ኣብ ኒውዮርክ እንታይ ይባሃክ ኣሎ / &#
نشر من قبل omaal في 09:22 صباحا - 02 11 1432 هـ (29 09 2011 م)

ኣብ ኒውዮርክ እንታይ ይባሃክ ኣሎ

ንመራሒ ጭፍራ በሎ በሎ ለብዘበን ሓዲኡሎ ይባሃል ኣሎ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ER Flage 2011.jpg

Flower.jpg

 


تفاصيل الخبر

ኣብ ኒውዮርክ እንታይ ይባሃክ ኣሎ

ንመራሒ ጭፍራ በሎ በሎ ለብዘበን ሓዲኡሎ ይባሃል ኣሎ

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ER Flage 2011.jpg

Flower.jpg
 

ሓበን ሃገር ደቂ ኤረይ

ደሃይኩም ኣቕሲንዎ ልብውይ

ዕምሮም ካሓጽርዩ እኒ ህበይ

ደስደስ ንኤረትራዊ መንእሰይ።

ኣብ ኒውዮርክ ዝባሃል ዘሎ

ሉኡኽ ኣስራተካሳ ዘጽነተና ያኣኽሎ

ካብ ሱሩ ንቀሎ

ንመራሒ ሸፋቱ በሎ በሎ

ኣብ ደንሃግ እዩ ቦታኻ ይባሃል ኣሎ

20.11 ሓዲኡሎ

ከምዚዩ ኣብ ኒው ዮርክ ዝባሃል ዘሎ።

ሓርበኛታት

ካብ ካናዳ ንኒውዮርክ ነቂሎም

ንሓርበኛታት ኣመሪካ ክሕግዝዎም

ሰብኣዮም ሰበይቶም

ወዶም ጓሎም

ኣሕዋት ጀጋኑ ስውኣትና ተላዒሎም

ያኣክል መግዛእቲ ጭፍራ ኢሎም

እቲ ካብ ሃገሮም ዘባረሮም

መራሒ ሸፋቱ ሲዒቡ ኣሰሮም

መንእሰያት ምስ ኣያታቶም

ኣብ ጎኑ ኣቦታቶም ኮይኖም

ካብ ኩሉ ኩርናዓት ኣመሪካ ታኣኻኺቦም

ሕነ ጀጋኑ ክፈድዩ ብቃላቶም።

(ከምዚዩ ኣብ ኒውዮርክ ዝባሃል ዘሎ)

ኣየክጥዕም ክትፈዲ ሕነኻ

ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ዓለም ክንካ

ንደመኛኻ

ክተጋልጾ ኣብ ኣዳባባይ ወጺኻ

ደሞክራሲ መሰልካ ተጠቒምካ

ነቲ ደም ዘንበዓካ

ክትብሎ ከለኻ

ምስ ጭፍራኻ

ቁጸር ማኣልትኻ

(ከምዚዩ ኣብ ኒውዮርክ ዝባሃል ዘሎ)

ኣሞራ ዶ በለ ወዮ ዎይጦ

ዑሱብ ናይ ጃንዳ ምኹኑ ንፍለጦ

ደሞክራሲ እንታይ ኣፍለጦ

ንዓምኻ ኣብ ስደት ብቃላት ንዘብጦ

ምስ ተመልሰ ብህዝባዊ ናዕቢ ንግልብጦ

ደጊሚ ንወኻሩ ቦታ ከምዘየሎ ፍለጦ

ኣብ ኒውዮርክ ከምዚዩ ዝባሃል ዘሎ።

ኣብ ኤረትራ ብቅጭሕርሙ ንሽንድሖ

ያኣኽሎ እንዳ ፈላለየ ክሳብ ሕጂ ዝጸንሖ

ንኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ የሎን ዝፈርሖ

ቀሪቡዩ ጃንዳ ህግደፍ ካብ ሱሩ ክሞሖ

ጸሊም ታሪኽኩም ክበልዖ ፍልሖ

ከምዚዩ ኣብ ኒውዮርክ ዝባሃል ዘሎ።

ደጊም የሎን ትዕግስቲ

ቀሪባያ ናይ ውድቀትኩ ማዓልቲ

ደቂ ኤረይ ተላዒሎም ሰብኣይ ሰበይቲ

ኩሉ ተረዲእዎዩ ኣሰተውዕሉ ተዓዘብቲ

ሕጂ ሰማዕቲ ጽባሕ ተሓተቲ

ከምዚዩ ኣብ ኒውዮርክ ዝባሃል ዘሎ።

ኤረትራዊያን ሓድነትና ኣትሪርና

ጸረ ህግደፍ ሰሚርና

 ንንሕናን ዕላማናን ኣለሊናዮም ኢና

ወይልኡ ዝጸንሕ ኣብ ሞንጎና

ኣለናወ ደቀባት ኣለና

ክንምክቶም ንሰብ ደምና

ካብ ርሑቅን ቀረብን ተኣኻኾብና

ክነጋልጾም ንደመኛታት ህዝብና

ኣስላምና ክስታንና ሐደ ኢና

ብጀካ ህግደፍ ጸላኢ ነይብልና

ንስርዓት ኢሰያስ ምስ ኣለና

ኣብ ንቡሩ ክምለስዩ ባይቶ ዓደባና

እዚዩ ምልእኽቱ ሰላማዊ ሰልፍና

ከምዚዩ ኣብ ኒውዮርክ ዝባሃል ዘሎ።

ኣስላምና ክስታና

ትግረና ከበሳና

ዓፋርና ኩናማና

ሳሆና ቢለና

ጀበርቲና ሕዳረብና

ባርያና ኤሊትና

ራሻይዳና

ኤትራዊያን ደቀባት ኢና ኩሉና

ኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ ኣይኮኑን ወከልትና

ከምዚዩ ኣብ ኒውዮርክ ዝባሃል ዘሎ።

ሎሚ ዘይከተተ

ብደዉ ዝመተ

ምስ ጠለምቲ ሕድሪ ዝሃውተተ

ስርዓት ገበተ ምስ መተ

ህዝባዊ ቃልሲ ምስ ተዓወተ

ሹዑ ሰማእታትና ይቀስኑ ደቂ ዓዋተ።

ዓወት ነቲ ደምዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጃጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን