መጸዋዕታ ንሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሺ&#475
نشر من قبل omaal في 08:08 صباحا - 14 01 1433 هـ (09 12 2011 م)

መጸዋዕታ ንሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ

 


تفاصيل الخبر

መጸዋዕታ ንሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ

ብምኽንያት ታሕሳስ 10 ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሲናይ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታትን: ንሕና ግዱሳት ኤርትራውያን መንእሰያት ሓደ ዓብይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ኣብ ፊት ዋይት ሃውስ ኣዳሊና ኣለና:: ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያንን መሓዙት ኤርትራን ድማ ናብዚ ሰልፊዚ ክሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም:: ከምኡ'ውን ኩለን ኤርትራውያን ውድባትን ማሕበራትን ነዚ ብመንእሰያት እናተወደበ ኣብ ኩለን ሃገራትን ከተማታትን ዝባራዕ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ስሙር ደገፍ ክልግሳሉን ክሳተፎኦን ንጽውዕ::  እቲ እናሓደረ ዝብእስ ዘሎ ወጽዓታት ህዝቢ ኤርትራ ክስገር ኩሉኻ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ስመርርርርርርርርርርር ድማ ንብል:: 

ዕላማ ናይ'ዚ ሰላማዊ ሰልፊ ስሙር ድምጽና

·         ምእንቲ አብ ውሽጢ ኤርትራ: ናይ እምነት: ናይ ምዝራብ: ናይ ምእካብ: ድምጽኻ ናይ ምስማዕ: ኮታ ኩሉ ሰብአዊ መሰሎም ተረጊጹ: ብዘይ ፍትሒ አብ ሸላታትን ናይ ትሕቲ መሬት ጎዳጉዲ ተኣሲሮም: ንዓመታት ብርሃን ጸሓይ ተሓሪምዎም ዝበልዩ ዘለው

ከምኡ'ውን ምእንቲ ኩሎም ግፉዓት ናይ ሓባር ድምጽና ከይተፈላለና ብሓደ ቃና ንምስማዕ ዩ::

ንሕና እዞም አብ ተዛማዲ ራህዋን: ስላምን መሰልና አብ ዝተኸብረሉ ሃገር ንነብር ምእንቲ’ዞም ዘይጠዓሞም  አሕዋትናን ኣሓትና ድምጽና ከነስምዕ ሰብአዊ ግደታ አለና:: እታ ናይ ሓዋሩ ቤትናን መንበሪትናን መሰረትናን ዝኾነት ሃገርና ኤርትራ እናርአናያን ቁልቁል ናብ ሲኦል እናተኖቑተት: ብሕግን ስርዓትን ብግዝአተ ሕግን ብቤትፍርድን ዘይኮነት ብዊንታን ድልየትን ውልቀሰባት ሓርነት ብዙሓት ዝርገጸላ ናይ ባሮት ደምበ ኮይና እንከላ ትም ክንብል ናይ ሕልና ገበን ኢዩ::

ስለዚ ኩልና ብሓባር ድምጽና ነስምዕ::

ብርግጽ ገለ ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ምስዚ ጠንቂ’ዚ ኩሉ ስደትን መከራን ዝኾነ: ገባቲን መላኺ ስርዓት እናተደናገጹ: ብዛዕባ እቶም ህይወት ከም ኣፍ ዑንቂ ጸቢባቶም ዘላ ኣሕዋትናን ኣሓትናን "አይግድሰናን ወይ ውን አይንጽንበረኩምን" ክብሉና እዮም:: ንሕና ግን ከምቲ እቶም ኣብ ሲናይ ዝሃለቑ ኣሕዋትና  ብደም ዝጸሓፍዎ ቃላት "እዚ ውን ይሓልፍ" ኢልና አዒንትና ናብ ዕላማ ሰላምን ፍትሕን ክብረት ስብ አዊ መሰልን ኣቕኒዕና ንቕድሚት ንመርሽ::

ዕለት: ቀዳም ታሕሳስ 10 2011 ሰዓት 9:00 ቅድሚ ቀትሪ

ቦታ: ፊት ዋይት ሃውስ

ስመር ስመሪ ንስመር!!!!
ኮሚተ ሰለማዊ ሰልፊ ስመርርርር
ዋሺንግቶን ዲሲ