ናይ ሓዘን መግለጺ
نشر من قبل omaal في 05:23 صباحا - 14 11 1432 هـ (11 10 2011 م)

Alaince 1.jpg

ጨንፈር ዋሽንግቶን ዲስን ከባቢኣን

ናይ ሓዘን መግለጺ

 


تفاصيل الخبر

Alaince 1.jpg

ጨንፈር ዋሽንግቶን ዲስን ከባቢኣን

ናይ ሓዘን መግለጺ

      ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ትግራይ ጽንዓት ይሃብኩም፣ንሕና ኣባላት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ጨንፈር ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን ብ26 መስከረም 2011 ኣብ ልዕሊ ስነ-ጥበባውያን ጉጅለ ባህሊ ፖሊስ ኦርኬስትራ ትግራይ ዘጋጠመ ሃንደብታዊ ሓደጋ መስዋእትን ከቢድ መቑሰልትን ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን ደረት የቡሉን።

      እዞም ሕጂ ባህሊ ሰላምን ልማዓትን ንምስላጥ ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ ዘይሓሰብዎን ዘይተጸበይዎን ናይ ሞትን መቑሰለትን ሓደጋ ዝበጽሖም ጀጋኑ ስነ-ጥበባውያን ኣብ ዝሓለፈ መስርሕ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ጸረ-ደርባውን ብሄራውን ጭቆናን ዕብለላን፣ድርብ ዕጥቂ ዓጢቖም ማለት፡ ብሓደ ገጽ ብረት ዓጢቖም ምስ ኩሎም ተጋደልቲ ብጾቶም ኣንጻር ፋስሽታዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርጊ እንዳተዋግኡ፣ በቲ ካልኣይ ገጽ ድማ ተፎጥሮኣዊ ተውህቦኦም ዝዓደሎም ስነ-ጥበባዊ ክእለት ብምጥቃም፡ ሕፋሽ ህዝቢ ትግራይ ክነቅሕን ተወዲቡ ጸላእቱ ከወግድን ንምብቃዕ፡ ህዝባዊ ሓርበኛዊ ናይ ቃልሲ መንፈስ ኣብ ምቕራጽን ምጉስጓስን ልዑል ናይ ቃልሲ ተራ ዝተጻወቱ ሓርበኛታት ምዃኖም ታሪኽ ዘረጋግጾ ሓቂ ስለዝኾነ ኣብ መዛግብ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ተቐሪጹ ንዘለኣለም ክነብር ኢዩ።

    ሃንደበታዊ መስዋእቲ ናይዞም ጀጋኑ ስነ-ጥበበኛታት ከቢድን መሪርን ይኹን’ድኣምበር፡ ተቓላሳይ ህዝቢ ትግራይን ተቓለስቲ ደቁን እዞም ጀጋኑ ስዉኣት ኣብ መስርሕ ዕጥቃውን ሰላማውን መድረኻት ብዘበርከትዎም ድርብ ታሪኻዊ ዓወታት ክሕበኑን ክኾርዑን፡ ንዘጋጠሞም ከቢድ ሓዘን ብጽንዓት ተጻዊሮም፡ ሓደራ ናይ’ዞም ስዉኣት ግብራዊ ንምግባር ኣብ ዝገብርዎ ንጥፈታት ሙሉእ ጽንዓትን ትብዕትን ንምነየሎም።ንስድራ-ቤት ስዉኣት ጽንዓት፣ ንስዉኣት መንግስተ-ሰማይ፣ ከቢድን ቀሊልን መቑሰልቲ ንዝበጽሖም ግዳይ ናይ’ቲ ሓደጋ ዝኾኑ ስነ-ጥበበኛታት ከኣ ካብቲ ዘጋጠሞም ሓደጋን ቃንዛን ተላቒቖም ሙሉእ ጥዕና ረኺቦም ሂወቶም ክመርሑ ንምነየሎም።

ክብርን መጎስን ንስዉኣት

ካብ ኣባላት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

ጨንፈር ዋሽንግቶን ዲስን ከባቢኣን

ጥቅምቲ 08/2011።