ዕውት ፈላሚ ንናይ ውሽጥን ደገን ህ&#48
نشر من قبل omaal في 06:58 صباحا - 21 12 1432 هـ (17 11 2011 م)

 ዕውት ፈላሚ ንናይ ውሽጥን ደገን ህዝቢ ዘራኸበ ፈተነ

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ

ቤይ ኤርያ- ካሊፎርኒያ


تفاصيل الخبر

ዕውት ፈላሚ ንናይ ውሽጥን ደገን ህዝቢ ዘራኸበ ፈተነ

         ዝሓለፈ ዓርቢ ማለት 11/11/11 . ንአብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነብር ህዝብና ነቶም አብ በረኻ ሲናይ ዝሃለቑን ገና ዝሃልቁ ዘለው ደቁ ናይ ሓዘን ምሸት ገይርሎም ንኸምሲ ምጽዋዕና ይዝከር። እዚ ጻውዒት በቲ ኩሉመዳያዊ ስመረት ንምውጋድ ስርዓት ህግደፍ ኢሉ ተላዒሉ ዘሎ ደምበ ደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ዓቢ ጎስጓስን ጻዕርን እዩ ተኻይዱሉ። ነቲ ብሰንኪ ጨካን ስርዓት ህግደፍ ሪዒዱን ተምበርኪኹን ዘሎ ህዝብና ርእሰ ተአማንነት መሊሱ አካል ናይዚ ናይ ለውጢ ሓይሊ ንምግባሩ ዝተገብረ ውሕሉል ስርሒት ድማ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ካብ ውሽጢ ዓዲ ዝረኸብናዮም ጸብጻባት ይሕብሩ።

         ሓደ ብቶታሊታርያን ሚሊታሪዝም ዝመሓደር ህዝቢ አብ ሓደ ለይቲ ናዕቢ ወይ ተቓውሞ ከልዕል ከምዘይክእል ፉሉጥ ኮይኑ፣ እቲ ዝተገብረ ናይ ሓዘን ምሸት ጻውዒት ንህዝብና አብ ሓደጋ ንኸይአቱ አብ ግምት ዘእተወ እዩ ኔሩ። አብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን ንቤተሰቦም የዕሩኽቶምን ማሓዙቶም እንዳደወሉ አብ ርእሲ ዝገበርዎ ጻዕሪ ብተወሳኺ ንብአማኢት ዝቑጸራ መንበሪ ገዛውቲ ብሃንደበት ብምድዋል ነዚ አስካሕካሒ አብ መንእሰያት ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ በደል ድሕሪ ምዝርዛር አብዚ ናይ ሓዘን ምሸት ሽምዓ አብሪሆም አብ ቤቶም ንኸምስዩ ጻውዒት ተገይርሎም።

          አብቲ ሃንደበት ዝግበር ዝነበረ ናይ ተሌፎን ምድዋል አብ ውሽጢ ዝነብር ህዝብና ነቲ መልእኽትና ብጽሞና ይሰምዓናን አወንታዊ መልሲ ይህበና ምንባሩ ንፍናን ቃልስና ዘበራበረ ተርእዮ ስለዝኾነ ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ አይንደልን። ሓደ ሓደ ውልቀሰባት ብዘይ ፍርሒ ስሚዒታቶም ክገልጹ እንክትሰምዕ ህዝብና ማዕረ ክንደይ ለውጢ የድልዮ ምህላው ይበርሃልካ። ነዚ ኮይኮነ አይተርፍን ቡዙሓት ስድራ ቤታት አብ ቤተን ሽምዓ አብሪሀን ከምስያ እንከለዋ፤ አብ ሓደ ሓደ ቦታታት መንእሰያት ተአኪቦም ሽምዓ አብሪሆም ከምዘምሰዩ ካብ እሙናት ምንጭታት ሓበሬታ ተረኺቡ አሎ።

         ነዚ ፈላሚ ፈተነ ዕውት ንምግባሩ ኩሉ መዳያዊ ጻዕርታት ዘካየዱ ማዕከናት ዜና ብፍላይ ድማ ሬድዮ ኤረና፤ ከምኡውን ብፈይስ ቡክን ብፓልቶክን ነዚ መደብ ንምዕዋቱ ዝተቓለሱ ኤርትራውያን ንዝገበርዎ ጻዕሪ ከየሞገስናዮ ክንሓልፍ አይንደልን። ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ስጉምትታት እንዳወሰድካ ነቲ አብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ራዕድን ፍርሕን ኪኖ ሓጹር ንምድርባዩ ሓጋዚ ስለዝኾነ አብ መጻኢ ብዕቱብ ክስረሓሉ አለዎ ድማ ንብል። እዛ ዝተገብረት አብ ሓጻር ጊዜ ዝተቐነባበረት ስርሒት አብ እዝኒ ሓለፍቲ ህግደፍ በጺሓ ከምዘሻቐለቶምውን ክፍለጥ ተኻኢሉ አሎ።

          እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ አባላት ማሕበር ኤርትራውያ መንእሰያት ንለውጥን ነበርቲ ቤይ ኤርያን ነቶም ግዳይ ሲናይ ዝኾኑ ኤርትራውያን ንምዝካር አብቲ ዕለት እቲ ናይ ሽምዓ ምሸት አዳልዮም አምስዮም።