ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 07:05 صباحا - 21 12 1432 هـ (17 11 2011 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሕርበቶ ህዝቢ

መበል 14 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሕርበቶ ህዝቢ

መበል 14 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

(እወ እዚ ውን ክሓልፍዩ)

ህግደፍ ክሳብ ማዓስ ክነብር ህዝቢ እንዳ ቀንጸለ

ጅሆ ሒዙና ከይንሳነ እንዳ መቃቀለ

ዓጋቲ የብሉን ንለውጢ ዝነቀለ

ኣቦታት ጉራደ ምዘዙ ኣድታት ሕዛ በርበረ

እዚ ማፍያ ስርዓት ብሓይሊ ክእለ።

ኣብ ስደት ንነብር ደቂ ሃገር ንባራበር

ስመር እዚ ውን ክስገር

ሰሚርካዩ ዝእለ ዚ.ሩጉም በሰር

እወ ክስገርዩ የለን ዘይስገር

ዘረባ ገዲፍና ንግበር ቁምነገር

ደቂ ኤረይ ሎሚ ዓመት ቅያ ንግበር

መን ያዓግቶ ህዝቢ ምስ ዝሰምር።

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

ናይ ህግደፍ ሳዓብቲ ሳዕሲዒት ኣብዙሖም  ሲኢኖም ቀልቢ

መንእሰይ ይጸንት ሳኣን ብሓባር ንዲክታቶር ምባል እንቢ።

እወ እዚ ውን ክሓልፍዩ

ተረዲእዎም እኳ ኣብ ስደት ተወሊዶም ዝዓበዩ

ሳዓብቲ ህግደፍ ሽግርኩም እንታይዩ

ንድሕነት ህዝቢ ዘይትዓዩ

ናይ ማፍያ ስርዓት ክነብር ትምነዩ።

(እወ እዚ ውን ክሓልፍዩ)

ወሰን ኢልና ንእለዮም ንናይ ጃንዳ መጋበርያ

ህዝቢ ሃገር ከይበረሰ ንበል ጉያ ጋያ

ኣብ ስደት ንነብር ንውጻእ ኣብ ጽርግያ

ክነጋልጾ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ማፍያ

ብርዕኻ ኣዋድዶ ኤረትራዊ በዓል ሞያ

ኤረትራዋት ዋዕሮ ኣውያታ ይሰማዕ ደሃያ።

(እወ እዚ ውን ክሓልፍዩ)

ዘማራይ ዘምር ገጣማይ ግጠም

ኣውያትና ንስምዕ ስቓይና ክድምደም

ዓመጽ ናይ ሲናይ ዳግማይ ከይድገም

ኣውያትና ነስማዓዮ ንህዝቢ ዓለም።

ያኣክል በበይንኻ ፋሕ ፋሕ

ብሓባር ንጭፍራ ንጉሓፍ ሽግርና ክፍታሕ

ነጻነትና ክነስተማቅሮ ጽባሕ

ተሳኒኻዩ ኣብ ዝደለኻዮ ዝብጻሕ።

(እወ እዚ ውን ክሓልፍዩ)

ህግደፍ ደም ዘንብዕ መልሓሶም ዕረ

መንእሰይ ይቅዘፍ ብዘይ መላስ ወረ

ብ.ዑሱባቱ ጃንዳ ዓረረ እንዳ ተደረረ

ንህግደፍ ሓቢርና ሓሕ ንበሎም ደቂ ኤረ።

ንጃንዳ ህግደፍ ኣብቲ ዘሕምሞ ንዝበጦ

ብጉልበት መንእሰይ ዝሰርሖ ገዛ ክጸቕጦ

ተግባራቶም ይገለጽ ያኣክል ዕበጦ ዕበጦ

መሬት ደቀባት ክሳብ ማዓስ ክሸጦ ክልውጦ

ሂወትና መንእሰያትና ብበደዊን እንዳ ይሸጦ

ኢደይ ኢድካ ኢልና ንስርዓት ማፍያ ንገልብጦ

ሕጂስ የለን ተግባራት ጃንዳ ዘይፈለጦ።

ካብዚ ሩጉም ኣርዮስ ክንጋላገል

እታ ገመድ ኣብ ክሳዱ ክትስቀል

ያኣክል ቅንጸላ ያኣክል በደል

ምስ ጭፍሩኡ ሸሎው ነብሎ ናብ ገደል።

እወ እዚ ውን ክሓልፍዩ ክፍደዩ ቲ ሕነ

ሕጂ ይእመን እቲ ዘይኣመነ

ስመርዩ ዝጭራሕ ዘሎ ሎሚ ቅነ

ደጊም ቦቶ የብሉን ንኢሰያስ ዝኣመነ።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን