ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 06:14 صباحا - 12 11 1432 هـ (09 10 2011 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

10.ይ ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

10.ይ ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ከምቲ ናይ ኒውዮርክ

ኣብ ጊሰን ተደጊሙ

ኣሰር ናይ ቶም ጀጋኑ ንማንኪ ዘህደሙ

ትምህርቲ ሂብዎም ነቶም ዝጸመሙ

ንስርዓት ሽፋቱ ዘህብትሙ

ብድምጺ ውጹዓት ምስ ተጨልገሙ

ሰብኣዮም ሰበይቶም ሪኢናዮም ክቑዙሙ።

(ህግደፋዊያን ጭርሖኦም)ኢሱ ዘይበለ ካባና ይፈለ)

ንሕና ካኣ ንብሎም ንህዝቢ ዝበደለ

እወ ካብ ኤረትራ ይተኣለ

ወይጦ ዝበለ እንተበለ

እዋኑ ሕጂዩ ጃንዳ ብሓይሊ ክእለ።

ህግድፋዊያን ከም መራሒኦም ዝዓበዱ

ውሕ ውሕ ኣሰር ዓብደላ ጃብር ዓሊ ዓብዱ

ድሕሪ ቶም ከም ድራኩላ ደም ዝለመዱ

መራሒኦም ብደም ኤረትራዊያን ጠይቂዩ ኢዱ

ቀሪቡዩ ክቅበል ፍርዱ።

ቀሺ ዶ ንዲክታቶር ይውድስ

ሓገዝ ነቲ ደም ህዝቢ ዘፍስስ

ንድያቆን ውን ሰሪርዎም ድያብሎስ

እቶም ኣይግዶም ዝፈሰሰ ደም ይፍሰስ

ምስ ጠለምቲ ሕድሪ ዝብል ሑልኩስኩስ።

ኣብ ጊሰን ንሳዓብቲ ጭፍራ ኣርዒድና

ተዓዊትና ሃሪምና ዕላማና

ንሳዓብቲ ንዕባይ ኣባሻውል በዲህና

ኵዒትና ክንቀብሮም ቀሪብና

ብር ኢሎም ይታሓጎሱ መንእሰያትና

ኣብ ኒውዮርክ ጸባ ኣስትዮም ንህዝብና።

ካብ ሙልዝእ ኣውሮጳ

ኤረትራዊያን ታኣኪብና ኣብ ጀርመን

ነቲ ብሓይሊ ዝገዝእ ዘሎ

ንመራሒ ሸፋቱ ኣይውክለናን ክንብሎ።

ካብ ሽወደን ምስ በለ ደበኽ

ካብ ስውስ ምስ በለ ኣለኹ

ካብ ሆላንድ ምስ በለ መጻኹ

ካብ ኖርወይ ምስ በለ እነኹ

ሹዑ ህግደፋዊያን ሕልንኦም መኺኹ።

ደቂ ኤረይ ተኣኻኺብና ኣብ ጊሰን

ንወይጦታት ህግደፍ ክደፍን

ወይልኡ ንህግደፍ ዝኣመነ

ኤረትራዊ  ይብል ኣሎ ክፍደዩ ቲ ሕነ

ለብዘበን ሓዲኡሎ እወ ክፍደዩ እቲ ሕነ።

ጅግና ትሰምይዎ ነቲ ደመኛ

ናብ እስሪበት ቀይርዋ ንሃገርና

ያኣክል ንስኻ ንሕና

ንሕና ንስኻ

ሓሕ ንበሎ ሓቢርና።

ደቂ ኤረይ ተላዒልና ኢና

ወይሉኡ ዝጸንሕ ኣብ ቅድመና

እንቢ ንምልኪ ኢልና

ብውሽጥን ብደገን ተላዒልና።

(ንጃንዳ ህግደፍ)

ነበረያ ነበረ ክትገብር እንተኮንካ

ኤረትራዊ ተላዓል ንመሰካ

ንጭፍራ ክተባርር ሓቢርካ

ኣብ ንቡር ክምለስ ባይቶ ዓደቦኻ

ናይ 30 ዓመት ቃልስኻ

ጭፍራ ጨውዮሞ ናጽነትካ

20 ዓመት ደሚኻ

ተንስእ ንሪምካ

ካብ ሱሮም ክማሓዉ ሰብ ደምካ

ቶም ደም ዘንብዑኻ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብ ዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸወት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን