ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት እጃምና ነ&#470
نشر من قبل omaal في 06:02 صباحا - 02 12 1432 هـ (29 10 2011 م)

ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት እጃምና ነበርክት!!

Donete 2011.jpg


تفاصيل الخبر

The ER NCDC Octo 2011.jpg

ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት እጃምና ነበርክት!! 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን፡ ምስ ኣባላት ተሓጋገዝቲ ሽማግለታት ንጉባኤን ጉድሳት ኤርትራውያንን ብምትብባር፡  ነቲ ዝተሰከሞ ሃገራዊ ሓላፍነት ንምዕዋት ክነጥፍ ጸኒሑ ኢዩ። በዚ መሰረት ተሳትፎ መላእ ህዝብን ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጥን ኣብቲ ታሪኻዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንምርግጋጽ፡ ምድላዋቱ ኣጻፊፉ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ይርከብ። ነዚ ዓቢ ሃገራዊ ሓላፍነት፡ ትልሚ ሃገራዊ ጉባኤ ብምልኣት ክዕወት ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ክጉልብትን፡ ህዝባዊ ተሳትፎ ንክራጋግጽን፡ ቀጻሊ ቁጠባዊ ኣበርክቶን ተግባራዊ ስርሓትን ኣድላይነቱ ዕዙዝ እዩ።

 ኣብ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓርነት ቃልሲ፡ ሰፊሕ ህዝባዊ ተሳትፎን ተወፋይነትን ቀዳማይ ረቛሒ እዩ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን፡  ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 13 ወርሓት ዘካየዶ ጻዕሪን ዝዓመሞ ዕማምን ኣቃሊልካ ዝርአ ኣየኰነን። ኣብ ሙሉእ ዓለም፡ ልዕሊ 400 ዝኸውን ህዝባዊ ኣኼባታት ብምክያድ፡ ኣብ ልዕሊ 23 ሃገራት፡ ልዕሊ 1,000 ተሓጋገዝቲ ኣባላት ዘለውወን ልዕሊ 70 ተሓጋገዝቲ ሽማግለታት ንጉባኤ ኣቑሙ ኣሎ። ኵሎም ኣባላት ተሓጋገዝቲ ሽማግለታት ንጉባኤ፡ ህዝቢ ንምልዕዓልን ነዚ ታሪካዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን፡ ዘበርክትዎ ዘለዉ ኵሉ መዳያዊ ዓቕሚን ምርብራብን ኣዚዩ ዝነኣድ እዩ።

Donete 2011.jpg

ህዝብናን ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሕብሪን/ብዝሑነት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዘንጸባርቕን ባህግታት ህዝብና ዘማልእን ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን፡ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን ዝሰፈና ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምርኣይ፡ ኣብ ሓደ ትልሚ ሃገራዊ መስርዕ ተሰሊፉ ነዚ ረዚን ዕማም’ዚ ንምስልሳል ማእለያ ዘይብሉ ጉልበቱን ግዚኡን ገንዘቡን የወፊ ኣሎ ። ብርግጽ ክንድ’ዚ ዝኣኽል ከቢድ ሃገራዊ ዕማም ብዘይተሳትፎን ተወፋይነትን ህዝብና ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣባላት ኮምሽንን ተሓጋገዝቲ ህዝባዊ ሽማግለታት ንጉባኤ ኣብዚ በጺሕዎ ዘሎ ጥርዚን መደምደምታን ኣይምበጸሐን። ዕውት ክኸውን እውን ኣይኽእልን እዩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ነቲ ኩሉ ዝተገብረ ጻዕርታትን ተወፋይነትን ልዑል ምስጋንኡ የቕርብ።

ይዅን ድኣ’ምበር፡ እዚ’ውን ብመንጽር ተሪፉና ዘሎ ዕማም፡ ኣኻሊ ኣይኰነን።  ኮምሽን እዚ ታሪኻዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ምእላይ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዅሉ ባህግታት ህዝብና ዘማልእ፡ ሰላም ፍትሕን ቅሳነትን ዝሰፈና ደሞክራስያዊት ኤርትራ ዳግም ኣብ ምምስራት ዓቢ እጃም ኣለዎ ይብል።  ስለዚ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘሎ ኵሉ ኤርትራዊ፡ ውልቃዊ፡ ግጅለኣዊን ውድባዊን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታትን ፍልልያትን፡ ንጐኒ ገዲፉ፡ ሕጂ’ውን እቲ ተሪፉ ዘሎ ዕማም ቀሊል ዘይምዃኑ ብምስትውዓል፡ ብመንፈስን ሓሳብን ብግብርን ኣብ ዙርያ እቲ ወርሒ ሕዳር 2011 ክጋባእ ተመዲቡ ዘሎን 553 ኤርትራውያን ከሳትፍ ትጽቢት ዝግበርሉ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ዓሲሎም ኣብ ናይ መወዳእታ ሽቶኡ ንምብጻሕ ክጽዕሩ ይጽውዕ፡ ኣብ’ዚ ህዝብናን ሃገርናን ንምድሓን ዝሓሸ ሃገራዊ ባይታ ዘለዎ ሃገራዊ ጉባኤ፡ ህግደፍ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጥምጥም ብሓባር ክስለፍን ክሸባሸብ ክራባርብን ይግባእ።

ENCDC Bank Account.jpg

ኣብ ገዛእ ርእስና ተሞርኵስና፡ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ናይ ህዝብና ቑጠባዊ ሓገዝ ወሳኒ እዩ። ከምቲ 50 ሎሚን ንሓደ ሰብ ጾር ንብዙሓት ግን ሽልማት ዝበሃል ምስላ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ዝደሊ ዜጋ፡ ነዚ ታሪኻዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ህጹጽ ቍጠባዊ ሓገዝ ከበርክት ሃገራዊ ኮምሽን በዚ ኣጋጣሚ ጻዊዒቱ የቕርብ፡፡ ኵላትና ኤርትራውያን፡ ብፍልጠትና፡ ብቑጠባዊ ትሕዝቶና፡ ጉልበታዊ ዓቕምና ንኸነበርክት ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ይሓተና ኣሎ። ኮምሽን ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ኵላትና እጃምና ነበርክት ይብል!!

እቲ ዝብርከት ንጉባኤ ዝኸውን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣብላዓሊ ዘሎ ባንኪ ሕሳብን ኣድራሻን ኪትስድዎ ትክእሉ ወይውን አብ ከባቢኹም ንዘለዉ ኮምሽነራትን ንኣባላት ተሓጋገዝቲ ህዝባዊ ሽማግለን ተወከሱ። ብመርበብ ሓበሬታ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን http://encdc.com/donate-now/ 

 ብቀጥታ ምውፋይ’ውን ምልኣኽ’ውን ይከኣል እዩ። ንወፈያኩም ሕጋዊ ቅብሊት ክወሃብኩም ተዳልዩ ኣሎ፡፡

ሎሚ’ውን ብርእሰ-ምትእምማን ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ክንረባረብ ኢና!!

ኣብ ኤርትራ ምልኪ ፈሪሱ ሕጊ ይንገስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

 ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

25 ጥቅምቲ 2011

WWW.ENCDC.COM