ርሑስ በዓል መስቀል ይግበረልና 
نشر من قبل omaal في 10:48 صباحا - 02 11 1432 هـ (29 09 2011 م)

ENCD March 2011.jpg

ርሑስ በዓል መስቀል ይግበረልና 

 


تفاصيل الخبر

ENCD March 2011.jpg

ርሑስ በዓል መስቀል ይግበረልና 

 Happy Madkel.jpg

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ እንቋዕ ንበዓል መስቀል ኣብጽሓኩም ይብል። በዓል መስቀል ንህዝቢ ኤርትራ በዓል ሰላምን ራህዋን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይምነ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሰዓብቲ ኩሉ ሃይማኖታት ነቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝግበር ዘሎ ኢድ ምትእትታው ብምንጻግ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምውሓስን ምጥንካርን ክጽዕሩ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ብምድጋፍ፡ ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ደው ክብሉን ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ጉባኤ ዕዙዝ ተራኦም ክጻወቱን ይጽውዕ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ !!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

28 መስከረም 2011

WWW.ENCDC.COM