ዜና ዓወት ብዲግሓሳኤ
نشر من قبل omaal في 07:42 صباحا - 21 12 1432 هـ (17 11 2011 م)

Sahoo.jpg

ዜና ዓወት ብዲግሓሳኤ

 


تفاصيل الخبر

Sahoo.jpg

ዜና ዓወት ብዲግሓሳኤ

ጀጋኑ ተጋደልቲ ብሄራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ (ብዲግሓሳኤ) ኣብ ልዕሊ ጸረ ህዝቢ ስለያ ስርዓት ህግደፍ ዕውት መጥቃዕቲ ፈኒዩ፡፡

ጀጋኑ ተቃለስቲ ብዲግሓሳኤ ብ13 ሕዳር 2011 ልክዕ ሰዓት 6፡15 ወጋሕታ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ምምሕዳር ከባቢ ኣሰድ “በርዓንኣፍ” ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዓሪዱ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ስለያ ምክልኻል ስርዓት ህግደፍ ኣሃዱ 03 ዝኾነት ሓንቲ ሓይሊ ሃንደበታዊን በርቃዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ኣብ ልዕሊ እታ ኣሃዱ ከቢድ ኪሳራ ኣውሪዶም፡፡

ህዝቢ ኣብ ምብስባስን ምግፋዕን ተጸሚዳ ኣብ ልዕሊ ዝጸነሐት ሓይሊ ስርዓት ህግደፍ ብዝተወስዱ ዕውት መጥቃዕቲ 22 ክቅተሉ ከሎው፡ 3 ድማ ኣምሊጦም፡፡ ኣብዚ ዕውት መጥቃዕቲ ዝተመንዘዐ፡-

1.       ሓንቲ (1) ኣርፒጂ

2.       ሓንቲ (1) ብሬን

3.       ሓንቲ (1) ቀጪ ሐርሞ

4.       ዓሰርተ ሓደ (11) ከላሽን

5.       ሰለስተ (3) ወታሃደራዊ ሬድዮ ርክብ

6.       ሓንቲ (1) ወተሃደራዊ ክሻፋ (መነጸር)ን ብርክት ዝበሉ ቡንባታት፣ ጠያይቲ፣ ዶኮሞንታትን ስንቅን እታ ኣሃዱ ትዕቅበሉ ዝነበረት 2 ገዛውቲ ተጠቕዑ ስለ ዝተቃጸለ ሙሉ ብሙሉእ ዓኒዑ፡፡ ድሕሪ 30 ደቃይቅ ጀጋኑ ተቃለስቲ ብዲግሓሳኤ እቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ተቆጻጺሮም ፈኮስቲ ኣጽዋርን ገለ ዶኮሞንታትን መንዚዖም፡፡

ካብ ምምሕዳር ከባቢ ማኮ ሓንቲ ሓይሊ፣ ካብ ማርድ ዝተባህለ ቦታ ሓንቲ ሓይሊ፣ ካብ ላዕላይ ኣሰድ ሓንቲ ሓይሊ ተወሃሂዶም ንረድኤት እኳ እንተመጸኣ ከባቢ 20 ደቀይቕ ድሕሪ ዝተኻየደ ምልውዋጥ ቶክሲ ብጀጋኑ ተቃለስቲ ብዲግሓሳኤ ተጸፊዖም ከም ዝተመልሱን ጀጋኑ ተቃለስቲ ብዲግሓሳኤ ድማ ኣብ ከባቢ ንዝርከቡ ህዝቢ ግቡእ ሓበሬታ ብምሃብ  ክሳብ ሰዓት 5፡00 ድሕሪ ቀትሪ እቲ ከባቢ ተቆጻጽሮም ድሕሪ ምጽናሕ ብሰላም ናብ ቦትኦም ከም ዝተመልሱ እቲ ዝመጸና ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ፡፡

ቤ/ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ብሄራዊ ዲ/ግንባር ሓርነት ሳሆ ኤርትራ (ብዲግሳሓኤ)

14 ሕዳር 2011