ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝ&#462
نشر من قبل omaal في 10:43 صباحا - 07 02 1433 هـ (01 01 2012 م)

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 20 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩብር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

Keel in Asm.jpg


تفاصيل الخبر

ነጻነቱ ብደሙ ኣራጋጊጹ ሓርነት ዝሓርበቶ ህዝቢ

መበል 20 ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ኩብር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

መልሲ ንደገፍቲ  ዲክታቶር ኣብ  ኣብ መስከረም ዝማዓስከሮም

ዕምሪ ናይ ቶም ኣብ ጽርግያ ንመንእሰያት ዝርሽኑ ከናውሑ ዝፍትኑ።

Keel in Asm.jpg

ኣብ ክንዲ ገጋታት እንዳ ኣረምካ

ነቲ ተተኺሉ ዘሎ ባይቶ ደጊፍካ

ምብርካት እጃምካ ንድሕነት ህዝብኻ

ንድሕነት ዲክታቶር ማሃንድስ ኮንካ

ፋሕ ንምባል ብህግደፍ ተዋፊርካ።

ተዓዘብዎም ነቶም

መስከረም ዝመዓስከሮም

ተከታተልዎሞ ንጽሑፋቶም

ቃል ዲክታቶር ይደግም ልሳኖም

ካብ ቲቪ ኤረይ እንታይ ይፈልዮም።

ድምጺ መንእሰያት ኣሰንቢድዎም

ንህግደፋዊያን ኣብ ከብዶም

ፍርሒ ኣትይዎም

ካድራት ጃንዳ ተዋፊሮም

ቁሩብ ኣናውሑ ዕምሮም

ኣንድነት ዎዮ ናቶም

ኣዝማድ ቅንጅት ክነሶም

በቲ ሉኡኽ ዓሊ ዓብዱ ዑሱቦም

ወናኒ መስከረም ኣቢሎም

ናብ ደለይቲ ለውጢ ክልጥፍዎ ፈቲኖም

ደጊም እሞ ንጭፍራ መን ክኣምኖም

ኩሉ ኤረትራዊ ፈሊትዎም።

መራሒ ጭፍራ ህግደፍ

ጦብሎቕ ዝብል አብዘይ ማአዱ

ብሰንኩ እንዳባ ፈሪሱ አዕንዱ

አብ  መንጎ ደቀባት ረመጽ ኣጕዱ

ንኤረትራዊ ማይበት አይውላዱ

ዘራጊ ሰውራና ውዲት ዝልማዱ

መንዩ ከይትብሉ ባዕሉ ዝተሸመ ቢኢዱ

ኢሰያስ ንህዝቢ ኤረትራ ዝፈደዮ ዘይኢዱ።

እዚኦም ዝሳዓብቱ

በዓል ክሳብ ሰማይ

ንብላዕ ስርናይ በሃላይ

ወናኒ መስከረም ናይ

ዲክታቶር ኣገልጋላይ

ያኣኽለካ ንህዝቢ ኤረትራ

ብኢሰያስ ክጸንት ምምናይ

ወዲ ጣባ ሕልሙ ግናይ

ክልተ ዝኣፎም ከም መንደላይ

ዝተዋፈሩ ንህዝቢ ንምፍልላይ

ንመን ንምትላልዩ ሕንቅል ሕንቅሊተይ

ቅዋማዊት ኤረትራ ድልየት ናይ

ኩሉ ተቃቓዋማይ

ቅድም ግን ከድልየናዩ

ንጭፍራ ምእላይ

ሹዑያ ተንበልብል ኣውሊዔይ

ባንደራ ሕብራ ሰማይ

ቢሄራትና ይዕልላ እንዳበላ ሃገረይ

ኤረትራ ሕልመይ ሰሚሩለይ።

እንተ ንስኻትኩም እሞ

ነቲ ከዳዕ ትፍትኑ ፍትሓዊ ክተምስልዎ

ንደላይ ፍትሒ ትፍትኑ ክተጸልምዎ

ዓሻ የሕጎስ ንለባም እሞ ገሪምዎ።

ከም ቀደምና ንበል ሻማ ሻማ

ንሃገርና ደሞክራስያ ክንሽልማ ጋማ

ዕረ ክጥዕሞም ንጃንዳ ሰብ ደማ

ኤረትራ ክትማሓዳደር ብደቀባት ከም ቀደማ።

ሃገርይ ቀሪብኪ ብደቅኺ ክትኮርዒ

ብጃንዳ ህግደፍ ክሳብ ማዓስ ክትነብዒ

ዝሓረስክዮ ምህርቲ ሓፊስኪ ክትበልዒ

መልሓሶም ምስ ሓየኹ እኒ መጣቕዒ

ሹዑ ኢኺ ኣርተሻል ዘይኮነ

ሓቀኛ ሳሓቕ ሲሒቕኪ ትስዕስዒ።

ኤረትራዊያን

ጻዊዒት ደለይቲ ለውጢ ንስምዓዮ

ንህግደፍ ኢደይ ኢድካ ኢልና ንእለዮ

ኣብ ጽርግያ ወጺኻ ኣውያት ደርጓሓዮ

ሓቦ በል ኣብ ገዛ ተዓጺኻ ከላእ ትብከዮ።

ንህዝብና ክንማጎተሉ

ኢልና እዋሓስ ኣግብእ

ንህዝብና ክነናግፎ ሪኢና ኩፉእ

ኣሲርና ኩርንኩሪት ኣብ መጋባእያ ክነቅርብ

ንኢሰያስ ዝመራሒኦም ጃንዳ ኣዛብእ።

ድሕሪዚ ግን

ፍትሒ ይነግስ ይኸውን ሰናይ ዘበን

ኤረትራ ትኸውን ንኤረትራዊያን

ንሱዩ ድልየተን ቢሄራትና ኩለን

ኣብ ኤረትራ ክሰፍን ፍጹም ምትእምማን።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ  ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን