ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 05:14 صباحا - 07 11 1432 هـ (04 10 2011 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

ይ.9.ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

ይ.9.ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ኤረትራዊያን ዘበት ጸኒትና

ንኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ ደምሲስና

ናይ ግድን ዓወትና።

(በቶም ጀጋኑ ወረስቲ ሕድሪ)

ሕነ ፈድዮም ናይተን ዝበኸያ

ማንኪ መንገዲ ጠፊእዎ ሃዲሙ ብጽርግያ

ኣንፈቱ ሲሒቱ ወሲኹሉ ጉያ

ብደም ዝጠልቀየ ዓስቡ ንሳያ።

ኣብ ኒውዮርክ ተዓዊቱ ሃገራዊ

ሰሚዕኩም ዶ ዎይጦ ከእዊ

ዝብሎ ጠፊእዎ ቲ ሓሳዊ

ሉኡኽ ናይቲ ሃገር ምዕነዊ

ዘይኮነ ጽውጽዋይ ዝጸዊ

ፎእ ንህግደፍ ሓሳዊ

ፎእ ንመራሒኦም ኣጓዲ ሓዊ

ብደም ዝተሃንጸት ሃገር መዕነዊ

ማዓልትኻ ቁጸር ኣታ መባላሸዊ።

መንእሰይ ተበጊሱ

ወለኹም ቶም ትውድሱ

እንዳ ሰምዑ ዝደቀሱ።

(እቲ)

ድሕሪ ነጻነት ተወሊዱ ዝዓበየ

ኢሉ ብሓይሊ ይተኣለቲ ብደም ዝጠልቀየ

ይብል ኣሎ ንዋርሳይ ክሕግዞየ

ንሓርነት ንፍትሒ ተበጊስየ

ሕነ ጀጋኑ ክፈዲየ

ክሽንድሖ ነቲ ዓገብ ምስማዕ ዝኣበየ

ነቲ ብዓመጽ ኣሓትና ዘብከየ

ንጭፍራ ኩዒተ ክቀብሮምየ

መን ኣሎ ብጃንዳ ዘይበኸየ።

እቶም ንዓመታት ዝበሉ ከርተት

እንዳ ተባህለ ሃገራዊ ኣገልግሎት

ቶም ተባዓት

ኣብ ልዕሊቶም ደመኛታት

ተዓዊቶም መንእሰያት

ኣብ ኒውዮርክ

ንማንኪ ገሮሞ ኣውያት ንኣውያት

ሰማእታትና ተኪኦም ሓርበኛታት።

(ኤረትራ ጀጋኑ ወሊዳ)

ሳሃራ ሰገሮም ውቅያኖስ

ኣብ ኒውዮርክ ንማንካ ንቲፋኖስ

ኢሎሞ ደም ጀጋኑ ሰቲኻ ዶ ይድቀስ

ምስ በልዎ ቶም ተባዓት

ኣንፈቱ ስሒቱ ቲ ድያብሎስ

ህዝቢ ኤረትራ ኢልዎ ደስደስ ደስደስ።

(ኣይንሰድድን ሕቶ ህዝቢ መልሱ ኣድሚጸን ተን ዋዕሮታት)

ወሪሳ ናይ ተን ንመግዛእቲ ዝደምሰሳ

ኣብ ኣመራካ ዳስ ህግደፍ ኣፍሪሳ

ናይተን ዕርድታት ጸላኢ ዘፍረሳ

ናይተን ዋዕሮታት ጨው ሳሊና ዝጣሓሳ

ኣብ ኣመሪካ ዳስ ህግደፍ ኣፍሪሳ

እወ ንሳተን ንሳ

ኣብ ዳስ ህግደፍ ጭዲረን ከም ኣንበሳ። 

እታ ዋዕሮ

ውላድ ሓራስ ነብሪ ኣለዋ ትገብሮ

ወሪሳ ናይ ኣደታታ ተሞክሮ

ዓጢቓያ ንህግደፍ ነበረያ ነበረ ክትገብሮ።

ኤረትራዊ ዘረባ ግደፍ

ዓወትና ክቃላጠፍ

ንወይጦታት ህግደፍ

ምስ መራሒኦም ክነጽድፍ።

(ኤረትራዊ)

ጸረ መግዛእቲ ኣብ ኣኻራናት ዝሓደረ

ንፈተውቱ ማዓር ንጸላእቱ ዕረ

ዘይስበር እምኒ ዓረ

ኣሰር ዓዋተ ዝነደረ

ሃየ ተበገስ ዕጠቆ ቲ ናይ ቀድም ስረ።

ጸረ ገዛእቲ ዝነበርካ ጅግና

ኣጆኹም ንበሎም ንመንእሰያትና

ዲክታቶራዊ ስርዓት ከይደምሰስና

ቅሳነት ኣይንረክብን ኢና።

ዓወት ነቲ ደምዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን