ምድላው ንሰላማዊ ሰልፊ
نشر من قبل omaal في 03:35 صباحا - 04 11 1432 هـ (01 10 2011 م)

ምድላው ንሰላማዊ ሰልፊ

ኣብ ከተማ ጊዘን ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ምድላው ንሰላማዊ ሰልፊ

ኣብ ከተማ ጊዘን ሃገር ጀርመን

ንሰንበት ዕለት 2 ጥቅምቲ 2011 ኣንጻር‘ቲ ሕሱም ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ፊት ኤክስፖ (መሰ Messe Giessen) ከተማ ጊሰን ሰዓት 4 ድ.ቀ. (16) ክጀምር ምዃኑ ንኵሎም ግዱሳት ኣሕትን ኣሕዋትን ደጊምና ብኽብሪ ነፍልጥ።

German Oc 2011.jpg

ቆጸራና ኣብ መቐመጥ መኻይን ናይ ሽላኽትሆፍ ስትራሰ Schlachthofstraße

ኣውቶቡሳት ንኣሽቱ መኻይን መቐመጢ ኣብ Schlachthofstraße(ብነጻ)

ኩነታት ኣየር ጽቡቕ ዝኸውን እኳ እንተመሰለ፡ ኣይፍለጥን መደረብታ ምሓዝን መዕቀል ዝናብ ዝኸውን እውን ምምላእን ዝሓሸ ከይኰነ ኣይክተርፍን እዩ።

እንተ ተኻኢሉ ናይ ጁባ መብራህቲ (Taschen lampe) ዝበሃል ለዘር ዘይዀነ ብባትሪ ዝኸይድ ምምላእ ዝምረጽ እዩ።

ሽግ (ፋከል)ን፡ ሽጉጥን ሽጉጥ ዝመስል ነገራትን፡ ግምት ካብ ክልተ ሜትር ዝነውሕን ካብ 2 ሰንቲ መተር ንላዕሊ ዝርጕዱን ኣዕጻውን፡ ናይ ሓጺ በትርን ውዘተ….. ኣይፍቀድን።

ካብ ወጻኢ ንዝመጽኡ ኣሓትን ኣሕዋትን ግድን መዕረፍ ኣጋይሽ ምስ ዘድሊ ኣብ ቍጽሪ ስልኪ

+49 (0) 175 1857 463 ይደወል።

ብምድሪ ባቡር ንዝጐዓዙ ዘበሉ ኵሎም ኣብ መዕረፍ ባቡር Oswaldsgarten, Gießen ምስ ዝወርዱ፡ ካብኡ ብእግሪ ሮድሀይመር ሽትራሰ (Rodheimer Straße) እንተሒዞም፡ ዝቐረበን ካብ‘ዚ ቦታ‘ዚ ንደሓር ከኣ ዝያዳ ሕሉውን እዩ።

ንምምጽእ ተዳልዮም ዘለዉ ኤርትራውያን ተሳተፍቲ ስላማዊ ሰልፊ ንምፍላጥ ኣድላዪ ኰይኑ ይርከብ ስለ ዘሎ እንተ ተኻኢሉ ኣብ ቍጽሪ ስልኪ +49 (0) 157 2599 572 ሓበሬታ ይወሃቡ።

ንዝዀነ ይኹን ካልእ ሓበሬታ

+49 (0) 175 1857 463; +49 (0) 157 2599 572; +49 (0) 157 853441975

ሰላማዊ ሰልፍና ብሰላምን ርግኣትን ንኽሰላሰል ናይ ኵላህና ሓላፍነትን ድልየትን ምዃኑ ፍሉጥ እኳ እንተዀነ ኵሉ በብወገኑ ዝያዳ ሓለዋ ክገብር ሽማግለ ተዘኻኽር

ብደሓን ምጹ

ሽማግለ  ሰላማዊ ሰልፊ ጊዘን

ሃገር ጀርመን 30.09.2011