንክትከውን በቲ ካልእ ግና ተስፋ ዲሞክራሲ ዝተቐብረላ ዲክታቶር ኢሰያስ ጭምብሉ ገሊጹ እንታይነቱ ዝኣወጀላ ወርሒ እያ። እቶም ምንም ኣበሳ ዘይብሎም ንጹሃት መብዛሕትኦም ዕሸላት ጋዜጠኛታት ሃገርና ነቲ ኣብ ሞንጎ ውልቀ መላኽን ጸገንትን ንዝነበረ ኩነታት ሞያዊ ግዴትኦም ክንሱ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ኣቕሪብኩም ተባሂሎም ጸሓይ ኣዱንያ ናብ ዘይርእይሉ ሸላታት ዝተደርበዩላ ወርሕ’ውን እያ። እዞም ሰበስልጣን መንግስትን ጋዜጠኛታትን ካብ ዝእሰሩ ድማ ብዘይፍትሕን ፍርድን ዓሰርተ ዓመቶም ኣቑጺሮም ንረኽቦም።           

  ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ነቶም ንስልጣኑ ባሪኾም ኣብ ምዕዛዝ ዝንኡን ህቡብነቱን ኩሉ መዳያዊ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ናይ ቁልዕነት ብጾቱ ዝወሰዶ ጨካን ኣስካሕካሒ ስጉምቲ ኣብ ግምት የእቲኻ ብዛዕባ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ክግደስ እዩ ኢልካ ምጽባይ የዋህነት እዩ። ንሳቶም ስልጣንካ ኣረክብ ዘይኮነስ ብሕጊ ተቐይድና ንኺድ ኣካይዳና ነመሓይሽ ስለዝበሉ እዮም መቐጸልታ ግዳይ እከይ ተግባራቱ ኮይኖም ዝርከቡ። እዞም ንእስነቶም በጃ ሃገር ዘወፈዩ ሓርበኛታት ንህይወቶም ኣብ ጸልማት ሸላ፡ ንቤተሰቦም ኣብ መንጋጋ ኣራዊት ስርዓት ኢሰያስ ገዲፎም ዝኸዱ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ምኻኑ ተገንዚብኩም ኣሰር እዞም ሙዑታት መራሕትኹም ክትስዕቡ ንሕና ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዘለና መንእሰያት ጻዊዒትና ነቐድም።          

 ዓለምና ብሰውራ ደሞክራስን ፍትሕን ኣብ እትሕቆነሉ ዘላ እዋን እቶም ትማሊ መሻርኽቲ ኢሰያስ ኮይኖም ንሃገርና ዝመጹ ዝነበሩ፡ ወይ’ውን ኢሰያስ ወግሔ ጸብሔ ዝነግዶም ዝነበረ ሃብታማት ውልቀ መለኽቲ ገሊኦም ኣብ ፍርዲ ቤት ክንከራተቱ ገሊኦም ድማ ከም ኣንጭዋ ውሻጠ ክህደኑ ካብ ምርኣይ ዝዓቢ ትምህርቲ ኣሎ ኣይንብልን። እሞ እዚ ኩነት ይውዓል ይሕደር ብዝኾነ ይኹን ሜላ ኣብ ሃገርና ክገሃድ ምኻኑ ፈሊጥኩም ከም’ቶም ለባማት ምስ ህዝቦም ዝወገኑ ሰበስልጣን ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ቅልጡፍን ቅጽበታውን ስጉምቲ ንኽትወስዱ ብስም እቶም ሕድሮም ተጠሊሙ ዘሎ ሰማእታት ኤርትራ ንጽውዕ። ካብዚ ብደም ንጹሃት ዝጠልቀየ ዲክታቶር ተገላጊልኩም ካብ ተሓታትነት እትድሕኑሉ ጊዜ ሕጂ ስለዝኾነ ከይዓረበ እንከሎ ተጠቀሙሉ ንብል።

ዲክታቶር ተወጊኑ ሕድሪ ሰማእታትና ስጋብ ዝትግበር መኸተና ቀጻሊ’ዩ!

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!